እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢቢሲ ካብ ትራምፕ ንዝቐረበሉ ጠለብ ካሕሳ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ይብል?
ቢቢሲ፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ብ06 ጥሪ 2021 ዝገበሮ መደረ ንሰነዳዊ ምድላው ፓናሮማ ቆሪፁ ዘላገበሉ መገዲ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቢቢሲ ካብ ሓላፍነቶም ክሳብ ምእላይ እንተበፅሑ'ኳ፡ እቲ ጉዳይ ዝፈጠሮ ወጥሪ ዛጊድ ኣይሃድአን።
ቢቢሲ፡ ከም ኮርፖሬሽን ንትራምፕ ብወግዒ ይቕረታ እንተሓተተ'ኳ፡ እቲ ፕረዚደንት ንዘቕረቦ ሕቶ ካሕሳ ግና ነፂግዎ ኣሎ።
መደረ ትራምፕ ተቖሪፁ ዝተላገበሉ መንገዲ "ፕረዝደንት ትራምፕ ናይ ዓመፅ (ናዕቢ) ስጉምቲ ክውሰድ ብቐጥታ ፀዊዑ ዝብል ግጉይ ግንዛበ" ከም ዝፈጠረ ዝኣመነ እቲ ኮርፖረሽን ፡ እቲ ናይ 2024 ሰነዳዊ ምድላው ዳግማይ ከምዝመርመሮ ገሊፁ።
ጠበቓታት ትራምፕ፡ ቢቢሲ ነቲ ግጉይ ሰነዳዊ ምድላው ፓናሮማ ኣዐርዩ፣ እቲ ፀብፃብ እንተዘይተኣልዩ፣ ንትራምፕ ይቕረታ እንተዘይሓቲቱን ካሕሳ እንተዘይኸፊሉን፡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ሓደ ቢልየን ዳላር ካሕሳ ክሓትት ምዃኑ ምጥንቃቘም ይዝከር።
ብሰንኪ እቲ ዝተሰርሐ ጌጋ፡ ዋና ዳይሬክተር ቢቢሲ- ቲም ዳቪን፡ ሓላፊት እዋናዊ ዛዕባታት- ዲቦራ ተርነስን፡ ብሰንበት ካብ ስርሖም ተኣልዮም እዮም።
ቢቢሲ ኒውስ፡ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ርኢቶ ንምርካብ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ጋዜጣ ዴይሊ ቴሌግራፍ፡ ብ2022 ኣብ ኒውስናይት ካልእ ቪድዮ (ምስቲ ናይ ፓናሮማ መደብ ተቖሪፁ ዝተላገበ ዝመሳሰል) ዘረባ ትራምፕ ኣብ ኣየር ከም ዝወዓለ፡ ምቅልዑ ስዒቡ'ዩ፡ ቢቢሲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ይቕረታ ሓቲቱ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ናይ መአረምታን መብርህን ክፍሉ ብሓሙስ ምሸት ከም ዝገለፆ፡ መደረ ትራምፕ ተቖሪፁ ዝተላገበሉ መንገዲ ነቐፌታት ምስ ቀረቡ ንሰነዳዊ ምድላው ፓናሮማ ገምጊሙ።
ቢቢሲ፡ "ኣብ እዋን ኣርትዖት፡ ንመደረ ትራምፕ ካብ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ቆሪፅና ዘላገብናሉ መንገዲ፡ ቀፃሊ ክፋል ናይቲ መደረ ከም ዝኾነ፡ ከምኡ'ውን ትራምፕ ናይ ዓመፅ ስጉምቲ ክውሰድ ብቐጥታ ከም ዝፀውዐ ዝመስል፡ ግጉይ ግንዛበ ከም ዝፈጠረ ንቕበል" ኢሉ።
ወሃቢቃል ቢቢሲ፡ ጠበቓታት ቢቢሲ፡ ነቲ ብሰንበት ዝተቐበልዎ ደብዳበ ምላሽ ንምሃብ፡ ንጉጅለ ጠበቓታት ትራምፕ ደብዳበ ከም ዝፀሓፉ ገሊፁ።
