'ስምረት'፡ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ውድብ ስነ ሓሳቡ ቀይሩ ድዩ?

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኑይ ግንቦት 18 [ኣ.ግ] ንዴሞክርስያዊ ስምረት ትግራይ [ስምረት] ዝተብሃለ ሓድሽ ውድብ ፖለቲካ ግዝያዊ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ 'ስምረት' ብዝብል ሓጺር ሽም ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝተጸምበረ ሰልፊ፡ ናብቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ብዘቕረቦ ሕቶ ዝተመዝገበ ዀይኑ፡ ካብ ትግራይ 100 ሰባትን ልዕሊኡን ፌርማ ከምዘተኣኻኸበ ተሓቢሩ።

እቲ ሰልፊ ብነባራት መራሕቲ ህወሓት ዝተመስረተ ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ትግራይ ሊበራል ዴሞክርስያዊ ፓርቲ ብዝብል ሽም ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ ይመጽኡ ከምዘለዉ ተገሊጹ ከምዝነበረ ዝዝከር'ዩ።

ቢቢሲ ስለምንታይ ሽም ፖለቲካዊ ውዳበኦም ካብ 'ሊበራል ዲሞክራስያዊ ውድብ ትግራይ' ናብ ስምረት ከምዝቐየሩ ንሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ውድብ ዝኾነ ኣቶ በየነ መክሩ ሓቲቱ "ሊበራል ዴሞክራሲ እንኽተሎ ስነ ሓሳብና'ዩ፤ ሽምና ስምረት ዝበልናሉ ምኽንያት ድማ ብሄራውያን ከምዝኾንና'ውን ንምግላጽ ዕላማ ዝገበረ'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ሓድሽ ሰልፊ ካብ ፕረዚደንት-ነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ሓላፊ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ነበር ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ሓዊሱ ብሰንኪ ናይ ህወሓት ምክፍፋል ካብቲ ውድብ ዝወጽኡ ብዙሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ከምዝርከብዎ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ስምረት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ማኒፌስታኡ ኣዳልዩ ጉባኤ ከካይድን ብውሕዱ ክሳዕ 4ሽሕ ኣባላት መልሚሉ ከቕርብን ግዴታ ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣቶ በየነ መክሩ፡ ጉባኤኡ መዓዝን ኣበይን ከምዘካይድ ንምውሳን ምይይጣት ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ህወሓት ድሕረ ኵናት ትግራይ ናብ ክልተ ምምቃሉ ስዒቡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንከይተረፈ ቅልውላዋት ፈጢሩ ስለዝነበረ፡ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ነበር ብኣብዝሓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝግዓዘ ፀብፂብና ምንባርና ዝዝከር'ዩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት እቲ ቦርድ ዝፈልጦን ዝከታተሎን ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ከካይድ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ግብራዊ ብዘይምግባሩ፡ ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እታ ሃገር ሰሪዝዎ'ዩ።

ህወሓት ብወገኑ "ዘቕረብክዎ ሕቶ ነባር ሕጋዊ ሰብነት እምበር ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ኣይነበረን" ብዝብል ንመምርሕታት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ከምዘይገበረ እዩ ዝገልፅ።

ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝበልዐ ኵናት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያ ደው ምስበለ፡ እቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ራዕዳዊ ጉጅለ' ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ካብ መዝገበር ኣሸበርቲ ሓራ ወጺኡ ነይሩ።

እንተኾነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ "ራዕዳውያን ተባሂሎም ተበይኖም ናይ ዝነበሩ ውድባት ፖለቲካ መሊሰ ዝምዝገበሉ ሕጋዊ መስርሕ የብለይን" ስለዝበለ፡ ብፖለቲካዊ ድርድር ህወሓት ተመሊሱ ዝምዝገበሉ ሓድሽ ኣዋጅ ጸዲቑ ነይሩ።

ይኹን እምበር እቲ ኣዋጅ ነባር ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዝመልስ ብዘይምንባሩ ስዒቡ እቲ ውድብ ምስ እቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ናብ ክትዕ እዩ ኣምሪሑ።

ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ምስራዙ ስዒቡ ድማ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት 'ስምረት' ዝተብሃለ ሓድሽ ውዳበ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ኣመዝጊቡ'ሎ።

ስምረት ቅድሚ መወዳእታ እዚ ዓመት [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጉባኤ ብምክያድ መራሕቱ መሪጹ ኣብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብ መፃኢ መረጻ ክሳተፍ ምዃኑ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ናበይ ከምርሕ እዩ ዝብል ሓያሎ ሻቕሎት ተፈጢሩ ይርከብ።