እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብዘተ ሰላም ከብቅዕ ተኽእሎ ኣሎ’ዶ?
ኣመሪካ ወከልቲ ናይቶም ኣብ ግጭት ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ንትማሊ ረቡዕ ኣብ ጀነቫ ቈጸራ ኣብ ዝተትሓዘሉ ዝርርብ ሰላም ክራኸቡ ከተእምኖም ፈቲና ነይራ።
እቲ ኲናት ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኰይኑ ንልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት ዝጸለወ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረ ምዃኑ ይፍለጥ።
እንተዀነ እቲ ብኣድማዒ መንገዲ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ናብቲ ዘተ ልኡኽ ከምዘይሰድድ ገሊጹ ኣሎ።
ልኡኽ እንተዘይሰዲዱ እቲ ዝርርብ እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል?
መንቀሊ እቲ ኲናት ሓድሕድ እንታይ’ዩ?
ሓላፊ ዕጡቕ ሓይልታት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ 2021 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ሒዙ።
ብ“ሕመቲ” ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሓላፊ ሓይልታት ህጹፍ ደገፍ ካብ ዝበሃል ንኡስ ወተሃደራዊ ሰራዊት ሓገዝ ረኺቡ እዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ስልጣን ብኸመይ ከም ዝካፈሉ ከምኡ’ውን ብዛዕባ መጻኢ ተራን ምወላን ሓይልታት ህጹፍ ደገፍ ኣብ ዝምልከት ናብ ግጭት ኣትዮም። ኣብ ሚያዝያ 2023፡ እቲ ወጥሪ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ።
ሕጂ ሓይልታት ህጹፍ ደገፍ - ዳዕመ ሰሪዕ - ንመብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ መብዛሕትኡ ክፋል ናይታ ኣብ ምዕራብ ሱዳን እትርከብ ኣውራጃ ዳርፉር ከምኡ’ውን ንመብዛሕትኡ ዘራእቲ ሱዳን እተፍሪ ግዝኣት ኣልጀዚራ ተቘጻጺሩ ይርከብ።
ሰራዊት ሱዳን ድማ ንምብራቓውን ሰሜናውን ክፋላት ሱዳን ይቈጻጸር።
ኣብዚ እዋን’ዚ ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝዀነት ኣል-ፋሸርን ከባቢ ካርቱምን ንምቍጽጻር ብርቱዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።
መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ - ብኢማራት ዓረብን ብናይ ሩስያ ዕሱባትን ከም ዝድገፍ ይንገር።
ክልቲኦም ወገናት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ደገፍ ይግበረሎም ኣሎ። እዚ ድማ ቃልሲ ንኽቕጽሉ ይሕግዞም ከምዘሎ ይንገር።
ሰራዊት ሱዳን ብስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዝድገፍ ኰይኑ ኢራን ድማ ኣጽዋር ከተቕርበሉ ጸኒሓ’ያ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ሕጹጽ ደገፍ ክተተባብዕ እያ ጸኒሓ።
ቫግነር ዝበሃል ዝነበረ ሩስያዊ ጕጅለ ዕሱባት ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ርክብ ከምዝነበሮ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ግጭት ዝዀነ ኢድ ከምዘየእተው ግን ይሕብር።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን “ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው” ከምዘሎን 26 ሚልዮን ህዝቢ "ሕዱር ጥሜት" ከምዘጋጥሞምን ይገልጽ።
ዳርጋ 11 ሚልዮን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ልዕሊ 750 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍደገ ጥምየት ከምዝርከቡ እውን ይንገር።
ኣብቲ ግጭት 16,650 ዝግመቱ ሰባት ከምዝተቐትሉ እውን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ክልቲኦም ወገናት ብሰፊሕ ግፍዒታት ይኽሰሱ። እዚ ድማ ጃምላዊ ዓመጽ፡ ስቅያትን ሲቪላዊ ቅትለትን የጠቓልል።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኲናት ሓድሕድ ሱዳን “ዝተረሰዐ ቅልውላው” ብምባል፡ ዝያዳ ዝርግሐ ጥሜት ንምክልኻል እቲ እንኮ መንገዲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ብቕልጡፍ ምቍራጽ ተኹሲ ምግባር ምዃኑ ኣስሚሩ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን ስለምንታይ’ዩ ኣብቲ ዝርርብ ዘይሳተፍ?
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ፡ ንመራሕቲ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ሓደ መድረኽ ክራኸቡ ብምግባር ንኽዘራረቡ ዝገብሮ ጽዕሪ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ’ሎ።
ኣብቲ ንዕለት 14 ነሓሰ ኣብ ጀነቫ ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ካብ ቀንዲ ደጋፊት ሓይልታተ ህጹጽ ደገፍ ዝዀነት ኢማራት ዓረብን ንሰራዊት ሱዳን እትድግፍ ግብጽን ከምኡ’ውን ካብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝመጹ ተዓዘብቲ ክካተቱ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።
ይዅን’ምበር ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብቲ ዘተ ወከልቲ ከምዝልእኽ ክገልጽ እንከሎ ሰራዊት ሱዳን ግን ከምዘይልእኽ እዩ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን ከም መንግስቲ ሱዳን እንተዘይተጸዊዑ ኣብ ዝርርብ ክሳተፍ ከምዘይክእል'ዩ ኣፍሊጡ። ይዅን እምበር፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መንግስቲ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ይነጽግ።
እቲ ዝርርብ ሰላም እንታይ ፍረ ክህልዎ ይኽእል?
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጀነቫ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ብወገን ኣመሪካ "ቴክኒካዊ ዝርርብ" ከምዘካይድ እዩ ዝግለጽ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ፍሹል ፈተነታት ተኻይዱ እዩ። ካብ ግንቦት 2023 ጀሚሩ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ስዑዲያዊት ከተማ ጅዳ ንዝካየድ ዝርርብ ሰላም ከተሓባብራ ጸኒሐን።
ሽዑ ኣብቶም መድረኻት ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ተኸታታሊ ግዝያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ተሰማሚዖም’ኳ እንተነበሩ ተመሊሶም ግን ናብ ግጭት ኣትዮም።
ኣብ ሱዳን ንሰላም ዘሎ ትጽቢት ዝደብዘዘ’ኳ እንተዀነ፡ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ግን ምኽኑይ ከምዘይኰነ ብዙሓት ይዛረቡ።