እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተመርጸ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ቀዳም ኣስመራ ኣትዩ።
ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መፋርቕ 2018 ጀሚረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ብምምሕያሽ ክሳብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ምብቅዐን ይፍለጥ።
ኣምባሳደራት ክለዋወጣ ምዃነን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ብዝፈረምዎ ዝምምዕ ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር።
ፕረዚደንት ሓሰን ሼክ ማሕሙድ፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣብ ኤረትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ምግላጹ ይዝከር።
ቅድሚኡ ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብወገኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ዝተዋጽኡ 5,000 ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ።
ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ከም ዝተሳተፉ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ እኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ሶማልያ ክነጽጎ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ቱርኪ በጺሑ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ዑደት ከካይድ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።