እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ካብ ቢቢሲ ዝጠልቦ ዘሎ ካሕሳን ዘስመዖ ዘሎ ምፍርራሕን
ዶናልድ ትራምፕ፡ ከም ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ዘቕረቦ መደረ፡ ኣብ መደብ 'ፓኖራማ ዶክመንታሪ' ተቘራሪጹ ተላጊቡ ብዝብል ዝቐርብ ነቐፌታ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ቢቢሲ ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።
ጠበቓታቱ፡ ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ሰነዳዊ ፊልም "ምሉእን ፍትሓውን " እርማት ንኽገብር፡ 14 ሕዳር ገደብ-ግዜ ሂቦም ኣለዉ - እንተዘይኰይኑ ግን ብ1 ቢልዮን ዶላር (760 ሚልዮን ፓውንድ) ክሲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጦም።
እቲ ዝተቓለዐ ውሽጣዊ መዘክር ቢቢሲ፡ እቲ መደብ ንኽልተ ክፋላት ናይቲ ብ6 ጥሪ 2021 ዝሃቦ መደረ ብምልጋብ ንሰማዕቲ ከምዘደናገረን፡ ኣብ መረጻ ምስ ተሳዕረ፡ ደገፍቱ ንካፒቶል [ቤተመንግስቲ ኣመሪካ] ከጥቅዑ ብቕሉዕ ዝእውጅ ዘሎ የምስሎ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ እዋናዊ ዛዕባታት ቢቢሲ ዲቦራ ተርነስ፡ምስ ዋና ዳይረክተር ቲም ዳቪ ሓላፍነቶም ድሕሪ ምልቃቘም፡ እቲ ኮርፖሬሽን ከም ትካል ወገናዊ ከምዘይኰነ ተዛሪባ።
ኣቦ መንበር ኣባላት ቦርድ ቢቢሲ፡ ሰሚር ሻህ፡ ኣብቲ ሰነዳዊ ፊልም "ናይ ኣሰራርሓ ጌጋ" ከምዘሎን፡ እቲ ዝተኣረመ መደረ "ቀጥታዊ ጻውዒት ስጕምቲ" ዝብል ጦብላሕታ ከምዘስምዕን ብምቕባል - ቢቢሲ ድማ ይቕሬታ ክሓትት ከምዝደሊ ገሊጹ።
ኮሚተ መራኸቢ ብዙሓን ባህልን ስፖርትን ንዝፀሓፎ ደብዳበ ግን፡ እቲ ውሽጣዊ መዘክር፡ ቢቢሲ "ክቐብሮ ዝደለየ" ጉዳያት ከምዘቃልዐ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቢቢሲ ኣብቲ መዘክር ንዝተልዓሉ ስክፍታታት ንምፍታሕ ዝገበሮ ተበግሶ'ውን ከምዘየለ ነቒፉ።
ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ቢቢሲ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ትራምፕ፡ እቲ ኮርፖሬሽን ይቕሬታ ክሓትትን ነቲ ፕረዚደንት "ብግቡእ ክኽሕስን" ይጽውዕ።
ቢቢሲ ብዛዕባኡ፡ "ናይ ሓሶት፡ ጸለመ፡ ዘነኣእስ፡ ዘደናግርን ዘነዓዕብን" ፀብፃባት ከምዘመሓላለፈ ይኸስስ።
ጠበቓ ትራምፕ ኣሌሃንድሮ ብሪቶ፡ ንቢቢሲ ብመሰረት ሕጊ ፍሎሪዳ ብፀለመ ክኸስስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሻህ ናብ ኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ዝለሓዀ መዘክር፡[ኣብ ቴሌግራፍ] ካብ ዝሕተም ንደሓር፡ ልዕሊ 500 ጥርዓናት ቢቢሲ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።
እቲ ደኩመንታሪ ፊልም ትራምፕ [ኣብ መደብ ፓኖራማ]፡ ኣብ ጥሪን ግንቦትን ናይዚ ዓመት፡ ብኮሚተ ኣባላት ምክትታል ኢዲቶርያል ጉዳያት፡ ቢቢሲ ከም ኣካል ገምጋም እቲ ኮርፖሬሽን ሽፋን ንመረጻ ኣመሪካ፡ ብሰፊሑ ከምዝተዘተየሉ ገሊጹ።
