ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብውሑድ 183 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ

ዕጡቓት ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ብዝጀመረ ጎንጺ ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ልዕሊ 180 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፡፡

ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ 23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ወሲኹ ዝበለ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይን ኦሮምያን ኩነታት 'ሰብኣዊ መሰላት እናንቆልቆሉ' ምምፅኡ ዘሻቕል እዩ ኢሉ፡፡

ቅድሚ ሰሙናት ተጀሚሩ ኣብ ዝተጋደደ ጎንጺ ክልል ኣምሓራ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ብውሑድ 183 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እቲ ትካል ዝኣከቦ መረዳእታ ብምጥቃስ ገሊጹ፡፡

በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ንሰሙናት ዝቐፀለ ጎንጺ ህይወት ሰላማውያን ምጥፍኡ፣ ጉድኣት ኣካል ምብጽሑን ንብረት ምዕናዉን ክግለፅ ፀኒሑ እዩ፡፡

መንግስቲ ነቲ ጎንጺ ንምቁጽጻር ብቀንዲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከም ኣድላይነቱ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተፈጻሚ ዝኸውን ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ዝዝከር እዩ፡፡

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ህጹጽ እዋን ሰብ መዚ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ከእትዉ፣ ሰዓት እቶ እቶ ክእውጁን ናይ ምእካብ መሰል ክጥሕሱን ስልጣን ከምዝህቦም ገሊጹ፡፡

በቲ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ብምጥቃስ፡ መብዛሕተኦም እሱራት ደገፍቲ ፋኖ እዮም ዝተባህሉ መንእሰያት ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ እዮም ኢሉ፡፡

ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሰፊሕ ናይ ገዛ ንገዛ ፍተሸ ክካየድ ምጽንሑ፣ ነቲ ጉዳይ ዝጽብጽቡ ዝነበሩ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ምእታዎምን እሱራት መሰረታዊ መገልገሊታት ኣብ ዘይብሉ ከምዝተኣሰሩን እቲ መግለጺ ኣብሪሁ፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰብመዚ እታ ሃገር ጃምላዊ ማእሰርቲ ደው ከብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተነበሩ ገደባት ብቤት ፍርዲ ክረኣዩን ካብ ሕጊ ወጻእ ዝተኣሰሩ ክፍትሑን እቲ ትካል ጸዊዑ፡፡

ብተወሳኺ መንግስቲ ኣተሓሕዛ እሱራት ዓለም ለኻዊ ደንብን ደረጃን ዘማለአ ምዃኑ ከረጋግጽ፣ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ተሓለቕቲ መሰላት እቶም እሱራት ዝርከቡሉ ኩነታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክርእዩ ፍቓድ ክወሃቦም ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ፡፡

ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ቅትለትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ደው ከብሉን ፍልልዮም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሑን ተማሕጺኑ፡፡

ብተመሳሳሊ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ሕቶ ይግበአኒ ኣብ ዘልዕልሉን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ዝርከብን ምዕራብ ትግራይ እውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጋሩ ተኣሲሮም ምንባሮም እቲ ኮምሽን ገሊጹ፡፡

በቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ፖሊስ ኣምሓራ፣ ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ሚልሻታትን ዝሳተፉሉ ወፍሪ ካብ 250 ዘይንእሱ ተጋሩ ተኣሲሮም ምንባሮም ሰሚዐ ኢሉ፡፡

እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ዝነበሩ ተጋሩ፡ መንእሰያት ወልቃይት ኣብ ትሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ዘለዉ ከባቢታት እናወሰድዎም እንተለዉ ኣብ ኢድ ሰራዊት ምክልኻል ምእታዎም እውን እቲ ኮምሽን ኣረዲኡ፡፡

ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊት ምክልኻል ነቶም ተጋሩ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክምለሱ ወይ ኣብ ትሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ዘለዉ ከባቢታት ክኸዱ ኣማራጺ ከምዘቕረበሎም ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ትካል ካብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮምያ እውን ዘሻቕል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን መጥቃዕቲታትን፣ ዘይሻራዊ ኣካል ብብቕዓትን ብፍጥነት ክምርመሩ ከምኡ ድማ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሉ፡፡