እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዎት ዳይረክተራት ቢቢሲ፡ ሓላፍነቶም ክለቁ ዝደፍአ ጉዳይ ትራምፕ እንታይ'ዩ?
ዋና ዳይረክተር ቢቢሲ ቲም ዳቪ ከምኡ`ውን ሓላፊት ዜና ዲቦራ ተርነስ ካብ ስልጣኖም ከም ዝተኣልዩ ተፈሊጡ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰነዳዊ ፊልም ፓኖራማ፡ ዶናልድ ትራምፕ ሰባት ኣብ ካፒቶል ሂል ኣመሪካ ከጥቅዑ እናተላበወ ብዝመስል ኣርትዖት ተገይርሉ ብምቕራቡ ተቓውሞ ኣስዒብሉ ነይሩ።
ክልተኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ቢቢሲ ኣብ ዘለኣኹዎ ኢመይላት፡ ጌጋታት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም እዮም።
ቲም ዳቪን ዲቦራ ተርነስን መን እዮም?
ኣብ መስከረም 2020 ዋና ዳይረክተር ቢቢሲ ኰይኑ ዝተመዘዘ ቲም ዳቪ፡ ንዅሉ ዕማማት ናይቲ ኮርፖረሽን ኣብ መዳያት ኤዲቶርያል፡ ስርሒታትን ፈጠራውነትን ይመርሕ።
ቲም ዳቪን ቅድሚ ዋና ዳይረክተር ምዃኑ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቢቢሲ ስቱድዮ ኰይኑ ዝዓየየ እዩ።
ዳቪ ቅድሚ ናብ ቢቢሲ ምጽንባሩ፡ ኣብ ከም ብዓል `ፕሮክተር ኤንድ ጋምብልን ፔፕሲኮን` ዝኣመሰላ ትካላት ይሰርሕ ነይሩ።
ዲቦራ ተርነስ ካብ 2022 ጀሚራ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ቢቢሲ ኒውስ ኰይና፡ መደባት ዜናታት ቢቢሲን እዋናዊ ጉዳያትን ትከታተል ነይራ።
ኣብቲ ንሳ ትመርሖ ዝነበረት ክፍሊ ድማ ኣስታት 6,000 ሰራሕተኛታት ነይሮሙዋ።
እቶም መደባት ብልዕሊ 40 ቋንቋታት ዝፍነዉ ኰይኖም፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ሰባት ይከታተሉዎ።
ኣብ 2013 ፕረዚደንት NBC News ቅድሚ ምዃና፡ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ITN ነይራ።
ንምንታይ ስልጣኖም ክለቁ ተቐሲቦም?
እዞም ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ዝጸንሖም መዝነት ዝለቁ ዘለዉ፡ ኣብ ቢቢሲ መደብ `ፓናሮማ ዶክመንተሪ` ኣብ ቀቅድሚ ካልኣይ እብረ ምርጫ ኣመሪካ፡ "ትራምፕ፡ ካልኣይ ዕድል" ኣብ ዝብል ዝተፈነወ መደብ ብዙሕ ክርክር ድሕሪ ምልዓሉ እዩ።
ተርነስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ሰነዳዊ ፊልም ዘንቀሎ ብዛዕባ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ፡ ኣብቲ ኣነ ዝፈትዎ ትካል ቢቢሲ ጕድኣት ኣብ ዘውርደሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡" ኢላ።
"ከም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቢቢሲ ኒውስን እዋናዊ ጉዳያትን መጠን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሓላፍነት ዝወስዶ ኣነ እየ። ትማሊ ምሸት ድማ ስልጣነይ ክለቅቕ ንዋና ዳይረክተር ከፍልጦ ወሲነ።"
ብምቕጻል፡ "ጌጋታት እኳ እንተ ተፈጸሙ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ቢቢሲ ኒውስ ብደረጃ ትካል ወገናውነት ከም ዘለዎ ዝቐርብ ክስታት ግን ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ከነጽር እደሊ፡" ኢላ።
