ከንሳሕብ ዝጠፍአ ወተሃደር፡ ድሕሪ 72 ዓመታት ኣዕጽምቱ ተረኺቡ

ኣብ ግዜ ኵናት ኮርያ ተቐቲሉ ጠፊኡ ዝተበሃለ ወተሃደር ኣሜሪካ፡ ድሕሪ 72 ዓመታት ኣዕጽምቱ ከምዝተረኸበ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ወዲ 27 ዓመት ዝነበረ ወተሃደር ኣሜሪካ፡ ቶሚ ቲ ሃንክስ ኣብ 1950ን [ኣ.ኣ] ኣብ ሰሜን ኮርያ ፍሉይ ቦታ ኣንጁ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባቢ ንምዝላቕ እናፈተነ እንከሎ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።

ምስሞተ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣስከሬኑ ዘይርከብ ተባሂሉ ተወሲኑ ነይሩ። ኣብ ኵናት ሰሜን ኮርያ ካብ ዝተቐተሉ እቶም 7600ን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃንክስ፡ 26 ጥቅምቲ ኣብ ጥቓ ኣንጂ ካብ እትርከብ ሩባ ቾንግችኦን ብኣንፈት ምብራቕ ከዘልቕ ክብል ከምዝተሰወረ ገሊጹ።

“ኣስከሬኑ ኣብ ርእሲ ዘይምርካቡ፡ ምሩኽ ወተሃደር ኰይኑ ከምዝነበረ ዘመላኽት ነገር ድማ የለን” ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኵናት ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣዕጽምቲ ዝሓዙ 55 ሰናዱቕ ድሕሪ ምርካባ ግን፡ መንነት ሃንክስ ክረጋገጽ ክኢሉ።

እዚ ክሰምር ዝኸኣለ ኣብ 2018 [ኣ.ኣ] ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታዩ’ዩ ነይሩ።

ተመራመርቲ ዓጽሚ ሃንክስ ንምፍላይ ካብ ትንታነታት ኣንትሮፖሎጅያዊ ኢስቶፕን ብተወሳኺ ወድዓዊ መረዳእታታት ከምዝተጠቐሙ ተፈሊጡ።

ኣስከሬን እቲ ወተሃደር ኣርሊንግተን ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ከምዝዓርፍ ተሓቢሩ።

ካብ 1982 [ኣ.ኣ] ጀሚሩ ኣብ ኵናት ኮርያ ናይ ዝሞቱ ልዕሊ 450 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣዕጽምቶም ተፈልዩ ናብ ስድራኦም ተዋሂቡ ምሉእ ወተሃደራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተገይርሎም እዩ።

እዚ ቁጽሪ፡ እቲ ኵናት ደው ድሕሪ ምባሉ ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ካብ ዝመለሰቶ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣስከሬን ወተሃደራት መንነቶም ካብ ዝተፈለጠ ክልተ ሽሕ ኣሜሪካውያን ብተወሳኺ’ዩ።

ብኣማኢት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ድማ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣብ ዝብል መዝገብ ኣለዉ።

ኵናት ኮርያ ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝበልዐ እዩ ነይሩ። ኣሜሪካ ኣብዚ ኵናት ኣስታት 36 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝሞትዋ ይፍለጥ።