ቡርኪናፋሶ፡ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መራሒ 'ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱለይ' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ፡ ኣካላት ስለያን ጸጥታን ሃገሩ ንዝተኣለመሎም ዕልዋ መንግስቲ ብሰሉስ ከምዘፍሸሉ ገሊጹ።
ሕጂ ግዚያዊ ፕረዚደንት ኰይኑ ዘሎ ካፕተን ኢብራሂም ትራወረ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት’ዩ ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ብምምጻእ ነታ ሃገር መጀመርታ ከም ወተሃደራዊ መራሒ፡ ጸኒሑ ከኣ ግዚያዊ መንግስቲ ብምቛም ከም ግዚያዊ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝመርሓ ዘሎ።
እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ትማሊ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስሞም ዘይገለጾም ወተሃደራውያን መራሕትን ካልኦትን ንቡርኪናፋሶ ‘ንምህዋኽ’ ፈቲኖም ኢሉ።
ኣብቲ መግለጺ፡ “እዚ ጸሊም ሓሳብ ዕላማኡ ንትካላት እዛ ሃገር ንምጥቃዕን ነዛ ሃገር ናብ ዕግርግር ንምሽማምን’ዩ” ምባሉ ሮይተርስ ገሊጹ።
ብካፕተን ኢብራሂም ትራወረ ዝምራሕ ግዚያዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ፡ ዝርዝር'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ምስቲ ተፈቲኑ ዝበሎ ዕልዋ መንግስቲ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዘይዕግበትን ምግምማዕን ከምዘሎ ኣብ ቀረባ ዝወጽኡ ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሖም’ዮም።
ብሰሉስ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰባት ኣድማ ከካይዱ’ዮም ዝብል ሕሜታ ምስ በዝሐ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝድግፉ ኣማኢት ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኡጓዱጉ ናብ ጐዶናታት ብምውጻእ ደገፎም ክገልጹ ውዒሎም።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ብቛንቋ ፈረንሳ እትሕተም 'ጁነ ኣፍሪክ' ንዝተባህለት መጽሔት፡ ነቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዋጋ ዘይህብ ዓንቀጻት ጽሒፋ ብምባል ዓጽይዋ።
ካፕተን ኢብራሂም ትራወረ ኣብ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ብዕልዋ ደይቡ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራይ ስልጣን ዝሓዘን ሌተና ኮሎኔል ፖል ሄንሪ ዳሚባ ብምእላይ’ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ሌተና ኮሎኔል ፖል ሄንሪ ዳሚባ ነቲ ኣብ 2015 ብወግዒ ዝተመረጸ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ሮች ካቦረ ብምእላይ ስልጣን ክሕዝ እንከሎ፡ ካፕተን ኢብራሂም ከኣ ንፖል ሄንሪ ዳሚባ ብዕልዋ ብምእላይ ንቡርኪናፋሶ ኣብ ምምራሕ ይርከብ።
ስልጣን ሒዙ ዘሎ 34 ዝዕድመኡ ካፕተን ትራወረ መን’ዩ?
ተመሃራይ እንከሎ ኣመና ሓፋር ግን ከኣ ትኵር ዝነበረ ወዲ 34 ዓመት ካፕተን ትራወረ፡ መራሒ ሓንቲ ካብተን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቡርኪናፋሶ ኰይኑ’ሎ።
ንሱ፡ ብጻዩ ንዝነበረ ሌተና ኰሎነል ፓል ሄንሪ ዳሚባ፡ ነቲ ካብ 2015 ነታ ሃገር ዝደሃኸ እስላማዊ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ንምጭፍላቕ ዝኣትዎ መብጽዓ ከተግበር ኣይከኣለን ኢሉ ብምኽሳስ እዩ፡ ብ 30 መሰከረም ስልጣን መንዚዕዎ።
እቲ ብ 1988 ዝተወልደ ወዲ 34 ዓመት ካፕተን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነኣሰ መራሒ ሃገር ኰይኑ’ሎ። በዚ ነቶም ንኣሽቱ ዝዕድመኦም ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ክበሃሉ ዝጸንሑ፤ ኣብ 1981 ዝተወልደ መራሒ ጊኒ ኰሎነል ማማዲ ዶምቦያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1983 ዝተወልደ መራሒ ማሊ ኰሎነል ኣሲሚ ጐኢታ ተጸንቢርዎም ኣሎ።
ካፕተን ኢብራሂም፡ መራሕቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ “ካብቶም ኣብዚ ዘለኹም ኵላትኩምም ዝነኣስኩ ምዃነይ እፈልጥ እየ፣ እቲ ዝዀነ ዝደለናዮ ኣይነበረን ግን ከኣ ኣማራጺ ኣይነበረናን፡” ክብል ተዛሪቡ።