ዳቪ ኣብ መግለጺኡ ንዶክመንታሪ ፓኖራማ ኣይጠቐሰን፡ "እቲ እንኮ ምኽንያት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ልዕሊ ቢቢሲ ኒውስ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ ግን ንውሳነይ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበረ ርዱእ'ዩ፡" ኢሉ።
"ብሓፈሻ ቢቢሲ ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ። ይዅን`ምበር ጌጋታት ፈጺሙ እዩ። ከም ዋና ዳይረክተር ድማ ናይ መወዳእታ ሓላፍነት ክወስድ ኣለኒ።"
ሰነዳዊ ፊልም ትራምፕ ከመይ እዩ ነይሩ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ውሽጢ ቢቢሲ ኣብ ዝለሓዀ መዘክር ኣተኲራ ፍሉይ ጸብጻብ ኣውጺኣ።
እቲ መዘክር (ሓጺር መግለጺ ወይ መምርሒ)፡ ካብ ማይክል ፕረስኮት እያ ረኺባቶ።
ንሱ ብደገ ኰይኑ ንኮሚቴ ብቕዓት ምስንዳእ (ኤዲቶርያል) ቢቢሲ ዘማኽር ዝነበረ ሰብ እዩ። ካብ ሰነ ጀሚሩ ድማ ነቲ ዕማሙ ኣቋሪጹዎ።
እቲ ውሽጣዊ መዘክር፡ ኣብቲ ንሓደ ሰዓት ዝኸይድ ፓኖራማ ዶክመንታሪ፡ ንገለ ክፋል መደረ ትራምፕ ቈሪጹ ብምልጋብ፡ ነቲ ኣብ ጥሪ 2001 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተኻየደ ናዕቢ ትራምፕ ብግልጺ ዘተባብዖ መሲሉ ከም ዝቐረበ ይጠቅስ።
ትራምፕ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና፣ ነቶም ተባዓት ሰነተራትናን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣባላት ኮንግረስናን ኣጆኹም ክንብሎም ኢና፡" ኢሉ።
እንተዀነ ኣብቲ ኤዲት ዝዀነ ሰነዳዊ ፊልም፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና. . . ምሳኹም ድማ ኣብኡ ክህሉ እየ። ንቃለስ ድማ፣ ከም ሕሱም ንቃለስ፡" ክብል ተራእዩ።
እተን ካብ ክልተ ክፋላት መደረኡ ተቘሪጸን ዝተላገባ ኣብ መንጐአን ናይ ልዕሊ 50 ደቓይቕ ፍልልይ ነይሩወን።
እታ "ከም ሕሱም ንቃለስ፡" እትብል ዘረባ፡ ትራምፕ ምርጫ ኣመሪካ ክሳዕ ክንደይ "ብልሹው" ምዃኑ ካብ ዝተዛረቦ ክፋል ዝተወስደት እያ። ኣብ ዘርባኡ ልዕሊ ዕስራ ግዜ `ቃልሲ` ወይ `ምቅላስ` ዝብሉ ቃላት ተጠቒሙ።
ብመሰረት ጸብጻብ ተለግራፍ፡ እቲ መዘክር፡ ኣብ መደብ ፓናሮማ ዝተገብረ፡ "ኣብቲ መዓልቲ ንዝተኻየደ ፍጻመ ምዝባዕ" ተኸታተልቲ መደባት ቢቢሲ፡ "ንምንታይ ቢቢሲ ይእመን፣ እዚ መዓስ እዩ ደው ክብል?" ኢሎም ክሓቱ ምዃኖም ይግለጽ።
እዚ ጉዳይ ምስ ኣካየድቲ ስራሕ ምስ ተላዕለ፡ "ኣብ ልዕሊ መምርሒ ብቕዓት ወይ ደረጃታት [ቢቢሲ] ጥሕሰት ከም ዝተፈጸመ ክቕበሉዎ ኣይከኣሉን፡" ይብል።
ቢቢሲ ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣትሒዙ ንሓያሎ ካልኦት ጉዳያት ይምርምር ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብቲ መዘክር፡ ሚስተር ፕረስኮት ብቢቢሲ ዓረብኛ ኣንጻር እስራኤል ንዝቐርብ ኣድልዎ ንምግታእ፡ "ስርዓታዊ ጸገማት" ከም ዘሎ ጸብጺቡ።
እቲ ጸብጻብ፡ ሚስተር ፕረስኮት ብዛዕባ እቲ ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ልውጠ-ጾታ ዝህቦ ሸፈነ ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይሕብር።
ከምኡ`ውን ብሓሙስ፡ ኣቕራቢት መደብ ማርቲን ክሮክሳል ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ቢቢሲ ኒውስ ብቐጥታ ኣብ እተንብቦ ዝነበረት ንነፍሰጾራት ዝምልከት ጽሑፍ፡ ልዕሊ 20 ጥርዓናት ኣድልዎ ቀሪብሉ።
ቲም ዳቪ ንምንታይ ሕጂ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ?