"ኣቦወንበር ቦርድ ቢቢሲ ሳሚር ሻህ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ናይቲ ፕረዝደንት መደረ ተቖሪፁ ዝተለገበሉ መንገዲ ይቕረታ ከም ዝሓትት ብምግላፅ፡ ንዋይት ሃውስ ደብዳበ ልኢኹ'ዩ" ኢሉ።
"ቢቢሲ እቲ ቪድዮ ዝተዋደደሉ መገዲ፡ ዝጠዓስ'ኳ እንተኾነ፡ 'ኮነ ኢልካ ሽም ንምፅላም ዝተገበረ እዩ' ዝብል ክሲ ግና ኣይንቕቨበሎን" ይብል።
ትራምፕ ብ06 ጥሪ 2021 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና፣ ነቶም ተባዓት ሰነተራትናን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣባላት ኮንግረስናን ኣጆኹም ክንብሎም ኢና" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣብቲ ዝተወሃሃደ ሰነዳዊ ፀብፃብ፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና. . . ምሳኹም ድማ ኣብኡ ክህሉ እየ። ንቃለስ ድማ፣ ሕሱም ንቃለስ" ክብል ተራእዩ።
እተን ካብ ክልተ ክፋላት መደረኡ ተቘሪፀን ዝተላገባ ኣንቀፃት፡ ኣብ መንጐአን ናይ ልዕሊ 50 ደቓይቕ ፍልልይ ነይሩወን።
እታ "ከም ሕሱም ንቃለስ፡" እትብል ዘረባ፡ ትራምፕ መረፃ አመርካ ክሳብ ክንደይ "ብልሹው" ምዃኑ ካብ ዝተዛረቦ ክፋል ዝተወስደት እያ። ኣብ ዘርብኡ ልዕሊ ዕስራ ግዘ `ቃልሲ` ወይ `ምቅላስ` ዝብሉ ቃላት ተጠቒሙ።
ትራምፕ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፀብፃብ "ብሕማቕ ዝተላገበን"፡ ንተመልከትቲ "ዘታለለን'ዩ" ክብል ከሲሱ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት'ዩ፡ ካብ ጠበቓታት ትራምፕ ደብዳበ ተቐቢሉ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ነቲ ሰነዳዊ ፀብፃብ መሊሱ ከዕሪ፡ እቲ ዝነበረ ክኣሊ፣ ይቕረታ ክሓትትን፡ ብሰንኩ ንዝበፅሐ ጉድኣት ንትራምፕ ካሕሳ ክኸፍልን፡ ብደብዳበ ጠላባት ቀሪቦምሉ።
እቲ ኮርፖረሽን ዓርቢ ሰዓት 22፡00 ምላሽ ንክህብ ድማ፡ እቶም ጠበቓታት ገደብ-ግዘ ኣቐሚጦም።
ቢቢሲ ንጉጅለ ጠበቓታት ትራምፕ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ ንምንታይ ብዓይኒ ሕጊ ከምዘይተጋገየ (ሓላፍነት ከም ዘይወስድ)፡ ሓሙሽተ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ፈላማይ፡ ቢቢሲ፡ ንሰነዳዊ ፀብፃብ ፓናሮማ፡ ኣብ ናይ አመርካ ቻናላቱ ናይ ምዝርጋሕ መሰል ከም ዘይብሉን፡ ነዚ ከም ዘይረገበረን ገሊፁ።
እቲ ሰነዳዊ ምድላው፡ ኣብ መተግበሪ 'ኣይፕሌየር' እንተተዘርገሐ'ውን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዘለዉ ተመልከትቲ ጥራሕ ዝተደረተ'ዩ ነይሩ።
