እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቪድዮታት፡ ኣሳእልን ካልእን ብዛዕባ ፍንጀራ ሆስፒታል ቓዛ እንታይ የመልክቱ?
ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ብብዝሒ ሰባት ኣብ ዝነበርዎ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ብዘጋጠመ ነትጒ ኣማኢት ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።
ንቓዛ ዝቘጻጸሩ ሰብ መዚ እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመን ኮነ-ኢልካ ዝተገብረ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምዃኑን ይኸሱ፤ እስራኤል ግን ነዚ ክሲ ትነጽግ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ነቲ ሓቂ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።
ቢቢሲ ቬሪፋይ፡ ንሓደ ቪድዮ፡ ሰእልታትን መሰኻኽር ዓይንን ብምውካስ ነቲ ፍጻመ ክፍትሾ ፈቲኑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናብቲ እቲ ነትጒ ዘጋጠመሉ ቦታ ክበጽሕ ክኢሉ ኣሎ።
ሓድሽ ሓበሬታ ብቐጻሊ ይወጽእ ብምህላው፡ ንሕና’ውን ብመሰረት ዝረኸብናዮ ጭብጥታት ነዚ ጽሑፍ እናኣስፋሕናዮ ክንከይድ ኢና።
ኣብዚ ሓደ ክስመረሉ ዘለዎ ነጥቢ፡ እዚ ግጭት፡ ክንዮ እቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ናይ ሓበሬታ ውግእ እውን እዩ።
ሰብ መዚ እስራኤልን ቓዛን ኣብ ሓደ ፍጻመ ምፍንጃር ዝተፈላለየ ተጻራሪ መግለጺ ክህቡ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።
እቲ ነትጒ
እቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝተርኣየ ነትጒ፡ ብሰሉስ ኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 19:00 እዩ ነይሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ናይቲ ነትጒ ምዃኑ ዝግለጽ ናይ 20 ካልኢት ቪድዮ፡ እቲ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ክስተት ዝተዘርግሐ እዩ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ናይ ተወንጫፊ ድምጺ ይስማዕ እሞ ከቢድ ነትጒ ይርአ።
መደበር ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ሰዓት 18፡59 ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ትሕዝቶ፡ ብርቱዕ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ክዓርግ ኣርእዩ። ብምፍንጃር ሮኬት ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብቲ ቪድዮ ብልጭታ ኣብ ርሑቕ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ናብቲ ካሜራ ኣብ ዝቐረበ ቦታ ኣዝዩ ዝገዘፈ ነትጒ ይርአ፤ ነዚ ቦታ ኣብ ካርታ ክንፈልዮ ክኢልና ኣለና።
ካልእ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተራእየ ቪድዮ፡ ዝመሳሰል ነትጒ ግን ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓትን ርሕቐትን የርኢ።
ንዕብየት እቲ ነትጒ ከምኡ’ውን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሰምዐ ድምጺ ዝርከብዎም መርትዖታት ብምጥቃም ጠንቂ እቲ ነትጒ ምልላይ ዝከኣል እንተዀይኑ ንሞያውያን ተወኪስና።
ዛጊት እቲ ርኽበት ናብ መደምደምታ ዘብጽሕ ኣይኰነን።
