ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካዊ ፓስተር ኣብ እዋን ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ተጨውዩ

ኣመሪካዊ ፓስተር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያኑ እንከሎ ብዕጡቓት ከም ዝተጨውየ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ጆሽ ሱሊቫን ብሓሙስ ምሸት ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ኣብ እትርከብ ከተማ ግከቤራ ኣብ ዝርከብ 'ፈይሎሺፕ ባፕቲስት' ቤተክርስትያን (ሕብረት መጥምቓውያን) እናገልገለ እንከሎ፡ "መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ኣርባዕተ ዕጡቓት ደቂ ተባዕትዮ ኣትዮም፡" ክብል ወሃቢ-ቃል ፖሊስ ካፕቴን ኣንድሬ ቢትገ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ሰባት፡ ብናይቲ ወዲ 45 ዓመት ፓስተር መኪና ካብ ቤተክርስትያን ቅድሚ ምህዳሞም ክልተ ተለፎናት ሰሪቖም።

ፖሊስ ድሒሮም እታ መኪና ተደርብያ እኳ እንተ ረኸቡዋ፡ ኣሰር ፓስተር ሱሊቫን ግን ኣይተረኽበን።

ወሃቢ-ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጨውየ ኣመሪካዊ ከም ዝፈለጡ ብምሕባር፡ "ካብ ድሕነት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ዝዓቢይ ቀዳምነት፡" ከም ዘየሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካፕቴን ቢትገ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጉዳይ ናብቲ ከበድትን ዝተወደቡን ንግዳዊ ገበናትን ላዕለዋይ ደረጃ ብልሽውናን ዝምርምር ብ'ሆክስ' ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተዋህበ ኣመልኪቱ።

ወሃቢ-ቃል ሆክስ ሌፍተናንት ኮሎነል ኣቨለ ፉምባ፡ "ፖሊስ ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ ግዳይ ንምርካብን ነቶም ገበነኛታት ንምሓዝን ብዝከኣሎ ኵሉ ይከታተል ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣፈኛ ስድራቤት ሱሊቫን ጀረሚ ሆል ድማ ንጋዜጣ እቲ ከባቢ ታይምስላይቭ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ምስ ብዓልቲ-ቤቱን ደቆምን ኣብ ቤተክርስትያን ከም ዝነበሩ ብምሕባር፡ ''ስሙ ይፈልጥዎ ነይሮም፡" ይብል።

ኣደ'ቲ ፓስተር ወይዘሮ ሱሊቫን ቶንያ ሞርተን ሪንከር ብወገና፡ በቲ ዜና ልባ ከም ዝተሰብረ ኣብ ናይ ፈይስቡክ መዝገባ ብምግላጽ፡ "ኣባላት ጉባኤናን ኤምባሲ ኣመሪካን ንምርካቡ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ፡" ኢላ።

ብውልቂ ዝውነን ማዕከን ሓበሬታ 'ኒውስ24' ዘውጾኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ዛጊት ዝዀነ በጃ ኣይተሓተተን ዘሎ።

ፓስተር ሱሊቫን ኣብ ውልቃዊ መርበብ ሓበሬታኡ ንነብሱ ከም "ቤተክርስትያን ዝተክል ምስዮናዊ፡" እዩ ዝገልጻ።

ምስ ብዓልቲ-ቤቱን ደቁን ኣብ 2018 ንተዛረብቲ ቋንቋ ዞሳ ቤተክርስትያን ንምትካል ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝገዓዘ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጭውያታት ብ264 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ መዛግብቲ ፖሊስ ይሕብሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ኣብ ግቕቤራ ሓደ ቻይናዊ ዜጋ ተጨውዩ እዩ።