ኣል ፓቺኖ ኣብ 84 ዓመቱ ኣቦ ምዃኑ ዝፈጠረሉ ፍሉይ ስምዒት

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ከዋኽብቲ ተዋሰኣይ ፊልም ኣል ፓቺኖ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሆቴል ቤቨርሊ ሂልስ ኮፍ ኢሉ ብሓደ ሓሳብ ተዋሒጡ ነይሩ።
ፓቺኖ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንህይወቱ ንድሕሪት ተመሊሱ ክጥምት ሓደ ነገር ዝደረኾ ይመስል።
ምኽንያቱ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኡ፡ ኮኾብ ፊልምታት ‘ዶግ ዳይ ኣፍተርኑን’፣ ‘ሂትን ዘ ኣይሪሽማንን’ ‘ሶኒ ቦይ’ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዛንታ ህይወቱ ንኣደኡ መዘከርታ ብዝሰመዮ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ኣሎ።
ንሱ፡ "ክፋል ታሪኽ ህይወቱ ኣብ ወረቐት ከስፍሮ ዝደለየሉ ምኽንያት"፡ ዝሓለፈ ዓመት ንራብዓይ ግዜ ኣቦ ድሕሪ ምዃኑ እዩ።
ወዱ ሕጂ ወዲ 16 ወርሒ ኰይኑ፡ ሮማን ኢሉ ሰምዩዎ ኣሎ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣርጋን ዝረኸቦ ውላዱ ብዛዕባ ታሪኽ ኣቦኡ ክፈልጥ ዕድል ክፈጥረሉ’ዩ።
“ደጊም ምእንታኡ እየ ክነብር ዝደሊ። ከምኡ ክኸውን ድማ ተስፋ እገብር” ክብል ይዛረብ።
“ጥዑይ ኰይነ ክነብር እምነ፡ ንሱ ድማ ኣቦኡ መን ምዃኑ ከፈልጥ እዩ።”
ሓዳር ዘይመስረተ ፓቺኖ፡ ርግጽ እዩ ምስ ኣደ ሮማን፡ ኣፍራዪ ፊልም ኑር ኣልፋላሕ ብሓባር ኣይኰኑን ዘለዉ።
እንተኾነ ናይ ሓባር ውላድ ኣፍርዮም ኣለዉ።
ካብቲ ዘረባኡ ምርዳእ ከምዝከኣል፡ መብዛሕትኡ መዓልታዊ ርክቡ ብመገዲ ‘ኦንላይን’ ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ።
“ሮማን በብእዋኑ መልእኽቲ ይልእከለይ እዩ” ይብል።
“ኵሉ ዝገብሮ ናይ ብሓቂ እዩ። ኵሉ ዝገብሮ ንዓይ መሳጢ እዩ። ስለዚ፡ ብግልጺ ኢና ንዘራረብ። ምስኡ እየ ሃርሞኒካ ዝጻወት፡ ከምዚ ዓይነት ጥቡቕ ርክብ ኣለና። ስለዚ፡ ብሓቂ ዘዘናግዕ’ዩ።”
ኣል ፓቺኖ፡ ዳግማይ ኣብ ስክሪን ብዘርኣዮ ብቕዓት ምርኢት፡ ልብን ኣእምሮን ሰባት ሰሪቑ ይርከብ።
ኣዕሩኽቱ ንኣል ፓቺኖ፡ ንምንታይ መጽሓፍ ከምዘድለዮ ክሓቱዎ ጸኒሖም’ዮም።
ንሱ ድማ፡ "ብገለ መልክዑ ከም ዝጣዓስ" ይኣምን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሓያሎ ዕድመታት ዘይተቐበለ’ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን “ኣብ ህይወተይ እኹል ዛንታ ኣለኒ፤ ምናልባት ንሓደ ኣንባቢ መሳጢ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ ወሲኑ።
ብፍላይ ዘሐጉስ ኰይኑ ዝረኸቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ኒውዮርክ’ስ ሳውዝ ብሮንክስ ዝዓበየሉ፡ ዕድመ ንእስነቱ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ምርኣይ ምኽኣሉ ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ዘ ጎድፋዘር'
ፍራንሲስ ፎርድ ኮፖላ ዝሰርሓ 'ዘ ጎድፋዘር' ንፓቺኖ ፍሉጥ ካብ እትገብሮ ልዕሊ 50 ዓመት ኰይኑ ኣሎ።
ተኸታታሊት ፊልም The Godfather Part II ኣብዚ ታሕሳስ መበል 50 ዓመት ክተኽብር እያ።
ክልቲአን ፊልምታት ኣብ ሽልማት ኦስካር ተሓጽየን ተዓዊተን እየን።
(ኣብ 1990 ዘ ጎድፋዘር ሳልሳይ ክፋል እውን ነይሩ፡ እንተዀነ ፓቺኖ "ጸገማት" ከም ዝነበሮ ይዛረብ)።
እቲ ሓቂ ግን ፓቺኖ ዳርጋ ምሰኦም ኣይነበረን።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነገራት ምናልባት እተፈልየ እዩ ነይሩ። ቃል ብቓሉ ዳርጋ ክኣብዮ ዘይክእል ዕድመ እዩ ቀሪብሉ።
እቲ ስቱድዮ፡ ንኮፖላ ነቲ ብቕዓቱ ዘመስከረ ፓቺኖ ክትክኦ ጸቕጢ ይገብር ነይሩ።
