ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝገበሮ እገዳ ኣልዒሉ: ዘተ ምስ ሩስያ ኸ ክሰልጥ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ምስ ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘተ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ናይ 30 መዓልታት ተዅሲ ደው ምባል ክትቅበል ድልውቲ ምዃና ብምግላጻ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ሓገዝን ስለያዊ ሓበሬታን ዳግማይ ከም ኣትጅምሮ ኣፍሊጣ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ነቲ እማመ ሰላም ናብ ሩስያ ከም ዘቕርቦን፡ "ደጊም እታ ኵዕሶ ኣብ ሜዳ ሩስያ ከም ዘላን፡" ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሕጂ ዝተርፍ፡ ሩስያ ነቲ እማመ ብ"እወታዊ" መዳይ ምእንቲ ክትቅበሎ ኣመሪካ ከተእምና ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጅዳ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ድሕሪ'ቲ ብ28 ለካቲት ኣብ 'ኦቫል ኦፊስ' ኣብ መንጎ ዘለንስኪን ትራምፕን ዘጋጠመ ፍሉይ ፍሕፍሐ ንመጀመርታ ግዜ ዝተኻየደ ወግዓዊ ርክብ'ዩ።
ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓባራዊ መግለጺ፡ ዋሽንግተን ደው ኣቢላቶ ዝነበረት ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓገዝ ብቕልጡፍ ዳግማይ ከም እትጅምሮ ገሊጻ።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ ቀጺሉ፡ "ክልተኦም ወገናት ናብቲ ዘተ ዝቐርቡ ዝርዝር ኣስማት ሰባት ክህቡን ብድሕሪኡ ንዩክረይን ነባሪ ሰላም ናብ ዝወስዳ ዘተ ብቕልጡፍ ክእቶን ተሰማሚዖም፡" ይብል።
ሩቢዮ ትማሊ ሰሉስ ኣጋምሸት ኣብ ጅዳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሩስያ ነቲ እማመ ክትቅበሎ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
"ዩክረይን ውግእ ደው ኣቢላ ምዝራብ ክትጅምር ድልውቲ እያ፡" ዝበለ ሩብዮ፡ ሩስያ ነዚ ቅድመ-ምድላው ኣይፋል እንተ ኢላቶ፡ "ሽዑ ብዘሕዝን መንገዲ ሰላም ደው ዘብሎ እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ኢና፡" ኢሉ።
"ሎሚ ነቲ ዘቕረብናዮ እማመ ዩክረይናውያን ተቐቢሎሞ ኣለዉ። እዚ ድማ ናብ ምቍራጽ ተዅስን ዘተን ንእለቱ ዘእቱ እዩ፡" ኢሉ።
"እዚ ዕድመ'ዚ ናብ ሩስያውያን ክንወስዶ ኢና፣ እወ ንሰላም ክብሉ ድማ ተስፋ ንገብር። እታ ኩዕሶ ሕጂ ኣብ ሜዳኦም ኣላ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ዝብል እማመ፡ ካብቲ ዘለንስኪ ኣብ ኣየርን ባሕርን ውሱን ዕርቂ ንኽግበር ዝሃቦ ሓሳብ ዝተፈልየ እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን በቲ ኣብ ጅዳ ዝተኻየደ "ሃናጺ" ዝርርብ ንትራምፕ ኣመስጊኑ።
ዘለንስኪ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ሩስያ "ነቲ ኲናት ደው ከተብሎ ወይ ኲናት ክትቅጽል ድልውነታ ከተርኢ፡" ኣለዋ ኢሉ።
"ምሉእ ሓቂ ዝገሃደሉ እዋን'ዩ፡" ክብል'ውን ወሲኹ።
ክረምሊን ዛጊት ብግልጺ መልሲ ኣይሃበትን። ኣቐዲሞም፡ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ካብ ዋሽንግተን ሓድሽ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቦም መግለጺ ከም ዝህቡ ገሊጾም ነይሮም።
ጸላዊ ኣባል ባይቶ ኮስታንቲን ኮሳቾቭ ግን ዝዀነ ይዅን ውዕላት፡ "ብውዕልና እምበር ብኣመሪካዊ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንሽማግለ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዝመርሕ ኮሳቾቭ፡ "ሕጂ'ውን ሓቀኛ ስምምዓት ይጽሓፍ ኣሎ... ኣብ ግንባር፡" ብምባል፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ይግስግሱ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ወሪራ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ኣስታት 20% መሬት ዩክረይን ተቘጻጺራ ኣላ።
ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዋይት ሃውስ ክዘራረብ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ እማመ ክሰማማዓሉ "ተስፋ እገብር፡" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕ ክግበር ተስፋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ "ሓንቲ ኢድ በይና ኣይተጣቕን፡" ኢሉ።
