ፍሉጥ ኬንያዊ ደራስን ምሁርን ንጉጊ ዋ ትዮንጎ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, UCIrvine
ስሙይ ኣፍሪቃዊ ደራሲ ንጉጊ ዋ ትዮንጎ ኣብ መበል 87 ዓመቱ ዓሪፉ። ስድራኡ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ብ28 ግንቦት 2025 ኣብ ኣመሪካ ከም ዝዓረፈ ኣፍሊጦም።
ጓሉ ዋንጂኩ ዋ ንጉዪ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ጽሑፋ ነዚ ዜና ኣረጋጊጻቶ፣ ከምዚ ክትብል ድማ ጽሒፋ፤
"ሎሚ ረቡዕ ንግሆ 28 ግንቦት 2025፡ ኣቦና ንጉጊ ዋ ትዮንጎ ከም ዝዓረፈ ብሓዘን ነፍልጥ። ህይወቱ ብምልኣት ነቢሩዋን ሰናይ ቃልሲ ኣካዪዱን እዩ። ከምቲ ናይ መጠረሽታ ትምኒቱ ዝነበረ ድማ ንህይወቱን ዕዮኡን ንጽንብል።"
ጸሓፍን ምሁርን ወዱ ሙኮማ ዋ ንጉጊ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ "ኣቦይ ንጉጊ ዋ ትዮንጎ ሎሚ ኣቐዲሙ ከም ዝዓረፈ ክገልጽ ከለኹ ልበይ ብሓዘን ይመልእ። ኣነ ብብዙሕ መዳየይ ከም ኣቦይ ዝተማሃርኩን ጸሓፋይን እየ። ኣዝየ እየ ዘፍቅሮ፣ ንሱ ኣብ ዘየለወሉ ጽባሕ እንታይ ሒዙለይ ከም ዝመጽእ ርግጸኛ ኣይኰንኩን፡" ኢሉ።
ንጉጊ ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ኰይኑ፡ Weep Not፡ Child፡ The River Between፡ A Grain of Wheat፡ Petals of Blood፡ ከምኡ'ውንd Devil on the Cross ዝብላ ካብተን ፍሉጣት መጻሕፍቱ እየን።
ጽዋታት ንጉጊ ኣብ መግዛእቲ፡ መንነት፡ ዘይማዕርነትን ሓርነትን ዘተኰሩ እዮም። ሕብረተሰባት ብቛንቋኦም ክጽሕፉ ከም ዘለዎም ዝጕስጕስ ዝነበረ ኰይኑ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቛንቋኦም ዝጽሕፉ ምዃኖም የሐጕሶ ምንባሩ ድማ ይፍለጥ።
ብ1938 ኣብ ሊሙሩ ኬንዳ ዝተወልደ ንጉጊ፡ ኬንያ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዩ ዝተወልደ። ኬንያ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ድማ ብሰንኪ ዘስምዖ ዝነበረ ተቓውሞ ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ተኣሲሩ ነበረ። ጸኒሑ ድማ ካብ ኬንያ ወጺኡ ንብዙሕ ዓመታት ክነብር ተገደደ።
ኣብ ስነጽሑፋዊ ጕዕዞኡ ከም ነጥበ-መቐይሮ ዝርአ፡ ነቲ ህቡብነት ፈጢርሉ ዝነበረ እንግሊዝኛ ሓዲጉ፡ ብቛንቋ ኣደኡ ኪኩዩ ምጽሓፍ ምጅማሩ እዩ። እዚ ድማ ባህላውን ፖለቲካውን ምኽንያት ነይሩዎ - ንዕብለላ መግዛእታውያን ቋንቋታት ኣብ ኣፍሪቃ ንምብዳህን ኣገዳስነት መበቈላውያን ቋንቋታት ንምርኣይን ዝዓለመ እዩ።
ድሒሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ኢርቫይን ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ምሂሩ፣ ፕሮፌሰር እንግሊዝኛን ተዛማድነት ስነ-ጽሑፍን ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ሽልማት ኖቤል ስነጽሑፍ እኳ እንተ ዘይተቐበለ፡ ኣብዝሓ ግዜ ግና ከም ሓያል ሕጹይ ንስልማት እዩ ዝቝጸር ነይሩ። ጽሑፋቱ ክንዮ ኬንያ ብምኻድ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ዓለምን ንሓያሎ ጸሓፍቲ፡ መምህራንን ደለይቲ ፍትሒን ኣነቓቒሑ እዩ።
ናብ ትግርኛ ዝተተርጐሙ ስርሓት ንጉጊ

ምንጪ ስእሊ, librarycat
ኣብ ኤርትራ ኣብ ስነጽሑፋውያን ጕጅለታት ሓደ ካብቶም ዝተፈልጡ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ እዩ።
"Against All Odds" ዝተሰምየ ብዛዕባ ኣፍሪቃውያን ቋንቋታትን ስነጽሑፍን ዘተኰረ ዋዕላ ካብ 11 ክሳዕ 17 ጥሪ 2000 ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ ነይሩ።
ኣብዚ ብዙሓት ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ምሁራትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ንጉጊ ተሳቲፉን ብዛዕባ ፖሊሲ ቋንቋ ኣደ ኤርትራ ተመሲጡን ነይሩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ "I Will Marry When I want" እትብል ድራማኡ፡ "ምስ ተበርሃኒ እምርዖ" ብዝብል ብስሙይ ተመራማሪ ታሪኽን ደራስን ኣለምሰገድ ተስፋይ ተተርጒማ ብምስጉን ዘርኣይ ተኣልያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መድረኽ ቀሪባ ነይራ። እታ መጽሓፍ'ውን ናብ ሕትመት በቒዓ።
እዛ ድራማ ብ1977 ኣብ ኬንያ ናብ መድረኽ ምስ ቀረበት፡ ብሰንካ ናብ ማእሰርቲ ተደርብዩ እዩ። ኣብ 1982 ከኣ ሃገሩ ለቒቑ ክስደድ ምኽንያት ኰይና።
ንጽልዋ መግዛእቲ ኣብ ስነጽሑፍን ቋንቋን ኣፍሪቃ እትድህስስ፡ "Decolonizing the Mind" እውን ናብ ትግርኛ ካብ ዝተተጐማ ስርሓቱ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