ቢቢሲ ቬሪፋይ ዝተዓዘቦ መርትዖታት ምስ ንቡር መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ዝመሳሰል ኣይኰነን፤ ንኣብነት፡ ኣብ ባይታ በቲ ቦምባ ዝተፈጥረ ሃጓፍ የለን።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቫንደርቢልት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጀይ ኣንደርሰን ጋኖን፡ እቲ ነትጒ ዝነኣሰ ከምዝመስል ይዛረብ። እዚ ማለት እቲ ዝተፈጥረ ሙቐት ብምፍንጃር ርእሰ-ኲናት ዘይኮነ ብዝተረፈ ነዳዲ ሮኬት ዝሰዓበ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ብሪጣንያ ተመራማሪ ጀስቲን ብሮንክ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ።
ኣብዚ እዋን ርግጸኛ ምዃን ኣጸጋሚ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ነትጒ ዝፈሸለ ኣካል ሮኬት ኣብቲ መጸግዒ መኪና ብምውዳቝን ምቅጻል ነዳድን መሓንበብን ዘስዓበን ከምዝመስል ተዛሪቡ።
እቲ ተወንጫፊ ዕላማኡ ሃሪሙ እንተዀይኑ፡ በቲ ቪድዮ ምርግጋጽ ከምዘይከኣል ሚስተር ጋኖን ይገልጽ።
ብዙሓት ዘዘራረብናዮም ክኢላታት፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ርእይቶኦም ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።
ካብቲ ስፍራ ዝተረኽበ ምስላዊ መርትዖታት እቲ ነትጒ
ቢቢሲ ነቲ ዝተዘርግሐ ምስልታት ምስ ናይ ሳተላይት ብምንጽጻር፡ እቲ ነትጒ ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ከምዘጋጠመ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ነትጒ ዝተወስደ ምስልታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ህንጻታት እቲ ሆስፒታል ብዙሕ ጉድኣት ከምዘይወረደ እዩ ዘርኢ። እቲ ምስሊ ምልክታት ሕራርን ዝተቓጸላ መካይንን የጠቓልል።
እቲ ሆስፒታል ብቤተ-ክርስትያን ኣንግሊካን እዩ ዝውነን።
ኣብ የሩሳሌም ናይ ዝርከብ ኮሌጅ ቅዱስ ጆርጅ ዲን ካኖን ሪቻርድ ስወል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ፡ ከባቢ 1,000 ዝዀኑ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ኣዕቊቦም፡ ከባቢ 600 ተሓከምትን ሰራሕተኛታትን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ምንባሮምን ገሊጹ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ እንታይ ርእዩ?
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ራሽዲ ኣቡኣሎፍ፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ክበጽሕ ዕድል ረኺቡ ነይሩ። መሰኻኽር ዓይኒ ከዘራርብ እንከሎ፡ ሬሳታት ገና ይእከብ ምህላው ገሊጹ።
እቲ ነትጒ ኣብ ዘጋጠመሉ ሰዓት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቈልዑን ኣረጋውያንን ኣብቲ ሆስፒታል ምንባሮም ሓደ ሰብኣይ ነጊርዎ።
ብዛዕባ እቲ ነትጒ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣሳእልን ቪድዮን ግዳያት ምፍታሽ ገና ቀጺልና ኣለና።
ክሳዕ ሕጂ ዘይፈለጥናዮ
ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ መርትዖታት፡ እቲ ድሕሪ እቲ ምፍንጃር ኣብ ባይታ ዝተፈጥረ ሃጓፍ እዩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ገዚፍ ሃጓፍ ዘይምህላው፡ ወይ’ውን ኣብ ዙርያኡ ኣብ ዝርከቡ ህንጻታት ጉድኣት ዘይምውራዱ፡ እቲ ነትጒ በቲ ዝትኵሶም ኣጽዋር ዝሰዓበ ከምዘይኰነ መረጋገጺ ምዃኑ ይገልጽ።
ሓደ ንእሽቶ ሃጓፍ እዩ ዝርአ፤ ምናልባት ካልእ ዝተፈጥረ ሃጓፍ እንተሃልዩ ንፍትሽ ኣለና።
ካልእ ዛጊት ዘይተረኽበ ኣዝዩ ኣገዳሲ መርትዖ፡ ፍንጭልጫል ሚሳይል እዩ። ብዙሕ ግዜ ተወንጨፍቲ፡ ብፍንጭልጫላቶም ይልለዩ እዮም። እዚ ከኣ ምንጪ እቲ ተወንጫፊ ንምፍላጥ የገልግል። ኣብዚ ግን ዝዀነ ነዚ ዘርኢ ጭብጢ ኣይረኣናን።