እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለ ምንታይ ብህላወ ጀርምታት ዘይኣምኑ ሰባት ይበዝሑ ኣለዉ?
ቬሮኒካ ሃፕት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥቓ ከተማ ኬፕ ታውን እያ ትቕመጥ።
“ንብዙሕ . . . ብዙሕ ዓመታት ኣብ ኣማራጺ ጥዕና ጥሙሕ ነይሩኒ፤ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝተኸስተ ነገር ክኣ እቲ ዝነበረኒ ድልየት ናብ ካልእ ደረጃ ኣብጺሑዎ” ትብል።
ቬሮኒካ ስእላ ከተካፍል ፍቓደኛ ኣይኰነትን። “ተፈጥሮኣዊ” ፍወሳ እትህብ ‘naturopath’ ኰይና፡ እትህቦ ማዕዳ ጥዕና ኣብ ሳይንሳዊ መርትዖ ዝምርኰዝ ኣይኰነን።
ዝመጽአትሉ መገዲ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ፤ መጀመርታ ዕለታዊ ዝሓሸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ንምርካብ ዝሕግዙ ልማዳት ተግባራዊ ምግባር ጀሚራ።
ነዚ ድማ ንቡር ዘይኰነ ኣገባታት ሕክምና ጥዕና ኣብ ምንባብ ተጸሚዳ።
ድሓር፡ ብዛዕባ እታወታት ክታበታት ኮቪድ ክትጠራጠር ጀሚራ። ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ገለ ናይ ስራሕ ቦታታት ክታበት ምውሳድ ግድን ነይሩ።
ኣብዚ ግዜ’ዩ ካብቲ እትኣምነሉ መገዲ ‘wellness' ክትፍለ ጀሚራ።
“ኩሉ እቲ ካብ ሰብ ይሓልፈካ’ዩ ዝብሃል ተላባዕቲ ሕማማት ንብዙሕን ብዙሕን ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝጸንሐ ፍጹም ጽውጽዋይ'ዩ ዝመስለኒ” ትብለኒ ቬሮኒካ።
ንሳ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኢንተርነት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ ክሊ እቶም ዘለው ሳይንሳዊ መርትዖታት ሕማም ዘስዕቡ ጀርምታት ፈጺሞም ከም ዘለዉ ኣይትኣምንን።
ህላወ ጀርምታት ዝኽሕዱ ሰባት ዝጥቀሙሉ ቁልፊ ቃላት ብምርኣይ ዳታ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገብረ ትንተና፡ እቲ ዝንባለታት ብብዝሒ ቅድሚ 2020 ዳርጋ ከም ዘይነበረን፡ ምስ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝዓበየን የመልክት።
ኣብኡ ግን ደው ኣይበለን። ኣብ 2023 ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ ለበዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ሳይንሳዊ መርትዖታት ዘይምእማን ወሲኹ ተራእዩ።
ኣብ ከም ፌስቡክን ቴሌግራምን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርከባ ጉጅለታት ከሓድቲ ጀርም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣባላት ኣለወን።
ገለ ኣባላት ቫይረስ ከም ዘየለ ይኣምኑ፤ ገሊኦም ድማ ጀርም ከም ዘለዉ ግን ከኣ ሕማም ከም ዘየስዕቡ ይኣምኑ።
መብዛሕትኦም ኣብ 1800ታት ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ ይውከሱ።
