ምጕዳል ትኵርነት ንምፍዋስ ብሓኪም ዝእዘዝ ገይም ኮምፒተር

ገይም ኮምፒተር እትጻወት ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, AKILI

ብዙሓት ወለዲ፡ ደቈም ኣብ ጸወታታት ኮምፒተር ተጸሚዶም ብዙሕ ግዜ ከጥፍኡ ብምርኣይ ክጭነቑ እንከለዉ፡ ኬልሲ ሲሃኖራት ግን ወዳ ኦዋይን፡ ‘ታብለት’ ክሕዝ ምርኣያ ሕጕስቲ እያ።

እቲ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ፡ ምጕዳል ኣቓልቦ ወይ ትኵርነት - ADHD (attention deficit hyperactivity disorder) ከም ዘለዎ’ዩ ብሕክምና ተረጋጊጹ።

ሽዑ እቶም ኣብ ኣሜሪካ ጆርጂያ ዝነብሩ ስድራቤቱ፡ ወዶም ንመዓልታዊ ዕማማት ህይወት ብዝሓሸ ኵነታት ክለምዶን ክነጥፈሉን ዝሕግዝ ሕክምና ንኽረክብ ብምሕሳብ፡ ናብ ሕክምና ወሰድዎ።

መድሃኒታት ብምሃብ'ውን ፈቲኖምዎ፣ እንተዀነ እቲ ዝተኣዘዘ መድሃኒታት ኣብ ወዶም ቀጻሊ ዝዀነ ሕማም መርዘን ርእሲ ምስ ኣኸተለን ከቋርጽዎ ተገዲዶም።

እቲ ጕድለት ትኵርነት - ADHD (ኤዲኤችዲ)፡ ኣብ ውጽኢት ትምህርቱ ጽልዋኡ እናቐጸለ ብምኻዱ፡ ኬልሲ ንወዳ “ዝኾነ ዝሓሸ ካልእ ኣማራጺ ክትረኽበሉ ተስፋ ትገብር ከም ዝነበረት” ትዛረብ።

"ንምንታይ ትኵር ክኸውን ከምዘይከኣለ ንምርዳእ ክቃለስ እንከሎ፡ ከምኡ'ውን ኣበርቲዑ እናጸዓረ ግን ከኣ ክርበሽ እንከሎ ኣብ ውሽጡ ዝፍጠር ብስጭት እርእዮ ነይረ" ትብል።

እዚ ኵነታት ወዳ፡ ሓዘን'ኳ እንተፈጠረላ ክትሕግዞ ወይ ክትገብረሉ ትኽእል ነገር ከምዘይነበረ ትገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ግን ‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ [‘EndeavorRx’] ካብ ዝበሃል ጸወታ ኮምፒተር (‘ገይም’) ሓደ ተስፋ ተረኺቡ።

ኬልሲ ሲሃኖራት ምስ ወዳ ኦዋይን

ምንጪ ስእሊ, KELCEY SIHANOURATH

እቲ ገይም ኣብ ምፍዋስ ምጕዳል ኣቓልቦ/ትኵርነት ህጻናት ንኽውዕል ብምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ኣብ 2020 ዝጸደቐ ፈላሚ ዓይነት ጸወታ ኮምፒተር እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ሓካይም ብዝወሃብ ትእዛዝ ጥራይ’ዩ ዝረአ ዘሎ። ‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ ምስ ካልኦት ብዙሓት ዓይነታት ጸወታታት ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ። ኣብቲ ጸዋታ፡ ኣብ ጠፈር ብዝተፈላለየ ዓለማት እናተጓየየ ንነገራት ክእክብ ንዝፍትን ንእሽቶ ባዕዳዊ ፍጥረት ኢኻ ትቈጻጸር።

እዚ ኣብ መተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ዝተመርኮሰ ጸወታ ግን፡ ምስ ተመራመርቲ ‘ኒውሮሳይንስ’ [ኒውሮሳይንስ - ንዕብየት ስርዓተ መትኒታት ዘጽንዕ ኰይኑ ቀንዲ ትዅረቱ ኣብ ሓንጐልን ኣብ ጠባይ ዘሕድሮ ጽልዋን ይጥምት] ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ።

እቲ ጸዋታ፡ ንነገራት ኣቓልቦ ክንህብ ኣብ ምግባር ወሳኒ ተራ ንዘለዎም ከባቢታት ሓንጐል ከነቓቕሕን ከመሓይሽን ብዝብል’ዩ ተዳልዩ።

