እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስጢር ቅትለት ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ንምፍላጥ ዝቐረበ ምስሊ 'ሆሎግራም'
'ሆሎግራም' (ረቂቕ ዲጂታላዊ ምስሊ) ናይ ሓንቲ መንእሰይ ፋይቶት ንርእሰከተማ ኣምስተርዳም ዘባህርር ትርኢት ኮይኑ ኣሎ።
እዛ ሓጺር ጥቡቕ ስረ ዝወደየት፡ ዕሮርዋይ መትሓዝ-ጡብ (ብራ) ዝገበረትን፡ ከብዳን ኣፍልባን ውቃጦ ዝመልኦን፡ ብስሪ-ዲ (3D) ዝተፈጥረት ምስሊ ኣተኩሮ ንምስሓብ ብመስኮት ቅልቅል ትብል።
ንቕድሚት ድፍእ ብምባል፡ ኣብቲ ናይ መስኮት ቬትሮ ብእስትንፋሳ "ሓጉዙኒ" ('help') ዝብል ቃል ትጽሕፍ።
እቲ ሆሎግራም ነታ ኣብ 2009፡ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምሕራሳ፡ ዝተቐትለት ጓል 19 ዓመት ሃንጋርያዊት በርናዴት "ቤቲ" ዛቦ ዝውክል'ዩ።
እቲ ብካራ ዝተፈጸመ ጨካን ቅትለት ናይታ መንእሰይ ንልዕሊ 15 ዓመታት ፖሊስ ሆላንድ (ነዘርላንድስ) ክፈትሕዎ ዘይክኣሉ ምስጢር ኮይኑ ይርከብ። ስለዚ ድማ'ዮም፡ መርመርቲ ቅትለታት ሰላሕታን ቃጻን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ነዚ ምዕቡል ተክኖሎጂ ክጥቀሙ ተገዲዶም ዘለዉ።
ምስሊ ናይታ ግዳይ ካብ ድሕሪ መስኮት'ዩ ናብቲ ብተመሳሳሊ ሓደገኛ ስራሕ ፋይቶትነት መነባብሮአን ዝመርሓ ኣማኢት ደቂኣንስትዮ ዝርከባሉ ቦታ ዝንጸባረቕ።
መርመርቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ሰባት ብህይወቶም ደው ከም ዝበሉ ዓይነት ገይሩ ዘርኢ ሆሎግራም፡ ዝኽርታት ኣበራቢሩ ንዘይተፈትሑ ምስጢራት ቅትለት ንምቕላዕ ዝሕግዝ'ዩ።
ቀታሊ ቤቲ ክሳብ ሎሚ ካብ ፍትሒ ሃዲሙ ተኸዊሉ ይነብር ኣሎ፡ መርማሪት ቅትለታት ሰላሕታ ዝኾነት ኣን ድረየር-ሂምስከርክ ግን ነዚ ንምቕያር'ያ ቆሪጻ ተላዒላ ዘላ። "ንእሽቶ ጓልኣንስተይቲ፡ ካብ 19 ዓመት ዘይትዓቢ፡ ብኸምዚ ዓይነት ዘሰቅቐ ኣገባብ ህይወታ ክትስእን" ከምዘሕዝናን ቀተልታ ንምርካብ ዝክኣል ክግበር ከምዘለዎን ትዛረብ።
እታ መርማሪት ከምእትብሎ፡ ዛንታ ህይወት መንእሰይ ቤቲ ጸበባን ተጻዋርነትን ዝነበሮ'ዩ።
ጓል 18 ዓመት እንከላ'ያ ናብ ኣምስተርዳም ግዒዛ፡ ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐትጠኒሳ።
ነፍሰ-ጾር እናሃለወት'ውን ስራሕ ኣየቋረጸትን። ድሕሪ ሕርሳ ኸኣ ዕሸል ወዳ ኣብ ገዛ ገዲፋ ቀልጢፋ ናብ ስራሓ ተመሊሳ።