ልክዕ ከምቲ ኣብዚ እዋን ጀርምታት ሕማም የስዕቡ’ዮም ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ክረጋገጽ ዝተኻእለ፡ ኣንቶን ቤሻምፕ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ተመራማሪ 'ተረይን ቲኦሪ' ዝበሃል ክልሰ-ሓሳብ ኣቕረበ።
ጀርምታት ኣብ ውሽጢ ጥዕና ዘይብሉ ኣካል ናብ ሕማም ዘስዕብ ነገር ጥራይ ዝቕየሩ ዘይጎድኡ ነገራት እዮም ኢሉ።
ክልሰ-ሓሳብ ቤሻምፕ፡ ሕማም ዘስዕቡ ጀርምታት ዝምልከት መርትዖታት እናበዝሐ ምስ ከደ ውዱቕ ኰይኑ።
ሕጂ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ገለ ጉጅለታት ንሓሳብ ቤሻምፕ ሒዞሞ ተቐልቂሎም ኣለዉ።
እዚ ካብ ክልሰ-ሓሳብ እቲ ተመራማሪ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብዝሰገረ፡ ዝያዳ ምስ ፍጹም ምንጻግ ኣገደስቲ መርትዖታት ዝዛመድ እዩ።
እዚ ድማ፡ መንግስቲ ወይ ትካል ጥዕና ዝህቡዎ ርኢይቶ ብቐጥታ ጌጋ ክኸውን ኣለዎ ናብ ዝብል እምነት ይዓቢ ምህላው ዘመልክት።
እዚ ክኣ መንግስታት ምስ ምሕታትን ነቲ ዘሎ መርትዖታት ምርኣይን ሓደ ኣይኰነን።
‘ዲባንክ ዘ ፋንክ’ ዝብል ዩትዩብ ቻነል ዘለዎ ክኢላ ሞለኲላዊ ስነ ህይወት ዶክተር ዳን ዊልሰን፡ እዞም ካብ ሳይንስ ወጻእ ዘለው እምነታት ምስቲ ሰፊሕ ሓሳብ "ጥዕና" (wellness) ዝተኣሳሰሩ’ዮም ይብል።
እዚ ድማ ብሓፈሻ ኣካለውን ስነልቦናውን ጥዕና ብኣመጋግባ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ካልእ ልምድታት ጥዕናን ተግባራዊ ብምግባር ጥዑይ ምዃን ይክኣል’ዩ ዝብል እዩ።
እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ዘይተፈጥሮኣዊ" ተባሂሎም ዝውሰዱ መድሃኒታት ምንጻግ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ጽሑፋት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክበዝሑ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
“ዌልነስ” -ጽቡቕ ምህላው - ሰባት ገለ ናይ ምቁጽጻር ኩነታት ንክህልዎም ዝገብሩ መብርሂታት ሕማም ከም ዝድግፍ ዝገልጽ ዶክተር ዊልሰን፡ ነቲ እትሃልዀ ሓበሬታታት፣ ምንቅስቓሳት ካብ ኩሉ ሕማም ክትድሕን ጥራይ ዘይኰነስ ዝሓሸ ህይወት ክትነብር ዘኽእል’ዩ ይብል።
ብቐንዱ ግን ሰባት ክሳብ ምኽሓድ ክልሰ-ሓሳብ ጀርም ክበጽሑ ከም ዘይብሎም የረድእ።
ብርግጽ ኩሎም ሕማማት ብጀርም ዝመጽኡ ኣይኰኑን፤ - ብመፈጠራዊ ኩነታት፣ ኣነባብራን ከባቢናን ክመጽኡ ይኽእሉ።
ቬሮኒካ ግን፡ ብዘይ ዝዀነ ፍሉይ መርትዖ፡ ሕማማት መርዛም ነገር ናብ ኣካላትና ብምእታው ዝመጽኡ’ዮም ብምባል - ብብከላ፡ ወይ ምናልባት ብጽርጊ ኤሌክትሮማግኔቲክ - ከም ዝመጽኡ ትኣምን።
ንዓማዊላ ድማ "ጥዕናኹም ኣብ ኢድኩም'ዩ። ኣብ ኢድ ሓኪምኩም ኣይኰነን" ትብሎም።
ኣብዚ’ዩ ምክሓድ ህላወ ጀርም ግሁድ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል።
ጀርምታት ሕማም ኣየስዕቡን እዮም ንዝብል እምነት ዝውፈ ዝዓበየ ናይ ፌስቡክ ጉጅለ፡ ሰባት ካብ ሓካይም፡ መድሃኒታትን ክታበትን ክርሕቑ ዝገብሩ ማዕዳታትን መምርሕታትን የሕልፍ።
