ትግራይ፡ ብዛዕባ'ቲ ህዝቢ ዘቘጥዐ ቅትለት ክልተ ኣዋልድ ፖሊስ እንታይ ይብል?

ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ሞት ክልተ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ስንባደን ቍጠዐን ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ከተማ መቐለ ሓንቲ ሓበን የማነ ዝተባህለት መንእሰይ ኣብ ሓደ ሆቴል ብኣፍቃሪኣ ብኻራ ተወጊኣ ከምዝተቐትለት ፖሊስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ብኻልእ ወገን'ውን ኣብ ምብራቕ ትግራይ፡ ከባቢ ከተማ ዓዲግራት፡ ሓንቲ መንእሰይ ብሰንኪ ዝወረዳ ጾታዊ መጥቃዕቲ ርእሰቅትለት ፈጺማ ተባሂሉ።

በቲ ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ ገበን ዝጥርጠር ውልቀሰብ ይህደን ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ።

ስነስርዓት ቀብሪ ናይታ ኣብ ንእስነታ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐዝፈት ሓበን ከምዝተፈጸመ ተፈሊጡ።

ሳምራዊት ትበሃል መንእሰይ’ውን ኣብ ዞባ ምብራቕ፡ ኮኾብ ጽባሕ ኣብ ዝበሃል ዓዲ፡ ብሓደ መንእሰይ ድሕሪ ምዕማጻ፡ ብጓሂ ናብ ቀላይ ብምእታው ርእሰቅትለት ከምዝፈጸመት ፖሊስ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኣ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ዝርዝር ሓበሬታ ብምግዳፋ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ’ውን ፖሊስ ገሊጹ’ሎ።

መርመራ ሬሳ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ይግበር ከምዘሎን ፖሊስ ውጽኢቱ ይጽበዩ ከምዘለውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኮማንደር ምሉብርሃን ካሕሳይ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ'ውን፡ ሓንቲ መርዓት ኣብ ከተማ ውቕሮ ብምቕታላ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ'ዩ።

እታ ሊድያ ኣለም ዝተባህለት መርዓት ብሓድሽ በዓልቤታ ተሓኒቓ ከምዝተቐትለት ይግለጽ።

እቶም መርዓውቲ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ብዝርዝር ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ዛጊት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ግን መርዓዊ ብርሃነ ገብረጨርቆስ ቃል ኪዳን ምስ ኣሰሩ ኣብ ራብዓይ መዓልቶም ኣብ ሕጽኖት እንከለዉ ንሊድያ ለይቲ ሓኒቑ ከም ዝቐተላን፡ተጠርጣሪ ባዕሉ ኢዱ ንፖሊስ ከም ዝሃበን ምሕባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዓቢ ቅልውላው ኰይኑ ይርከብ።

ኣብ ዝሓልፈ እዋን ኲናት ብዙሕ ግፍዒ ዝረኣያ ደቂኣንስትዮ ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን እውን ሩፍታ ኣይረኸባን። ጭውያ፡ ዓመጽን ቅትለትን ዳርጋ መዓልታዊ ተርእዮ ኰይኑወን ኣሎ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣዋልድ ትግራይ ኣብ ከቢድ ራዕድን ስነ-ልቦናዊ ጸቕጥን ተሸሚመን ምህላወን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብን ካልእን ብዙሓት ይገልጻ ኣለዋ።

ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምህድኡ እታ ክልል ብገበናት ክትራንን ስርቅን ክትሕመስ ጸኒሓ'ያ።

ብሰንኪ ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምምቕቓል እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ጸጥታን ውሕስነት ህዝቢን ምውሓስ ኣይከኣለን ዘሎ።