ቲም ዳቪ ኣብ መሪሕነት ቢቢሲ ኣብ ዝጸንሓሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓያሎ ጸለመታትን ቅልውላዋትን ኣጓኒፉዎ እዩ። ብገለ መራኸቢ ብዙሓን ክሳዕ "ቲም ሸልሓጥሓጥ (Teflon Tim)" ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዎ - ምኽንያቱ ካብቲ ጠቐነታት ዝጠብቆ ስለ ዘይነበረ።
ኣብዚ ጉዳይ'ውን ኣብ ልዕሊኡ ክውጣሕ ፈቲኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሕ ነገራት ኣጓሃሂሩ እዩ። ስለዝዀነ፡ ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ጽባሕ ይቕረታ ክሓትት ትጽቢት ይግበር።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ተሃዋሲ እዋን እዩ ንቢቢሲ ዝመጽኦ ዘሎ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ 2027 ንቢቢሲ ዝህቦ መሰል ህላወ (ሮያል ቻርተር) ክግምግሞ ኣብ ምድላው ይርከብ።
ዳቪ ኣብ መግለጺኡ፡ "ንምንታይ ኣብዚ እዋን`ዚ? ኢልኩም ክትሓቱ ኢኹም፡" ኢሉ።
ንሱ ብምልኣት ኣብ ቢቢሲ ከም ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ኮርፖረሽን ኣዝዩ ከም ዝግደስን ክዕወት ከም ዝብህግን ገሊጹ።
"ስለዝዀነ ድማ እየ ሓድሽ ዋና ዳይረክተር ክመጽእ፣ ከምኡ`ውን ንዝቕጽል ሮያል ቻርተር ብእወታ ዝጸሉ፡ ዝበለጸ ኵነታትን ቦታን ክፈጥር ዝደሊ። ንቕድሚት ኣብ እንስጕመሉ ዘለና እዋን፡ መጻኢ ምዕራፍ ቢቢሲ ኣብ ቅኑዕ፡ ልዙብን ርትዓውን ህዝባዊ ዘተ ክካየድ ተስፋ እገብር።"
ብምቕጻል፡ "እዚ ግዜ`ዚ ነቲ ዝመጽእ ሓድሽ ዋና ዳይረክተር ብዛዕባ ዝመጽእ ቻርተር ክቐርጽ ክሕግዝ የኽእሎ። ዕብየት ንምርግጋጽ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ከም ዘለና እኣምን፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ንተካኢ ቲም ዳቪ ብኸመይ ይመርጾ?
ነቲ ንተልእኾን ህዝባዊ ዕላማን ናይቲ ኮርፖረሽን ንዝመርሕ ዋና ዳይረክተር ናይ ምምዛዝ ስልጣን ዘለዎ ቦርድ ቢቢሲ እዩ።
ቦርድ ቢቢሲ ብኣቦ መንበር ሰሚር ሻህ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ንሱ ሓደ ካብ`ቶም 10 ፈጸምቲ ኣካላት ዘይኰኑ እዩ። ኣብቲ ቦርድ፡ ዋና ዳይረክተርን ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ይካተቱ።
ዳቪ ኣብ 2020 ክምዘዝ እንከሎ፡ መስርሕ ምርጫ ብኮሚተ ሕጹያት ቦርድ ቢቢሲ ይምራሕ ነይሩ።
ሽመት ዋና ዳይረክተር ብመሰረት ውዕል ቻርተር ቢቢሲ እዩ ዝካየድ።
እዚ ንዳቪ ክትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰብ፡ ኣብ መበል 103 ዓመት ታሪኽ ቢቢሲ መበል 18 ዋና ዳይረክተር ክኸውን እዩ።
ንዳቪ ክትክኡ ትጽቢት ዝግበረሎም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቢቢሲ ዝተሰናበተት ዋና ሓላፊት `ኮንተንት ኦፊሰር` ዝነበረት ሻርለት ሙር፣ ኣብ ብሪቲሽ ቲቪ ልዑል ተመኵሮ ዝነበሮ ጀይ ሃንት፣ ከምኡ`ውን ካብ 2013 ክሳዕ 2018 ሓላፊ ዜና ቢቢሲ ዝነበረ ጀምስ ሃርዲንግ ገለ ካብ ዝጥቀሱ እዮም።