ኰኾብ ሆሊውድ እድሪስ ኤልባ ናብርኡ ኣብ ኣፍሪቃ ክገብር ዝወሰነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኰኾብ እንግሊዛዊ ተዋሳኣይ እድሪስ ኤልባ ኣካል ናይቲ ንኢንዱስትሪ ፊልም ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ናብታ ኣህጉር ጠቕሊሉ ክግዕዝ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ ወዲ 52 ዓመት ኰኾብ ናይታ ውሩይቲ ተኸታታሊት ፊልም ‘ዘ ዋየር’ ኣብቶም ኣብ ደሴታት ታንዛንያ ዛንዚባር ከምኡ’ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ንምህናጽ ዝተወጠኑ ፕሮጀክትታት ስቱድዮ ፊልም ተሳትፎ ኣለዎ።
ካብ ጋናዊት ኣደን ሴራልዮናዊ ኣቦን ኣብ ለንደን ዝተወልደ ኤልባ ምስ ኣፍሪቃ ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ይግለጽ።
ኣፍሪቃውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ዛንታታት ክነግሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝኣምን እዚ ኰኾብ፡ ነቲ ዝዓቢ ዘሎ ስራሓት ፊልም ንምድጋፍ ኣብ ፊልም ዘለዎ ዓቕምን ዝናን ክጥቀመሉ ይደሊ።
"ኣብዚ ምንባር ብርግጽ ክሓስበሉ ኣለኒ። ምሕሳብ ጥራይ እውን ኣይኰነን፤ ክኸውን’ዩ" ክብል ኣብቲ ኣብ ኣክራ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢንዱስትሪ ሲነማ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ።
"ኣነ ከም ዝመስለኒ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ወይ 10 ዓመታት መሊአ ክመጽእ እየ። ኣብዚ ዘለኹ ንኢንዱስትሪ ፊልም ንምድልዳል እየ። ኣብ ደገ ኰይነ ነዚ ክገብር ኣይክእልን። ኣብ ውሽጢ ሃገር፤ ኣብ ውሽጢ እዛ ኣህጉር ክኸውን ኣለኒ" ኢሉ።
ግን ከኣ ምስ መንፈስ ፓን ኣፍሪቃውነት ብምትሕሓዝ “ኣብዚ ቦታ እየ ክነብር” ኢሉ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ንኽነብር ቃል ኣይኣተወን።
"ኣብ ኣክራ ክነብር'የ፤ ኣብ ፍሪታውን [ርእሰ ከተማ ሴራሊዮን] ክነብር'የ፤ ኣብ ዛንዚባር’ውን ክነብር'የ። ዛንታ ናብ ዝነግሩሉ ኵሉ ቦታ ክኸይድ ክፍትን እየ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ክብል ኣረዲኡ።
ሓደ ዕላማኡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ስቱድዮኡ ፊልም ምስራሕ እዩ።
‘ዛንታታትና ንወንኖም'
ኣብ 2013 ኣብታ ኣብ ታሪኽ ህይወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ መራሒ ጸረ ኣፓርታይድ ኔልሰን ማንዴላ ተመስሪታ ዝተሰርሐት ‘ሎንግ ዋክ ቱ ፍሪደም’ ዝብል ርእሲ ዘለዋ ፊልም ዝተዋስአ ኤልባ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ምሉእ መስርሕ ምፍራይ ፊልም መሪሕ ተራ ክህልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን።
ኣብ ቅድሚ ካሜራ፣ ብድሕሪ ካሜራ ከምኡ’ውን ኣብ ፋይናንስ፣ ምዝርጋሕ ፊልምታት፡ ዕዳጋን ናይ መወዳእታ ፍርያት ምርኣይን ክሳተፉ ከምዘለዎም ይምዕድ።
"እዚ ዓውዲ ኣብ ጋና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ልስሉስ ሓይሊ እዩ" ክብል ኣፍቃውያን ንኢንዳስትሪ ፊልም ቆላሕታ ክህቡ ሓቢሩ።
"ዝኾነ ምስ ኣፍሪቃ ዝዛመድ ፊልም ወይ ካልእ እንተርኢና ጭንቀት ጥራይ ኢኻ ትርእይ። ከመይ ባሮት ከም ዝነበርና፤ ከመይ ከም ዝተገዛእና፤ ኲናት ጥራይ ኢኻ ትዕዘብ። ናብ ኣፍሪቃ ምስ መጻእካን ግን ሓቂ ከምዘይኮነ ኢኻ ትፈልጥ” ይብል።
ኣስዒቡ "ስለዚ ዛንታታት ትውፊትና፣ ባህልና፣ ቋንቋታትና ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ቋንቋታትናን ካልእን ዘሎ ፍልልያት ክንውንኖም ብሓቂ ኣገዳሲ’ዩ። ዓለም ነዚ ኣይትፈልጦን እያ" ኢሉ።
ናይጀርያዊ ኢንዳስትሪ ፊልም ‘ኖሊዉድ’ ኣብ ዓመት ኣማኢት ፊልምታት ኣብ ዘፍሪሉ ዘሎ እዋን፡ ፊልምታት ሓደ ካብቶም ዕዉታት ሰደድ እታ ሃገር ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን።
ኤልባ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢንዱስትሪ ፊልም ኣፍሪቃ ንዘሎ ተውህቦ ኣፍልጦ ሂቡ እኳ እንተነበረ ነቲ ኢንዳስትሪ ዘድልዩ ትሕተ-ቅርጺ (መሳለጥያታት) ግን "ዝተሓተ" ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ዩኔስኮ ኣብ 2022 ዘውጽኦ ጸብጻብ ንሓሳብ እዚ ተዋሳኣይ ዝድግፍ ነይሩ።
ትካል ባህሊ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)፡ ዋላ'ኳ "ኣብ ምፍራይ ፊልም ርኡይ ዕብየት እንተሃለወ"፡ ከም ግህሰት መሰል ደራሲ፣ ትሑት ዕድላት ስልጠናን ሕጽረት ትካላት ፊልምን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ግን ከምዘዕንቅፍዎ እዩ ገሊጹ።
ኤልባ፡ ቅኑዕ ናህርን ተሳትፎን ድልዋት ዝኾኑ መንግስታት ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልም ጽቡቕ ኵነታት ንኽፍጠር ከምዝሕግዝ ይኣምን።
ኣብ ምዝንታው ዛንታ ኣፍሪቃውያን ወፍሪ (ኢንቨስት) ምግባር ከምዘድሊ ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







