‘ክፍኣት ሩስያ ክእመን ኣይክእልን’ - ዘለንስኪ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ "ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ እትፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ጠጠው ንምባል፡ ዓለም ክትሓብር ኣለዋ" ብምባል፡ "ክፍኣት [ሩስያ] ክእመን ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተጋብአ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኒዩክሌር ዝተዐዓጥቀት ሩስያ፡ “ዓለም ናብ ናይ መወዳእታ ኲናት ካብ ምድፋእ ደው ክትብል ኣለዋ" ክብል ተዛሪቡ።

ሩስያ ካብ መግቢ ክሳብ ጸዓት ንኹሉ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ኣላ ክብል’ውን ከሲሱ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ሙሉእ ወራር ሰፊሕ ውግዘት ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።

ኣብቲ ብበዝሒ ሩስያ ንዓለም እተስዕቦ ሓደጋ ዘተኮረ መደረ ዘለንስኪ፡ ካልኦት ከም ክሊማዊ ለውጢ ዝኣመሰሉ ሓባራዊ ብድሆታት ብግቡእ ክምከቱ ዝኽእሉ ሞስኮ ንድሕሪት ምስ ተደፍአት ጥራይ እዩ ክብል ተማጒቱ።

ወሲኹ፡ “ሩስያ ንዓለም ናብ ናይ መወዳእታ ኲናት ክትደፍኣ እንከላ፡ ዩክረይን ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዓለም ዝዀነ ሰብ ንዝዀነት ሃገር ከጥቅዕ ንከይደፍር ዝክኣላ ኩሉ ትገብር ኣላ። ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምሓዝ መሰል የብላን” ኢሉ።

“[ነገራት] ከም ኣጽዋር ምጥቃም ክግታእ ኣለዎ፤ ገበናት ኲናት ክቕጽዑ ኣለዎም፤ ዝተሰጎጉ ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም፤ እቲ ጐባጢ ድማ ናብ መሬቱ ክምለስ ኣለዎ። እዚ ንክኸውን ክኣ ክንሓብር ኣለና፤ ክንገብሮ ድማ ኢና!”።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሞስኮ ዩክሬናውያን ህጻናት ብምጭዋይ “ጨፍጫፍ ዓሌት ትፍጽም ኣላ" ክብል ከሲሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ሞስኮ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዩክረናውያን ህጻናት ብኣስገዳድ ናብ ሩስያ ሰጒጓ ብዝብል ክሲ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከም ዝወጽኣሉ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ሞስኮ ንክሲ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ።

ብርክት ዝበሉ ኣህጉራውያን ክኢላታትን ትካላትን ግን ሩስያ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸመት ዝሕብር መርትዖታት እናዓበየ ይመጽእ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ነቲ ኲናት - ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ ኲናት - ብዘይፍትሓዊ ውዕላት ጠጠው ንምባል ፈተነ ከይግበር ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ ዋሽንግተን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጉህሃር ከሲሱ።

ሃገሩ ንሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ ዘቕረበት ኰይና ከም ቀንዲ መሓዛ ሞስኮ ትርአ።

“ኣሜሪካ ንሃገራት ኤውሮጳ ንምድኻም ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ኣጐሃሂራቶ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እዚ ናይ ነዊሕ እዋን ውጥን'ዩ” ክብል ኣብቲ ጉባኤ ተዛሪቡ።