እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ኮንዶም ብፖስጣ ዝመጽአን ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፍርሒ ኣትየን
ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ካብ 65 ደቂ ኣንስትዮ ብፖስጣ ኣብ ጥቅሚ ዝውዓለ ኮንዶም ከም ዝተለኣኸለን ዝገልጽ ጥርዓን ምስ መጽኦ፡ እቲ ኮንዶም ብኸመይን ብመንን ከም ዝተለኣኸ መርመራ የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ፖስጣ ኣትዩ ዝተለኣኸ ኣብ ጥቅሚ ዝውዓለ ኮንዶም፡ ምስኡ ብኢድ ዝተጸሓፈ ኣጸያፊ ነገራት ከም ዘለዎን ኩሉ ናብ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ከተማ ሜልበርን ናብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተላኣኸ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እተን ብፖስጣ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ኮንዶም ዝተላኣኸለን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሓባር ሮቋሒ ዘለወንን ብዕላማ ንምጥቕዓን ዝዓለመ ከም ዝነበረን ፖሊስ ሓቢሩ።
ኩለን እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 1999 ኣብ ሜልበርን ኣብ ዝርከብ ኪብረድ ዝብሃል ኮሌጅ ደቂ ኣንስትዮ ዝተመሃራ ከም ዝዀና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ መጀመርታ ብፖስጣ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ኮንዶም ተላኢኹለይ ዝብል ጥርዓን ናብ ፖሊስ ከም ዝቐረብን እቲ ቁጽሪ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ከም ዝመጽእን እቲ ናይ መወዳእታ ተመሳሳሊ ጥርዓን ከኣ ብሰኑይ ከም ዝመጽኦ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሜልበርን እትሕተም ሄራልድ ሳን ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ እተን ደቂ ኣንሰትዮ ኣድራሽኣን ካብቲ ኣብ 1999 ዝምሃራሉ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ ዝተረኸበ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግላጸን ሓቢራ።
ሓንቲ ካብተን ብፖስጣ ኣብ ጥቕሚ ዘውዓለ ኮንዶም ዝመጽአን ብሪ ዎከር ዝተባህለት ምስ ጋዜጣ ሄራልድ ሳን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ እቲ ደብዳብ ምስ መጽኣ “ከይደቀስኹ’የ ሓዲረ” ድሕሪ ምባል እቲ ደብዳበ ኣዝዩ ጸዩፍን ዘፍርሕን ብኢድ ዝተጸሓፈ መልእኽቲ ከም ዝነበሮ ገሊጻ።
ብሪ ዎከር ንጽባሓይቱ ንመሓዙታን ጎረባብታን ተመሳሳሊ መልእኽቲ በጺሕዎም እንተዀይኑ ከም ዝሓተተት’ውን ኣብታ ጋዜጣ ሰፊሩ ኣሎ።
ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ መብዛሕትኣን ካብተን ናብ ፖሊስ ዝጠርዓ እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ኮንዶምን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ብተደጋጋሚ ብፖስጣ ከም ዝመጽእን ምግላጸን ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ ልኣኺ ወይ ልኣኽቲ እቲ መልእኽቲ ንምፍላጥ መርመራ የካይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ ዝዀነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንፖሊስ ክሕብር ተማሕጺኑ ኣሎ።
ፖሊስ ንውጽኢት መርመርኡ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣማስይኡ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።
እዘን ደቂ ኣንሰትዮ ዝተመሃራሉ ኮሌጅ ኪብረድ ብካቶሊካዊት ቤተክረስትያን ዝውነን ኰይኑ ኣብ 1904 ዝተመስረተ እዩ፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ክሳብ 900 ዝዀና ተማሃሮ ኣለውኦ።