እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንህፃን ሄቨን ዓወት ዝዝክር መደብ ምብራህ ሽምዓ ብፖሊስ ተቛሪጹ
ብጭካነ ተዓሚጻ ዝተቐትለት ጓል 7 ዓመት ህጻን ሄቨን ዓወት ንምዝካር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ኢሊሊ ክካየድ ተወዲቡ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ምብራህ ሽምዓን ጋዜጣዊ መግለጺን ብፖሊስ ተቛሪጹ።
መስራቲትንን ፕረዚደንትን ‘ሴታ ሴት ፓወር’ ዝተባህለ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝሰርሕ ምንቅስቓስ ጉጅለ ከምኡ’ውን ምክትል ፕረዚደንት ኪዳን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ዝኾነት ቤተልሄም ኣካለወርቅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ንሄቨን ዓወት ፍትሒ ዝጠልብ መደብ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ብፖሊስ ከምዝተቛረፀ ተዛሪባ።
ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ [17 ነሓሰ 2016 ኣ.ግ] ካብ ሰዓት ሸሞንተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሆቴል ኢሊሊ ነታ ግዳይ ንምዝካርን ፍትሒ ንምሕታትን ዝተጸውዐ ስነ-ስርዓት ምብራህ ሽምዓ፡ ኣስታት 57 ሰባት ተረኺቦም ከምዝነበሩ ቤተልሔም ትገልጽ።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ተቛረፀ፡ ብጋዜጠኛታትን ተሳተፍትን ዝተቐድሑ ቪድዮታት ድማ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሎም ብዝነበሩ ፖሊስ ከም ዝተደምሰሱ ከምኡ’ውን ቴለፎናትን ካልእ መሳርሕታት ከም ዘሕደጉን ተዛሪባ።
ቤተልሄም፡ ኣዳለውቲ እቲ መደብ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተኣሲሮም ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ከምዝተሰደዱ’ውን ወሲኻ ሓቢራ።
እቲ ስነ-ስርዓት ምብራህ ሽምዓ፡ ብምትሕብባር ኪዳን ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፣ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፣ ማሕበር ምፅላልን ልምዓትን ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ጠበቓታት ኢትዮጵያ እዩ ተዳልዩ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ዝገበረ ቅትለትን ሰብኣዊ ግህሰትን ከብቅዕ፡ ነታ ግዳይ ዝዀነት ሄቨን ዓወት ድማ ፍትሒ ክርከብ ዝፅውዕ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዕጡቓት ፖሊስን ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ዝገለጹ ገለ ካብ ዕዱማት ብዙሕ ምግፋዕ ከምዝተፈጸመ'ውን ተዛሪቦም።
ቤተልሄም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ምብራህ ሽምዓን ጋዜጣዊ መግለጺን "ፍቓድ የብልኩምን" ብዝብል መመኽነይታ ከምዝተሰረዘ ካብ ኣዳለውቲ ከምዝሰምዐት ገሊጻ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ምቅላዕ ከም እትነጥፍ እትዛረብ ቤተልሄም፡ ፖሊስ ነቲ መደብ ዘቛርፅሉ ምኽንያት ነቲ ዕዱም ዝበሎ ነገር ከምዘየለ ተዛሪባ።
ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌደራል ፖሊስን ምኽንያት ምስራዝ እቲ መደብ ኣመልኪቱ መብርሂ ክረክብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ነታ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ተማሃሪት ዝነበረት ሄቨን ዓወት ዓሚፁ ብጭካነ ዝቐተለ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዝተውሃበ ፍርዲ፡ ኣብ መላእ ሃገር ቁጥዐን ውግዘትን ኣስዒቡ'ሎ።
እቲ ዓመጽን ቅትለትን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን መዘራረቢ ዛዕባ ዀይኑ ይርከብ።
ፈፃሚ እቲ ተግባር ይግባይ ምስ በለ፡ ኣዲኣ ነቲ ጉዳይ ናብ ማዕከናት ዜና ኣቕሪባቶ።
ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ወርሒ ጥቅምቲ ውሳነ ክወሃቦ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።
ኣብ ዙርያ ቅትለት እታ ህጻን ቁጥዐን ሓዘንን ዝተልዓለ ኮይኑ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝቐረበ ፃውዒት ድምፅኻ ምስማዕ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 200 ሽሕ ፌርማታት ተኣኻኺቡ ኣሎ።