እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ 9 ወርሒ ዕድመ ከምዘይብሉ ተነጊርዎ 40 ዓመት ወሲኹ ዘሎ ሰብኣይ - ግን ብኸመይ?
"መድሃኒት ብዘይብሉ ቫይረስ ከምዝተለኸፍኩን እንተወሓደ ሰለስተ ወርሒ እንተነውሐ ድማ ትሽዓተ ወርሒ ከምዝነብር ተነጊሩኒ ነይሩ።"
ተጣባቒ ኤችኣይቪ ኤይድስ ጆናታን ብሌክ፡ ወዲ 33 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ብሪጣንያ ብኤችኣይቪ ካብ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ምናልባት'ውን ናይ መጀመርታ ሰብ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።
ጆናታን፡ "ኣብ ጥቅምቲ 1982 ኣብ ሆስፒታል ሚድልሰክስ ተረኺበ መርመራ ምስገበርኩ እቲ ቫይረስ ኣብ ደመይ ከምዘሎ ተሓቢሩኒ። ንኽትኣምኖ ኣጸጋሚ ህሞት ድማ ነበረ፡" ይብል።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ብኣጋኡ ስለዝተረጋገጸ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ሕሙም L1 ተባሂሉ ተሰይሙ፣ ታሪኹ ድማ ኣብታ ኣብ 2014 ዝተሰርሐት ፊልም ፕራይድ ተዘርጊሑ።
ንሱ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ መዓልታት ምርመራ ብምዝካር፡ ንቢቢሲ ለንደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኵሉ ኣካላተይ ሓቢጡ'ዩ ዝነበረ፡" ኢሉ።
ኣብ ሆስፒታል መርመራታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ንኽልተ መዓልታት ናብ ካልእ ብሕትው ክፍሊ ተወሲዱ።
ሕጂ ወዲ 76 ዓመት ዝዀነ ጆናታን፡ "ግዜኡ ምስ ኣኸለ መሕወዪ ክንክን" ከም ዝወሃቦ ብሓካይም ከም ዝተነግሮ ብምግላጽ፡ "ወዲ 33 ዓመት እየ፡ ብዛዕባ መሕወዪ ክንክን ክሰምዕ ይደሊ ድየ ኰይነ? ዝብል ሕቶ ሓቲቱ ከምዝነበረ ድማ ይዝክር።
ወሲኹ ድማ፡ "ምስዚ ቫይረስ እየ ጸኒሐ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ክነብር ጥራይ እየ ዝጽዕር። ህይወት ክህልወኒ'ዩ ኢለ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን ዝነበርኩ፡" ይብል።
'ዝተረሰዐ ለበዳ'
ኤችኣይቪ ኣብ ስርዓተ ምክልኻልና ንዘለዉ ዋህዮታት ዝጐድእን መዓልታዊ ረኽስን ሕማማትን ናይ ምክልኻል ዓቕምኻ ዘዳኽምን ቫይረስ እዩ።
ኤይድስ ማለት ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ረኽስታትን ሕማማትን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ብቫይረስ ኤችኣይቪ ኣመና ምስተሃሰየ ዘጋጥም እዩ።
ኤይድስ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ክመሓላለፍ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ቫይረስ ኤችኣይቪ ግን ክመሓላለፍ ይኽእል።
ትካል ግብረ ሰናይ ቴረንስ ሂጊንስ ትራስት ኣብ 1999 ኣብ መላእ ዓለም 33 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ይነብሩ ከምዝነበሩ ክሕብር እንከሎ፡ ጸብጻብ ጥዕና ዓለም ድማ ኤይድስ ኣብ መላእ ዓለም ራብዓይ ዝዓበየ ቀታሊ ምዃኑ ዘርዚሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ናሽናል ኤይድስ ትራስት፡ 2023 ዝለዓለ ዓመት ናይ ኤችኣይቪ ክንክን ዝረኽቡ ሰባት ኰይና፡ ኣስታት 107 ሽሕ ተሓኪሞም - እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብ27 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
ጆናታን፡ "ኤችኣይቪ ዝተረሰዐ ለበዳ'ዩ። ብዛዕባኡ ፈጺሙ ክዝረብ ኣይትሰምዕን ኢኻ፤ እንተዀነ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ'ዩ" ኢሉ። እቲ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ ምስ ተነጽሎ ከምዝተኣሳሰር'ዩ ዝገልጽ።
ወሲኹ ድማ፡ "ኣነ ውጽኢታዊ መድሃኒት እየ ዝጥቀም ነይረ። ኣነ እቲ መድሃኒት ስለዝረኸብኩ ኣዝየ ዕድለኛ እየ፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር ኵነታትካ ምፍላጥ፡ ተቢዕካ መርመራ ምግባር'ዩ" ኢሉ።
"እቲ ዝቕጽል ዘሎ ምዕባለታት ፍሉይ'ዩ - ዋላ'ኳ መድሃኒት እንተዘይሃለወ" ክብል ዘስዓበ ጆናታን፡ "ኣነ ህያው መርትዖ እየ" ብምባል ኣገዳስነት ተመርሚርካ መድሃኒት ምውሳድ ይጠቅስ።
ጆናታን ብረቡዕ ኣብቲ ለበዳ ኤችኣይቪ ኤይድስ ለንደን ኣብ 2030 ናብ ዜሮ ምብጻሕ ብዝብል ጭርሖ ዝተጋብአ ዋዕላ ተረኺቡ ነይሩ።
ኣብ 2018 ከንቲባ ለንደን፡ ባይቶታት ለንደን፡ ህዝባዊ ጥዕና እንግሊዝን ኤንኤችኤስ ኢንግላንድን፡ ክሳብ 2030 ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ባዶ፣ ምስ ኤችኣይቪ ዝተኣሳሰር ተነጽሎ ባዶ፣ ምስ ኤችኣይቪ ዝተኣሳሰር ሞት'ውን ብተመሳሳሊ ናብ ባዶ ንምውራድ ተፈራሪሞም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ'ዩ።
እቲ ብኮሚተ ጥዕና ባይቶ ለንደን ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣተሓሳስባታት ኤችኣይቪ ምዕባለታት እኳ እንተተራእየ፡ ምስ ኤችኣይቪ ዝተኣሳሰር ተነጽሎታት ግን ከምዝቐጸለ ኣረጋጊጹ።
ለንደን ካብ ካልእ ክፋል ዓባይ ብሪጣንያ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዘለዋ ከተማ እያ።
እንተዀነ ባይቶ ለንደን፡ እታ ከተማ ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ንምውጋድ ብዓለም ደረጃ ትመርሕ ከምዘላ ብምግላጽ፡ ብመደባት ምክልኻልን ሕክምናን ኤችኣይቪ ከም መሪሕ ኣህጉራዊ ኣብነት ከምዝተራእየትን ገሊጹ።
"ኣካል ናይዚ ማሕበረሰብ ኤችኣይቪ ብምዃነይ ኣዝየ እየ ዝሕበን" ዝበለ ጆናታን፡ "ብዙሓት ኣዕሩኽ ስኢነ - ገሊኦም ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ገሊኦም ግን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሕጂ'ውን ጐዳኢ'ዩ" ኢሉ።