እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ብፖሊስ እስራኤል ተጠቒዖም
ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝጽብጽቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ብፖሊስ ድሕሪ ምቍራጾም መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ተገሊጹ።
ሙሃነድ ቱቱንጂ፡ ሃይሳም ኣቡድያብን ጕጅለኦም ቢቢሲ ዓረብኛን ናብ ሓደ ሆቴል እናተጓዓዙ እንከለዉ መኪናኦም ተዓጊታ።
እቶም ጋዜጠኛታት ካብታ መኪና ተጎቲቶም "ቲቪ" ዝብል ምልክት ተገይሩሎም፡ ተፈቲሾም ኣብ መንደቕ ከምዝተደፍኡ ተሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ቢቢሲ፡ ጋዜጠኛታት "ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤልን ቓዛን ዘሎ ግጭት ብናጽነት ክጽብጽቡ ክኽእሉ ኣለዎም" ኢሉ።
ሚስተር ቱቱንጂን ሚስተር ኣቡድያብን ንገዛእ ርእሶም ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ምዃኖም ከምዘፍለጡን፡ ናይ ፕረስ መንነት ወረቐት ንፖሊስ ከምዘርኣዩን ገሊጾም።
ሚስተር ቱቱንጂ ነቲ ፍጻመ ብስእሊ ክስእሎ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ተሌፎኑ ኣብ መሬት ከምዝተደርበየትን ኣብ ክሳዱ ከምዝተሃርመን ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ቢቢሲ "ሓንቲ ካብተን ኣብ ተልኣቪቭ ዝተዋፈራ ጕጅለታት ቢቢሲ ኒውስ ዓረብ፡ ኣብ ሓንቲ ብንጹር ሚድያ ዝብል ምልክት ዝተገብረላ መኪና፡ ትማሊ ምሸት ብፖሊስ እስራኤል ደው ከም ዝብሉ ተገይሩን መጥቃዕቲ ወሪድዎምን፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ንፖሊስ እስራኤል ኣዘራሪቡ’ዩ።
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ብውሕዱ 1200 ሰባት ቀቲሉ።
እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ቓዛ ልዕሊ 1400 ሰባት ተቐቲሎም፤ ናይ መሬት መጥቃዕቲ እውን ትጽቢት ይግበር።
እስራኤል ነቶም ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከቡ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ህዝቢ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ደቡብ ናይቲ መሬት ክግዕዙ ሓቢራ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ነቲ ትእዛዝ ክትስሕቦ ብምምሕጻን፡ "ኣዕናዊ ሰብኣዊ ሳዕቤን" ከምዘስዕብ ኣጠንቂቑ።
ንወሽመጥ ቓዛ ዝቈጻጸር ሓማስ ብግደኡ፡ ሰለማውያን ሰባት ነቲ ብእስራኤል ዝተወሃበ ትእዛዝ ዕሽሽ ክብልዎ መልእኽቲ ዘሕለፈ ኰይኑ፡ "ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ።