እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ብጌጋ ሰጕጓቶ ንዝነበረት ሰብ መሊሳ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባቶ
ኣብ ወርሒ መጋቢት ብጌጋ ናብ ኤል ሳልቫዶር ዝተሰጎገ ወዲ 29 ዓመት ኪልማር ኣብሬጎ ጋርስያ፡ ብኽልተ ፌደራላዊ ገበናዊ ክስታት ክኽሰስ ናብ ኣመሪካ ተመሊሱ።
ንሱ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ውዲት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ ቴክሳስ ናብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ከምዝተሳተፈ ይኽሰስ።
ኤል ሳልቫዶር ኣመሪካ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምቕራባ ንሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ክትፈትሖ ከምዝተሰማምዐት ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፓም ቦንዲ ብዓርቢ ገሊጻ። ጠበቓኡ ነቲ ክሲ "ዕሽነት" ኢሉዎ።
ዋይት ሃውስ ምስ ልዕሊ 250 ካልኦት ዝተሰጎጉ ሰባት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኤል ሳልቫዶር ድሕሪ ምልኣኹ፡ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ትእዛዝ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ክቃወም ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ተነሲ ዝቐረበ ክልተ ገበናት ዝሓዘ ክሲ፡ ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ብሓደ ገበን ንወጻእተኛታት ንምጉዕዓዝ ውዲት ብምፍጻምን ካልኣይ ገበን ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰነዳት ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ብምጉዕዓዝን ተኸሲሱ።
ቦንዲ፡ ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ኣብ ቀለበት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወጻእተኛታት "ዓቢ ተራ" ከም ዝነበሮን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከም ዘእተወንን ረኺቡ'ዩ ኢሉ።
እቲ ካብ 2016 ዝጅምር ክስታት፡ ኣብ መንጎ ቴክሳስን ሜሪላንድን ካልኦት ግዝኣታትን ልዕሊ 100 ግዜ ሰነዳት ዘይብሎም ውልቀሰባት ከምዘጓዓዓዘ ይገልጽ።
እቲ ክሲ ብተወሳኺ፡ ገለ ኣባላት እታ ብኣመሪካ ከም ናይ ወጻኢ ግብረሽበራዊ ትካል ዝተበየነት - ኤምኤስ-13 ከምዘጓዓዓዘ ይገልጽ።
ምምሕዳር ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ኣባል ናይቲ ስግረ-ሃገራዊ ጕጅለ ሳልቫዶር ምዃኑ ክኸስስ እንከሎ እቲ ወዲ ነጺግዎ'ዩ።
ቦንዲ፡ ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ፡ ዋላ'ኳ ብዝኾነ ተዛማዲ ገበን እንተዘይተኸሰሰ፡ ነቲ ጉጅለ ዝኸውን ኣጽዋርን ዕጸፋርስን ናብ ኣሜሪካ ከምዘዘዋወረ'ውን ከሲሱ።
እቲ ብዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ዝተኸሰሰ ወዲ ትማሊ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ ን13 ሰነ ናይ ክሲ መስርሕ ፍርዲ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።
ኣብቲ ቀጻሊ ናይ ፍርዲ ቆጸራ፡ ዳኛ ኣመሪካ ባርባራ ሆልምስ ቅድሚ ፍርዱ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ዝሕግዝ ምኽንያት እንተሃልዩ ክውስን'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ክሳዕ ሽዑ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፌደራል ክፀንሕ እዩ።
ጠበቓታት ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣባልነት ጕጅለታት ሓዊሱ ብዝኾነ ገበናዊ ተግባራት ተፈሪዱ ከምዘይፈልጥ ይምጉቱ ነይሮም።
ሓደ ካብ ጠበቓታቱ ሳይሞን ሳንዶቫል ሞሸንበርግ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ክስታት "ዕሽነት" ከምኡ'ውን እቲ ፍጻመታት "ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም" ኢሉዎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ "ሕማቕ ሰብ" ድሕሪ ምባሉ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ንዕኡ ናብ መሬት ኣመሪካ ኣምሊሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ቅኑዕ ውሳነ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ካብ ኤል ሳልቫዶር ቆልዓ ኮይኑ እዩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ኣትዩ።
ኣብ 2019 ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ኣብ ሜሪላንድ ተታሒዙ ብፌደራላዊ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ተኣሲሩ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ፕረዚደንታት ንተወለድትን ዜጋታትን ሓንቲ 'ጸላኢት ሃገር' ክኣስሩ ወይ ክጥረዙ ዘፍቅድ ሕጊ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ብ15 መጋቢት ተሰጒጉ።
ሚስተር ኣብሬጎ ጋርስያ ናብቲ ብጭካነ ዝፍለጥን ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዝርከብን ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ።
ጠበቓታት መንግስቲ ፈለማ ብሰንኪ "ምምሕዳራዊ ጌጋ" ናብኡ ከምዝተወሰደ ክገልጹ እንከለዉ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ክምለስ ትእዛዝ ምሃብ ኣብዩ ከምዝጸንሐ ይንገር።