እቲ ሰነዳዊ ፀብፃብ፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ጉድኣት ከም ዘየብፀሐ ብምግላፅ፡ ነዚ ድማ፡ እቲ ፕረዝደንት ንካልኣይ እዋን ከም ዝተመረፀ ከም ካልኣይ ምኽንያት ጠቒሱ።
ሳልሳይ፡ እቲ ቪድዮ ነዊሕ መደረ ንምሕፃር ጥራሕ ዓሊሙ ዝተቖረፀ'ምበር፡ ንምግጋይ ከም ዘይተቖረፀ ኣፍሊጡ።
ራብዓይ ድማ፡ እቲ ቪድዮ ክሊፕ (ተቖሪፁ ዝተለገበ መደረ ትራምፕ) ንበይኑ ክራኣይ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ። ካብ ናይ ሓደ ሰዓት መደብ ዝተቖንጨለ ናይ 12 ሰከንድ ቪድዮ ከም ዝኾነን፡ እቲ ሰነዳዊ ምድላው ንትራምፕ ዝድግፉ ብዙሓት ድምፅታት ከምዘካተተን ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብመሰረት ሕጊታት 'ፀለመ' አሜርካ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ጉዳያትን ፖለቲካዊ መደረታትን ንዝወሃብ ርኢቶ ፅኑዕ ከለላ (ሓለዋ) ከም ዝግበረሉ ገሊፁ።
ሓደ ፈላጢ ውሽጢ ቢቢሲ ከም ዝገለፆ፡ እቲ ኮርሬረሽን ኣቕሪብዎ ኣብ ዘሎ ጉዳይን መከላኸሊን፡ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ።
ሓድሽ ክሲ ግጉይ 'ኤዲት'
ቢቢሲ ሰነዳዊ ምድላው ፓናሮማ ኣብ ኣየር ቅድሚ ምውዓሉ፡ ነቲ ብ06 ጥሪ 2021 ትራምፕ ዝገበሮ መደረ ብግጉይ መንገዲ 'ኤዲት' ገይሩ ከም ዝዘርገሐ ዝገልፅ ካልእ ክሲ ብሓሙስ ቀሪብሉ ኣሎ።
ኣብ 2022 ዝተዳለወ መደብ ኒውስናይት፡ እቲ ናይ ትራምፕ መደረ 'ኤዲት' ዝተገበረሉ መንገዲ ካብቲ ናይ ፓናሮማ ሰነዳዊ ምድላው ቁርብ ፍልይ ዝበለ እዩ።
ትራምፕ፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና። ደፋራት ሴናተራትናን ናይ ኮንግረስ ኣባላትናን ክነተባብዕ ኢና። ክንቃለስ ኢና።ብጅግንነት ክንቃለስ ኢና። ብጅግንነት እንድሕር ዘይተቓሊስኹም ሃገር ኣይክህልወኩምን" ከም ዝበለ ተገይሩ ቀሪቡ።
ኣቕራቢት እቲ መደብ ኪርስቲ ዋርክ፡ ኣብ ካፒቶል ዝነበረ ናዕቢ ኣብ ዝረኣየሉ፡ተደሪባ፡ "እሞ ተቓሊሶም" (ከምቲ ትራምፕ ዝበሎ ማለታ'ዩ) ክትብል ይስማዕ።
ኣብቲ መደብ ብዛዕባ ዝቐረበ ቪድዮ መልሲ ዝሃበ ቅድሚ ሕዚ ሓላፊ ዋይትሃውስ ዝነበረን ነቓፋይ ትራምፕ ዝኾነን ሚክ ሙልቫኒ፡ ንናዕቢ ካፒቶል "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ" ኢሉ ድሕሪ ምግላፅ፡ንመደረ ትራምፕ "ቆራሪፁ ዝተለገበ"፡ ኣብ ሓደ እዋን ከምዝተዘርበ ኣምሲሉ ከምዝቐረበ፡ ገሊፁ።
" 'ብጅግንነት ክንቃለስ ኢና' ዝብል ዘረብኡ፡ ኣብ ድሕሪት'ዩ ዝርከብ፡ ቪድዮኹም ግና እዞም ክልተ ነገራት ብሓንሳብ ከም ዝተዛረቦ ገይሩ እዩ ኣቕሪቡ" ኢሉ።
ወሃቢቃል ቢቢሲ፡ ነቲ ብሓሙስ ብጋዜጣ ቴሌግራፍ ዝተዘርግሐ ፀብፃብ ይምርምሮ ከምዘሎ ተዛሪቡ።