"ጽባሕ ምስ ሩስያ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣለና፣ ተስፋ ንገብር ድማ ፍረ ዘለዎ ወግዒ ከነካይድ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንዘለንስኪ ናብ ዋሽንግተን ክምለስ ክዕድሞ ከም ዝኽእል እውን ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ታስ፡ ወሃቢት ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ ሩስያ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ክትዘራረብ ትኽእል እያ ኢላ።
ሓደ ሪፖርተር፡ "ርክብ ትራምፕን ዘለንስኪን ናብ ንቡር ተመሊሱ ድዩ?" ኢሉ ንሩብዮ ምስ ሓተተ፡ ናብ ንቡር ዝተመልሰ ሰላም ክኸውን ተስፋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ "እዚ ናይ መደብ ተለቪዥን ኣይኰነን፡" ኢሉ።
"ሎሚ፡ ሰባት ኣብዚ ኲናት ክሞቱ እዮም፣ ትማሊ'ውን ሞይቶም። እቲ ዘሕዝን ድማ ተዅሲ ደው ምባል እንተ ዘይተገይሩ ጽባሕ ክሞቱ እዮም፡" ብምባል ንጹጽነት ናይቲ ጉዳይ ኣስሚርሉ።
እቶም ተዛተይቲ ኣመሪካውያንን ዩክረይናውያን ቅድሚ ኣብ ጅዳ ምርኻቦም፡ ኣብ ከባቢ ሞስኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። በዚ ድማ ሩስያ፡ "ዩክረይን ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ዲፕሎማሲ ምጥቃም ከም ዝነጸገት ዘርኢ እዩ፡" ኢላ።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ትራምፕን ዘለንስክን ኣብ ኣገደስቲ ማዕድናት ዝግበር ስምምዕ "ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡" ክፍጸም ተሰማሚዖም ከም ዘለዉ ይሕብር።
ሩብዮ እቲ ስምምዕ ማዕድናት ኣብዚ ናይ ሰሉስ ርክብ ከም ዘይተዘተየሉ፣ እንተዀነ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካን ዩክረይንን ከም ዝሰርሕሉ ገሊጹ።
ምስቲ ኣብ ጅዳ ዝርከብ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልትዝን ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍን ይርከብዎም። ዊትኮፍ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሩስያ ክገይሽ መደብ ከም ዘለዎ ሓደ ሓበሬታ ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ካብ ኣመሪካን ዩክረይንን ዝወጽአ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኪየቭ ኤውሮጳ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ከም ዘድሊ ኣስሚራትሉ ኣላ።
ኣመሪካ ኣብቲ ኲናት ዘለዋ ኣቀራርባ ስለ ዝቐየረት፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባታት ከካይዱ ቀሲቡዎም ኣሎ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ እቲ ውድብ ነቲ ናይ ሰሉስ "እታዊ ምዕባለ" ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ገሊጻ።
ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ክዛዘም፡ ቀንዲ መብጽዓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። ትራምፕ ንዘለንስኪ ተዅሲ ደው ምባል ክሰማማዕ ጸቕጢ ክገብረሉ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ውሕስነት ጸጥታ ክህቦ ግን ኣይከኣለን።
ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ተወሳኺ እገዳ ክግበር ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣፈራሪሑ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሩስያ ንዩክረይን ብኸቢድ ተጥቅዓ ከም ዘላ'ውን ኣመልኪቱ።
ብሰሉስ ኣብ ዩክሬን እቲ ኲናት ቀጺሉ እዩ።
ኣብ ዞባ ሞስኮ፡ እቲ ምሉእ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ሩስያ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።
ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም ካልኦት 18 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሰብመዚ ጥዕና ሩስያ ገሊጾም።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ 337 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝዘንበያን 91 ድማ ኣብ ዞባ ሞስኮ ከም ዝተወደቓን ሓቢሩ።
ሰበስልጣን ዩክረይን ብተወሳኺ ኣብ ኪየቭን ካልኦት ሓያሎ ከባቢታትን መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ከም ዝነበረ ገሊጾም።
ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ካብቲ 126 ብሩስያ ዝተወንጨፋ፡ 79 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከምኡ'ውን ሓደ ኢስካንደር-ኤም ባሊስቲክ ሚሳይል ከም ዘውደቐ ገሊጹ።
በዚ መጥቃዕትታት ዝዀነ ጕድኣት እንተ'ልዩ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ የሎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







