ኣምሓራ፡ ኣብ ደብረታቦር ሰባት ከም ዝሞቱን ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ዕንወት ከም ዝበጽሐን ተገሊጹ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ታቦር

ምንጪ ስእሊ, DEBRE TABOR COMMUNICATION

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ታቦር፡ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ጐንፂ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ንድሕነቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ነበርቲ እታ ከተማ፡ እቲ ግጭት ካብ ቀዳም 20 ነሐሴ 2015 ዓ. ም ግእዝ፡ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንመዓልታት ከም ዝቐጸለን፡ ብውሕዱ 10 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደብረታቦር ዝሰርሕ ሓኪም፡ ብሰንኪ’ቲ ምርግጋእ ኣብቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበፅሐ ብዝሒ ሞት ክግምት ከም ዘይከኣለ'ኳ እንተገለፀ፣ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተጎድኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ጎንደር ዝዀነት ደብረታቦር፡ "ክንደይ ሰብ ከም ዝተጎድአን ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱን ቁጽሪ ንምቕማጥ ኣጸጋሚ'ዩ" ይብል እቲ ስሙ ከይግለፅ ዝሓተተ ሓኪም።

"ሓራስ ክሓትት ዝመጸ ሰብ ኣብቲ ሆስፒታል ተሃሪሙ። መጥባሕቲ ተገይሩሉ። እቶም ዋርድያታት ድማ ቀሊል መጉዳእቲ በጺሕዎም" ክብል እቲ ሓኪም ወሲኹ ገሊጹ።

ብተወሳኺ "ኣብ ኣፍደገ እቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማት ሒዞም ዝመፅኡ ሓሙሽተ ሰባት ቆሲሎም። ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 27 መናእሰይ’ውን ቆሲሎም"።

ብተወሳኺ እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ብሰንኪ እቲ ግጭት ሕክምና ከም ዘይረኸቡ ገሊፆም።

“ክሳብ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ኣይተኣተዉን። ሕጂ እቲ ውግእ ካብ ከተማ ወጻኢ ስለዝኾነ፡ ናብ ሆስፒታል ኣቲና ሓገዝ ክንገብር ጀሚርና ኣለና" ክብል እቲ ዶክተር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዶክተር ወሲኹ፡ ብሰንኪ ኣብ ሆስፒታል ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ኣገልግሎት ሕክምና ከም ዝተኣጓጎለን፡ ክኢላታት ስርሖም ክፍጽሙ ከም ዘይከኣሉን ሓቢሩ።

"መስትያት ክፍልታት ሆስፒታል ተሰቢሩ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክንጥቀም ኣይንኽእልን ኢና። እተን ናይ ሕክምና ማሽናት ዝርከባሉ ቦታ ተሃስዩ፡ መሳርሒታት መጥባሕቲ ድማ ቁሩብ ተበላሽዩ" ይብል እቲ ሓኪም።

“ኣብ ገለ ክፍልታት፡ ዓራታት ተሰይሩ። ናብቲ ሆስፒታል ቀጥታ ይትኰስ ስለ ዝነበረ፡ ዝተጎድኡ ሰባት ይኹን ካልኦት ሕሙማት ክሕከሙ ኣይከኣሉን። መጥባሕቲ ዝገብር ሰብ'ውን የለን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

“ብቐዳም፡ ሰራዊት ምክልኻል ከቢድ ኣጽዋር ይጥቀም ስለ ዝነበረ ኣብ ገዛውትን ሆስፒታላትን ዓሊቡ። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ 10 ሰባት ሞይቶም ክልተ ሰባት ድማ ቆሲሎም" ይብል ሓደ ነባሪ።

“መከላኸልን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን እውን ሞይቶም። ሰኑይ 22 ነሓሰ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓት እቲ ጎንፂ ደው ኢሉ እቲ ሬሳ ይለዓል ኣሎ። ሕጂ ጎንፂ የለን፡ ቶኽሲ ኣይስማዕን እዩ። ኣባላት ምክልኻል ግን ገዛ ንዛ እናኸደ ይፍትሹ ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተፈጠረ ግጭት ካብ እዚ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ዞባን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይተዓወተን።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓትን ሃዲኡ ግጭት ደጊስዎ ከም ዘሎ ሓበሬታት የመልክቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ንሰሙናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ህይወት ንጹሃት ሰባት ከም ዝጠፍአ፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበፅሐን፡ ንብረት ከም ዝዓነወን ይግለጽ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተነብረ ህፁፅ ኣዋጅ ንምትግባር ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት፡ ብዕለት ብዕለት 21 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ግን፡ "እቲ ክልል ካብቲ ዝነበሮ ፀገም ፀጥታ ይገላገል ኣሎ" ከምኡ'ውን "ናብ ምሉእ ሰላም ንምምላስ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ውጽኢታዊ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ፡ "ኣብቲ ክልል ዝተረኽበ ሰላምን ድሕነትን ዘላቒ ንምግባር፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀንዲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ሓዊሱ ንሰሙናት ዝፀንሐ ጎንፂ ከም ዝሃድአ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎንፂ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ደብረ ታቦር ግጭት ከም ዝነበረ ምንጭታት ቢቢሲ እውን ገሊጾም።

ክልላዊ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 19 ነሓሰ፡ ነቲ ዝነበረ ኣልዒሉ፡ ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ምሻሙ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ዝተፈጠረ ግጭት እናገደደ ኸይዱ፡ መንግስቲ ፌዴራል ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

ኣብቲ ግጭት፡ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሓለፈ፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ከም ዝተቐትሉ፣ ንብረት ከም ዝዓነወን ከም ዝተዘመተን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል መሓውር መንግስቲ ከም ዝፈረሰን ተገሊፁ እዩ።