ሓማስን ፑቲንን ክዕወቱ ኣይከፍቅድን'የ - ባይደን

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ካብቲ ‘ኦቫል ኦፊስ’ ዝበሃል ቤት ጽሕፈቱ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ፑቲን ይዅን ሓማስ ክዕወቱ ከምዘየፍቅድ ተዛሪቡ።

እቲ ዘረባኡ ኣብ መንጎ ዩክረይንን እስራኤልን ምምስሳል ከምዘሎ ንምርኣይ ክፍትን እንከሎ፡ ባይቶ ኣሜሪካ ስጕምቲ ብምውሳድ ንኽልቲአን ሃገራት ናይ ሓገዝ መደባት ከጽድቕ ጸዊዑ።

“ሓማስን ፑቲንን ዝተፈላለዩ ስግኣት እዮም፤ እንተዀነ ንኽልቲኦም ዘመሳስሎም ነገር፡ ኣብ ጐረቤቶም ንዘሎ ዲሞክራሲ ክድምስሱ ምድላዮም እዩ፤ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ስልጣን ንምቍጽጻር ዘለዎ ሸውሃት ደው እንተዘየቢልናዮ፡ ኣብ ዩክረይን ኣይክግታእን እዩ።

ሓማስ “ርኡይ ክፍኣት” ናብ ዓለም ፈንዩ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ “ክንዮ ድሕነት እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ኣሜሪካውያን ምርግጋጽ ካልእ ቀዳምነት የብለይን፡” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ “እስራኤልን ዩክረይንን ከምዝዕወታ ምግባር ንሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ወሳኒ” ምዃኑ ተዛሪቡ።

ባይደን ብልክዕ ክንደይ ዝኣክል ተወሳኺ ገንዘብ ይሓትት ከምዘሎ እኳ እንተዘየነጸረ፡ ክሳዕ 100 ቢልየን ዶላር ዝበጽሕ ምዃኑ ይግለጽ።

ግብረ-ሽበራውያንን ውልቀ-መለኽትን “ዋጋ ክኸፍሉ ይግባእ” ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣሜሪካውያን ንምንታይ ንእስራኤልን ዩክረይንን ብቢልዮናት ዝግመት ሓገዝ ክገብሩ ከምዘድሊ መጕቱ።

ግብረ-መልሲ ሪፓብሊካን

ኣባልት ሰልፊ ሪፓብሊካን ንርእይቶ ፕረዚደንት ባይደን ምላሽ ይህቡ ኣለው።

እቲ ንዩክረይን ተወሳኺ ሓገዝ ከይወሃብ ዝጕስጉስ ሰኔተር ኦሃዮ፡ ጂዲ ቫንስ፡ ነቲ መግለጺ ብትሪ ክቃወም እንከሎ “ኣጸያፊ” ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ኣብ እስራኤል ዝሞቱ ህጻናት ተጠቂሙ ነቲ ሓደገኛ ናይ ዩክረይን ፖሊሲኡ ንተዋላወልቲ ኣሜሪካውያን ክሸይጥ ይፍትን ኣሎ፡” ኢሉ።

“ተመሳሰልቲ ሃገራት ኣይኰናን፡ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣይኰኑን፤ ንፖለቲካዊ ሸፈነ ንእስራኤል ክትጥቀም ምፍታን ቅር ዘብል እዩ።”

ሰኔተር ተነሲ፡ ማርሻ ብላክበርን “ንሓገዝ እስራኤልን ንሓገዝ ዩክረይንን ከተኣሳስሮ ኣይግባእን፡” ክትብል እንከላ፡ ሰኔተር ኣርካንሳስ ቶም ኮተን፡ ባይደን ኣብ ኢራን ዘይምትኳሩ ከምዘደንጸዎ ገሊጹ።

“ባይደን፡ ወከልቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጽሙ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ምዃኑን ገዚፍ መልሰ-መጥቃዕቲ ከምዘስዕብን ብቕልጡፍ ንኢራን ከጠንቅቕ ኣለዎ፡” ክብል ለጢፉ።