ተንተንቲ ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ሓጺር እዋን መሪሕነት ‘ቲ ካብ ስልጣኑ ዝተገለፈ ኰሎነል ዳሚባ፡ ኣብ ቡርኩናፋሶ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ጐነጽ እናሓያለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ምውላዕ ኲናት ዩክረይን ነተን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት መቐናቕንቲ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ምፍጣጥ ስለዝመለሰን፡ ጽልዋኡ ንቡርኪናፋሶን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተደናገረ ፖለቲካዊ ኵነታት ክነብራን ክሕመሳን ገይሩወን እዩ።
ሩስያ፡ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብተን ግዝኣታታ ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ባህላዊ ዝምድናኣ ኣጽኒዓ ዝጸንሐት ፈረንሳ ኣወጻጺኣ፡ ኣብተን ሃገራት ጽልዋኣ ከተሐይል ትደሊ'ላ።
ካፕተን ኢብራሂም፡ “ፈረንሳ፡ ብቐጥታ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ምትእትታው ከምዘይትገብር እፈልጥ እየ፡” ድሕሪ ምባሉ፡ “ኣሜሪካውያን ሕጂ መሻርኽትና እዮም ዘለው፣ እንተዀነ ሩስያ’ውን መሻርኽትና ክንገብራ ንኽእል ኢና፡” ኢሉ ነይሩ።
እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ፡ ኣብነት መዘናኡ መራሒ ማሊ ክኽተል ከም ዝደለየ ይእምት። መራሒ ማሊ፡ ኣንጻር ጂሃዳውያን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፡ ንሓይልታት ፈረንሳ በቲ ኣካራኻሪ ዝዀነ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር ይትክኦ ኣሎ ተባሂሉ እዩ ዝውቀስ።
እንተዀነ እዚ’ውን ዓወት ከም ዘየምጽኣሉን፡ እቲ ዝጸንሐ ህውከት ካብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ነሓሰ 2020 መሊሱ ከም ዝበኣሰ እዩ ዝንገር።
ንሱ፡ ኣብ 2018 ምስ ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ፡ ኣብታ ዘመናት ብዘቝጸረ ጥንታዊ ህንጻታት እትፍለጥ ሰሜናዊ ዞባ ቲምቡክቱ ወፊሩ፡ ብዕጡቓት ንዝተፈጸሙ “ኣዝዮም ኣሸገርቲ” መጥቃዕቲታት ንምብዳህ “ዝገርም ትብዓት” ከም ዘርኣየ እዩ ዝንገረሉ።
ኣብ ዝሰዓበ ዓመት፡ ኣብቲ ዕረፍቲ ዝተሳእኖ ምብራቓዊ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ፡ “ኦታፑኣኑ” ተባሂሉ ዝተጸውዐ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኸደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተሳቲፉ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ሳሕል ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ስርሒታት’ውን ተሳቲፉ እዩ።
“ኢብራሂም ምስ ብጾቱ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ፡ ውፉይን ተባዕን እዩ። ንስርሒታት ከይወጸ፡ ሽዱሽተ ወርሒ’ውን ስቕ ኢሉ ኮፍ ክብል ኣይክእልን እዩ፡” ክብል ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ፈላጢኡ፡ ንራድዮ ኦሜጋ ቡርኪናፋሶ ተዛሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እዚ ይዅን እምበር፡ ካፕተን ኢብራሂም ትራወረ፡ ምዕሩግ ጀነራል ውግእ ኣይኰነን፤ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ዝተማህረ፡ ብ 2009 ኣብ ሰራዊት ዝኣተወ፡ ኣብ ሞሮኮ ታዕሊም ከቢድ ብረት ዝወሰደ ታሕተዋይ ወተሃደራዊ መኮንን እዩ።
ንሱ ሞያ ውትህድርና ዝሓረየ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ከተማ ቡርኪናፋሶ ዝዀነት ቦቦ-ዲዮላስፖ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ ምዃኑ ይንገር።
ፈለጥቱ ከም ዝብልዎ ኣብ ትምህርቲ “ሓፋር ግን ከኣ በሊሕ” ስቱር ዓይነት ሰብን እዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ካፕተን ማእከል ኣህጉራዊ ቈላሕታ ዝዀነ መራሒ ሃገር ኰይኑ’ሎ። ብዙሓት ድማ ምስቲ ህቡብ ሰውራዊ ተቓላሲ ቡርኪናፋሶ ቶማስ ሳንካራ ከነጻጽርዎ ጀሚሮም ኣለው።
እዚ ኸኣ ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ሕጊ ተረጊጽዋ ፖለቲካዊ መድሕን ክመጽኣ ክተቋምት ዝጸንሐት ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሒ በሎኽ ኢሉ እንተመጽአ ዘገርም ኣይኰነን።
“ኢብራሂም ትራወረ፡ ኣቐዲሙ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብኻልእ ዕልዋ መሪሕነት እታ ሃገር መንዚዑ’ሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣመጻጽኣ ቶማስ ሳንካራ ዝመሳሰል እዩ። ክልቲኦም ብዕድመን ማዕርግን’ውን ይመሳሰሉ እዮም፣ ካፕተናትን ደቂ 34 ዓመትን እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