ኵሉ ነገር ምስ ምቕራጽ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ትርኢታት ዘ ጎድፋዘር ምተቐየረ ነይሩ።
ገጸ ባህርያቱ- ማይክል ኮርሊዮን፡ ኣብ ሽቓቕ ቤት መግቢ ተሓቢኡ ዝነበረ ሽጉጥ ተጠቒሙ ንሓደ ሓላፊ ዕስለታትን ንሓደ ዕቡይ ፖሊስን ይቐትል።
እዚ ተጓንፎ እዚ ፓቺኖ ኣብ ሓደ ምርኢት ሓይሉ ከርኢ ኣኽኢልዎ።
ሕጂ ‘ከም ዓርሞሸሽ’ ተገይሩ እዩ ዝቝጸር።
ኮፖላ ነቲ ትርኢት ናይቲ ፊልም ቀዪርዎ። “ምኽንያቱ እቲ ስቱድዮ ክርእዮ ዝደለየ ከምኡ’ዩ” ኢሉ ይኣምን።
"ሕጂ ከምዘይገበረ ኰይኑ እዩ ዝዛረብ ዘሎ" ይብል ፓቺኖ እናሰሓቐ።
ብዝዀነ መንገዲ እቲ ኣጋጣሚ ንህይወቱ ቀይርዎ እዩ።
ቀጺሉ ካብ ስርሑ እንተዝስጎግ ‘መን ምተክኦ?’ ዝብል መሳጢ ክልሰ-ሓሳብ የልዕል።
ቅሩብ ደው ኢሉ ሕስብ ምስ ኣበለ፡ “ቦብ ደ ኒሮ ናብ ኣእምሮይ ይመጽእ” ኢሉ።
ብርግጽ፡ ከምኡ ምዀነ ነቲ ዛንታ እቲ ፊልም ምቐየሮ ነይሩ።
ሮበርት ደ ኒሮ ኣብ ተኸታታሊ ፊልም ጎድፋዘር ኣብ ክንዲ እቲ መንእሰይ ቪቶ ማይክል ኰይኑ ክዓዪ ካልእ ምዀነ።
“እወ ብርግጽ። ንምንታይ ዘይከውን?" ፓቺኖ ፍሽኽ ይብል።
“ደሓን ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ዘይትካእ ሰብ ኣይኮንኩን።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጻኢ ዕድል ሆሊዉድ
ኣብ ምሉእ እቲ ቃለ መሕትት ሓደ ትዅረት ዝሰሓበ ነገር እንተሃልዩ፡ ፓቺኖ ክሳብ ሕጂ ነቲ ስክሪን ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈትዎ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት መሸጣ ትኬት ቦክስ ኦፊስ ብ40 ሚእታዊት'ኳ እንተነከየ፡ ሲነማታት ዘይብላ ሎስ ኣንጀለስ ክሓስባ ኣይክእልን እዩ።
“ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።”
“ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ዝብል ቃላት ደጊሙ ቅድሚ ምባሉ፡ ንሲነማ ውሑስ ክገብሮ’ዩ ኢሉ ዝኣመነሎም ዳይሬክተራት ይሓስብ።
“ስኮርዘስ ከምኡ’ዩ ዝገብር ዘሎ። ታራንቲኖ ከምኡ’ዩ ዝገብር ዘሎ። ፍራንሲስ ኮፖላ ይገብሮ ኣሎ።”
እዚ ዳሕረዋይ [ፍራንሲስ] ብፍላይ ክትጠቅሶ ዘለካ ተባዕ ምርጫ’ዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኮፖላ ባዕሉ ዝመወላ ፊልም ሜጋሎፖሊስ ከም ሓንቲ ካብተን ኣብ ቦክስ ኦፊስ ዝዓበየ ተቐባልነት ዝረኸባ ፊልምታት ትቝጸር።
ስለምንታይ ንሲነማ ኵሉ ጽቡቕ ክኸውን’ዩ ኢሉ ከም ዝኣምነሉ ግን፡ “ምናልባት ዕድመይ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነገራት ይቕጽሉ’ሞ ድሕሪኡ ይቕየሩ፡ ምኽንያቱ ንሕና ከምኡ ኢና።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መወዳእታ
እቲ ነቲ ቃለመሕትት ዝተመደበና 45 ደቓይቕ ዳርጋ ናብ 1 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ተናዊሑ።
ምኽንያቱ ዛንታ ምዝንታው ክሳብ ክንደይ ከም ዘሐጕሶ ንጹር እዩ።
ሓደ ፍሉይ ተዘክሮኡ ድማ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ዝእመነሉ ነዊሕ ጽውጽዋይ ዘጠቓለለ እዩ።
ኣብ 2011 ናይ ባንክ ሕሳቡ ባዶ ከምዝነበረ ምፍላጡ እውን ብዕምቆት ክዛረብ ከሎ ሕጕስ እዩ።
“ኣካውንተይ ባዶ ኰይኑ ጸኒሑኒ። ኣብ ወርሒ 400 000 ዶላር የውጽእ ስለ ዝነበርኩ፡ ከመይ ከምኡ ከምዝዀነ ኣይፈለጥኩን።
ፈዚዘ ተሪፈ።
ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ እንታይ ይርኢ ከምዘሎ ሕቶ ቀሪቡሉ።
ፓቺኖ ንኻልኣይ ዓመተ ፊልም Netflix’s Monster ምስ መነንደዝ ብራዘርስ ጠቒሱ።
ንግሆ ንጃቪየር ባርደም ‘እንቋዕ ሓጐሰካ’ ክብል ብኢዱ ደብዳበ ጽሒፉሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