ብ19 ለካቲት 2009፡ ክልተ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ፋይቶነት ዝተዋፈራ ብጾታ፡ ዓማዊለን ድሕሪ ምፍናወን ድሃያ ክገብራ ፈቲነን። ምኽንያቱ እቲ ልሙድ ካብ ክፍላ ዝሰምዐኦ ዝነበራ ሙዚቃ ተቋሪጹ ብምንባሩ ስክፍታ ኣሕዲረን።
ናብታ ብፕላስቲክ ዝተሸፈነ ዓራት፡ መሕጸቢ ገጽን ንእሽቶ ጣውላን ጥራይ ዘለዋ ጸባብ ክፍሊ ምስኣተዋ ግን ሬሳኣ እየን ረኺበን።
ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ሕርሳ'ያ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብኻራ ተቐቲላ።
ናብ መዕበይቲ ዝተዋህበ ውላዳ ከይፈለጣ'ያ ሓሊፋ፡ ነዚ ድማ'ዮም መርመርቲ ቀታሊኣ ንምርካብ ድቃስ ስኢኖም ዘለዉ።
ፖሊስ፡ ዋላ'ኳ መርመራ ቅትለት ኣካይዱ እንተነበረ፡ ኣሰር ቀታሊ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን።
ካብ ካሜራታት ሲሲቲቪን መሰኻኽር ዓይኒን ሓበሬታ ክእክቡ ፈቲኖም ነይሮም፡ ግና ተስፋ ዝህብ ኣመት ኣይተረኽበን።
ናብቲ 'ቀይሕ ዞባ' (Red District) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ከባቢ ተወስ ዝብሉ ሰባት መብዛሕትኦም ወጻእተኛታት በጻሕቲ'ዮም። ፖሊስ ከኣ ቀታሊ ቤቲ ወጻእተኛ ምዃኑ'ዮም ዝጥርጥሩ።
ብኸምኡ ድማ'ዮም፡ ናብ ኣምስተርዳም ዝምለሱ ወጻእተኛታት ዝኽሮም ብምሕዳስ ሓበሬታ ክህብዎም ነቲ ሆሎግራም ኣብኡ ገይሮሞ ዘለዉ። ብዛዕባ'ቲ ቀታሊ ሓበሬታ ንዝሃበ'ውን 30 ሽሕ ዩሮ ጉንዖ ክህቡ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።
ውቅብቲ ኣምስተርዳም ነቲ ጸገም ፈጢሩላ ዘሎ "ቀይሕ ዞባ" ካብ ከተማ ወጻኢ ናብ ዝህነጽ ካልእ 'ዞባ ቅለት' ንምግዓዝ'ያ ትህቅን ዘላ።
ቅትለት ናይታ መንእሰይ፡ ዋላ'ኳ እቲ ዞባ ኣብ ማእከል ውሕስቲ እትብሃል ከተማ እንተሃለወ፡ ሰራሕ ፋይቶነት ሓደገኛ ምዃኑ'ዩ ዘቃልዕ።
ናብ ካልእ ስቱር ቦታ እንተግዒዙ ድማ፡ ኩነታተን ዝኸፍአ ከምዝኸውን'የን እተን ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ዝተዋፈራ ደቂኣንስትዮ ስግኣተን ዝገልጻ።
ኣብ ብዙሕ ሰብ ዝርከበሉ ቦታ ከምዚ ዝበለ ገበን ምፍጻሙን ፈጻሚኡ ብዘይ ኣሰር ምስዋሩን ንመርመርቲ ኣደንጽዩ ዘሎ ጉዳይ'ዩ።
ክሳብ ስንክሳር ቅትለታ መዓልቦ ዝርከብ ግን 'ህያው' ምስሊ መንእሰይ ቤቲ ኣብቲ ታሪኻዊ ዞባ ኣምስተርዳም ደገፍ በጻሕትን ሓለፍቲ መንገዲን ንምርካብ ምምሕጻን ዝቕጽል'ዩ ዝመስል።