ገለ ኣባላት እቲ ኮሚቴ፡ ሽዑ ብዛዕባ እዚ፡ ቅረታ ከምዘስምዑ ወሲኹ ገሊጹ።
ሻህ፡ "ዕላማ ቈሪፅካ ምልጋብ ናይታ ክሊፕ፡ መልእኽቲ ናይቲ መደረ ብግቡእ ንምትሕልላፍ ምዃኑ ካብ ቢቢሲ ኒውስ'ውን ሰሚዐ" ኢሉ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰማዕቲ መደብ ፓኖራማ፡ "ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ከመይ ከምዝተረድኡዎን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ባይታ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረን ብዝበለጸ ክርድኡ ንምኽኣል" ምዃኑ ኣረዲኡ።
ወሃቢ ቃል ሰር ኬር ስታርመር፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ቢቢሲ "ትካላዊ ወገናውነት" ኣለዎ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ።
ቍጽሪ 10፡ "ቢቢሲ ብልሽው/ጉበኛ" ዝብል ትራምፕ ንገለ ጋዜጠኛታቱ ንምጥቃዕ፡ ዝጥቀመሉ ቃል ድማ ነፂጉ።
መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባዴኖች፡ ኣብ ውሽጢ ቢቢሲ "ሱር ዝሰደደ ኣሰከፍቲ ሕቶታት" ከምዝነበሩ ብምግላጽ፡ እቲ ሰነዳዊ መደብ "ከቢድ ጸገም" ምዃኑ ገሊጹ።
መራሒ ሊበራል ዲሞክራትስ ሰር ኤድ ዳቪ፡ ትራምፕ "ንቢቢሲ ከጥፍእን ገንዘብና ክወስድን" ከምዝደሊ ብምግላጽ፡ መራሒ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ኒጀል ፋራጅ ድማ ምስኡ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ፋራጅ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዓርቢ ምስ ትራምፕ ከምዝተዘራረበ ብምግላጽ፡ "በቃ ንቀንዲ መሓዛኻ ብኸምዚ ዲኻ ትሕዞ?' ኢሉኒ" ኢሉ።
ማይክል ፕረስኮት፡ ቢቢሲ ዓረብኛ ንኲናት እስራኤልን ቓዛን ኣብ ዝሃቦ ሽፋን፡ ነቲ "ስርዓታዊ ጸገማት" ኢሉ ዝገለጾ ወገናውነት ንምፍታሕ ስጕምቲ ዘይምውሳዱ'ውን ስክፍታኡ ገሊጹ ነይሩ።
ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ንጉዳያት 'ትራንስ' [ለውጠ-ፆታ] ዝህቦ ሽፋን ስክፍታታት ኣልዒሉ።
ደብዳበ ሻህ፡ እዞም ጉዳያት ብኢዲቶርያል ኮሚተ ከምዝተዘተየሎምን፡ ብዛዕባ ቢቢሲ ዓረብኛን ፆታዊነትን ዝምልከቱ ስክፍታታት፡ ሓዊሱ ከም ዝተልዓሉን ኣመልኪቱ።
እቲ ኮሚቴ፡ "ቢቢሲ ጌጋ ዝሰርሓሎም ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ይቕበል" ኢሉ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ስጕምቲ ዲሲፕሊን፣ መአረምታ ምውጻእን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስጕምቲታት ከምዝወስድ ገሊጹ።
ሻህ፡ ምስ ኣሰናዳኢት 'ቸልቸር ቢቢሲ' ኬቲ ራዛል፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ትካል ጸገማት ንምፍታሕ ዝገበሮ መኣረምታ የለን ዝብል ብምንፃግ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቢቢሲ-ዓረብ ዘሎ ፀገም መአረምታ ከምዝተገብሮ ተዛሪቡ።