ንሓደ ጕድለት ትኵርነት ዘለዎ ህጻን ብዙሕ ዕማማት ኣብ ምፍጻም፡ ዝሓሸ ብቕዓት ንኸማዕብል፡ ከምኡ'ውን ኣቓልቦኡ ንዝርብሹ ነገራት ሸለል ንኽብል ከሰልጥኖ ብምሕሳብ’ዩ እቲ ገይም ተሰሪሑ።

‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ [‘EndeavorRx’]

ምንጪ ስእሊ, AKILI

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓካይም ነዚ ገይም ክእዝዙ ከለዉ፡ እቲ ህጻን ነቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሊንክ ናብ ወለዲ ይልእኩ።

ፈለማ፡ "ቅሩብ ተጠራጢራ" ምንባራ ትዛረብ ኬልሲ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ግን ኦዋይን ኣብ መዓልቲ ን25 ደቓይቕ ነቲ ጸወታ ክጻወት ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ፕሮግራም ጀመረ፤ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ካልእ ዙርያ ተጻዊቱ።

ንነፍሲ ወከፍ እተን ወዳ ኦዋይን ኣብ ጸዋታ ዘሕልፈን ክፍለ ግዜታት እናተኸታተለት፡ ንመዓልታዊ ባህርያቱን ምዕባለኡን ድማ ኣስተብሂላቶ።

ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ኣብ ባህርያቱ ንኣሽቱ ኣወንታዊ ለውጥታት ክትርኢ ጀመረት። ንኣብነት፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻዳ ጽቡቕ ምድላው ይገብር፤ ካብ መምህራን ዝመጽእ ኣሉታዊ መልእኽቲ’ውን የለን።

ከምኡ’ውን ሓሙሻይ ክፍሊ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ውፅኢቱ ግን A ን Bን ከምጽእ በቒዑ።

"ወደይ ክሳብ ክንድ'ዚ ዕዉት ክኸውን ምርኣይ ዘገርም'ዩ ነይሩ፣ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ኣብ ነብሱ እምነት ክህልዎ ምርኣየይ" ትብል ኬልሲ።

"ድሕሪ ደጊም ስለምንታይ ዘይሰመረለይ ኢሉ ኣይርበሸን፡ ኣይደናገርን" ክትብል ወሲኻ ትዛረብ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ቦስተን ዝመደበሩ ትካል ቴክኖሎጂ ‘ኣኪሊ’ [Akili] ኤዲ ማርቱቺ፡ እቲ ጸወታ ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ንምጥንኻር ዝተዳለወ ምዃኑ ይዛረብ።

ኤዲ ማርቱቺ ኣብዚ እዋን ነቲ ‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ ዝተበሃለ ጌም፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክዝርግሖ ሓሳብ ኣለዎ። ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ከኣ ኣብ ኣውሮጳ ናይ ምኽፋት ውጥን ሒዙ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ለንደን ‘ታይሚያ’ [Thymia ] ዝተበሃለ መተግበሪ፡ ሓካይምን ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን፡ ንጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ብፍላይ ድማ ጭንቀት ንኽፈልጡን ንኽምርምሩን ጸወታታት ኮምፒተር ክጥቀሙ ይሕግዝ ከምዘሎ ይግለጽ።

‘ታይሚያ’ [Thymia ] ዝተበሃለ መተግበሪ

ምንጪ ስእሊ, THYMIA

ኣብዚ ዓውዲ ምርምር ዘካይድ ዶክተር ስቴፋኖ ጎርያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቱሪን፡ እቲ መተግበሪ፡ "ጠቓምን ኣሳታፍን ብዝኾነ መገዲ ነቶም ንምልክታት ጭንቀት ንምርዳእ ኣገደስቲ ዝዀኑ ባዮማርከራት ይእክብን የውጽእን" ይብል።

[ባዮማርከራት - ኣብ ደም ወይ ካልኦት ኣብ ሰብነትና ዘለዉ ፈሰስቲ ዝርከብ ባይሎጂካዊ ሞለክዩል]

እቶም ‘ኣኪሊ’ ን ‘ቲሚያ’ ን ዝተበሃሉ ትካላት መተግበሪታቶም ኣብ ርእሲ እቲ ብሓኪም ዝካየድ ክትትልን ሕክምናን ዝሕግዙ እምበር፡ ከም መተካእታ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ከምዘይብሎም ይምዕዱ።