እዚ ኣብ 2019፡ 150 ኣባላት ዝነበሩዎ ጉጅለ ሕጂ ልዕሊ 30 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።
"እቲ ናይ ጀርም ክልሰ-ሓሳብ ምኽሓድን ጸረ-ክታበት ዝዀነ ህዝቢ ብርግጽ ብዙሕ ምትሕውዋስ ኣሎ። መበገሲ ምክሓድ ክልሰ-ሓሳብ ጀርም ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ጸረ-ክታበት ኣሎ ምበልኩ" ይብል ዶክተር ዊልሰን።
ክትዓት ጸረ ክታበት እናሰፍሐ ይኸይድ ምህላው ከም ዝዕዘብ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ነዚኦም "ዓይነት ጸፍሒ መሬት ስነ-ህይወት እየ ዝብሎም፤ ምኽንያቱ ምስ ጸፍሒ መሬት ስለ ዝመሳሰል። ሰባት መሬት ከባብ ምዃና ዘርኢ ስእልታት እናርኣኻዮም’ውን ነዚ ክኽሕድዎ ይኽእሉ’ዮም” ይብል ዶክተር ዊልሰን።
"እቲ ቫይረስ ወሲድና ንሓደ እንስሳ ክነልኽፎን ከነሕምሞን ንኽእል ኢና። ከምኡ'ውን ኣብ ደቂ ሰባት ተመሳሳሊ መበቐዎላዊ (ጀነቲካዊ) ቅደም ሰዓብ ሒዝና ካብ ሰብ ናብ ሰብ እናተሰጋገረ ማዕበል ሕማም ክሓልፍ ክንዕዘብ ንኽእል ኢና” ክብል የረድእ።
ቫይረሳትን ካልኦት ጀርምታትን ክኣ ብማይክሮስኮፕ ክረኣዩ ከም ዝኽእሉ ይጠቅስ።
“እዚ ኹሉ መርትዖታት እናሃለወ ግን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምንጻግ ክልሰ-ሓሳብ ጀርም ትኹረት ይረኽቡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኤችኣይቪ ንኤይድስ ኣየስዕብን እዩ ዝብል ሓሳብ፡ ዝያዳ ቀንዲ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ከይከውን ይጭነቕ ኣለኹ”።
ኣብ መጀመርታ 2000 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ)፡ ኣብታ ቬሮኒካ እትነብረላ ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሽዑ ፕረዚደንት ታቦ ምቤኪ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ፕሬዝደንት ኤይድስ ብሰንኪ ኤችኣይቪ ቫይረስ ከም ዝመጽእ ምቕባል ኣብዩ ነይሩ።
ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላትና ከይባዛሕ ዝዓግት ጸረ-ረኽሲ ቫይረስ ንምቕራብ ፍቓደኛ ኣይነበረን።
እዚ መርገጺ እዚ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ምክልኻል ዝክኣል ሞት ከም ዘስዓበ ይግመት ክብል ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምክልኻልን ሕክምናን ኤችኣይቪ ዝሰርሑ ሰባት፡ ሕጂ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ ዝተፈለየ ግንዛበ ከም ዘሎን ምኽሓድ ኤይድስ ድማ ዓቢ ጸገም ከም ዘይኮነን ይዛረቡ።
እቲ ካብ ዝተወሰኑ ኩርናዓት ዝመጽእ ጥርጣረ ግን ከም በዓል ሮበርቶ ፐረራ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ኤችኣይቪ የጨንቘም’ዩ።
“ቅኑዕ ኣይመስለንን፤ ትፈልጡ ኢኹም፡ ብፍላይ ኣብዛ ሃገር ክንድ’ዚ ዝኣክል ቃንዛ ዘስዓበ ነገር ምዃኑ ክሓስቦ እንከለኹ ብሓቂ ደመይ ይፈልሕ። ታሪኽ ክደጋገም ክርኢ ኣይደልን፤ ግን ክኣ ታሪኽ ብዙሕ ግዜ ዝደጋገም ይመስል” ኢሉ።