ብማይክል ፕረስኮት ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት፡ ብዕቱብ ይውሰዱ ከምዘለዉን፡ኣብ ክልቲኡ ስጕምቲ ይውሰድን ከምዘሎ፣ እንተዀነ 'ስርዓታዊ ወገናውነት' ንዝብል ክሲ ግን ነጺግዎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕከናት ዜና ሕጋዊ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ወይ ምፍርራሕ፡ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ።
ኣብ ሓምለ፡ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ፡ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ቅድሚ መረጻ 2024 ምስ ናይ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንትን ሕጽይቲ ዲሞክራትን ካማላ ሃሪስ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣደናጋሪ ኣርትዖት ከምዝተገበረሉ ዝኸሰሰ ትራምፕ፡ ብ16 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተፈላልዮም።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ሲኤንኤንን ረጂስተር ደስሞይንን እውን ካብ ትራምፕ ሕጋዊ ክስታት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ሰነዳዊ ፊልም ትራምፕ ከመይ እዩ ነይሩ?
ማይክል ፕረስኮት፡ ብደገ ኰይኑ ንኮሚቴ ብቕዓት ምስንዳእ (ኤዲቶርያል) ቢቢሲ ዘማኽር ዝነበረ ሰብ እዩ። ካብ ሰነ ጀሚሩ ድማ ነቲ ዕማሙ ኣቋሪጹዎ።
እቲ ውሽጣዊ መዘክር፡ ኣብቲ ንሓደ ሰዓት ዝኸይድ ፓኖራማ ዶክመንታሪ፡ ንገለ ክፋል መደረ ትራምፕ ቈሪጹ ብምልጋብ፡ ነቲ ኣብ ጥሪ 2001 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተኻየደ ናዕቢ ትራምፕ ብግልጺ ዘተባብዖ መሲሉ ከም ዝቐረበ ይጠቅስ።
ትራምፕ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና፣ ነቶም ተባዓት ሰነተራትናን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣባላት ኮንግረስናን ኣጆኹም ክንብሎም ኢና፡" ኢሉ።
እንተዀነ ኣብቲ ኤዲት ዝዀነ ሰነዳዊ ፊልም፡ "ናብ ካፒቶል ክንምርሽ ኢና. . . ምሳኹም ድማ ኣብኡ ክህሉ እየ። ንቃለስ ድማ፣ ከም ሕሱም ንቃለስ፡" ክብል ተራእዩ።
እተን ካብ ክልተ ክፋላት መደረኡ ተቘሪጸን ዝተላገባ ኣብ መንጐአን ናይ ልዕሊ 50 ደቓይቕ ፍልልይ ነይሩወን።
እታ "ከም ሕሱም ንቃለስ፡" እትብል ዘረባ፡ ትራምፕ ምርጫ ኣመሪካ ክሳዕ ክንደይ "ብልሹው" ምዃኑ ካብ ዝተዛረቦ ክፋል ዝተወስደት እያ። ኣብ ዘርባኡ ልዕሊ ዕስራ ግዜ `ቃልሲ` ወይ `ምቅላስ` ዝብሉ ቃላት ተጠቒሙ።
ብመሰረት ጸብጻብ ተለግራፍ፡ እቲ መዘክር፡ ኣብ መደብ ፓናሮማ ዝተገብረ፡ "ኣብቲ መዓልቲ ንዝተኻየደ ፍጻመ ምዝባዕ" ተኸታተልቲ መደባት ቢቢሲ፡ "ንምንታይ ቢቢሲ ይእመን፣ እዚ መዓስ እዩ ደው ክብል?" ኢሎም ክሓቱ ምዃኖም ይግለጽ።