እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንዓመታት ከካትዕ ዝጸንሐ 'ባዮሎጂያዊ' ትርጕም ጓለንስተይቲ ውሳነ ተዋሂቡዎ
ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕጋዊ ትርጕም ጓለንስተይቲ ብመሰረት ተፈጥሮኣዊ ወይ 'ባዮሎጂያዊ' ጾታ ከም ዝግለጽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኖም።
እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕጋዊ ክርክር ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ስኮትላንድ፡ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ጾታ መሰረት ዝገበረ መሰላት ብኸመይ ክርአ ኣለዎ ኣብ ዝብል ዓብይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ምስ 'ፎር ዉመን ስኮትላንድ' ዝተባህለ ጕጅለ ጐስጓስ ደቀንስትዮ ብምውጋን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ስኮትላንድ ክሲ ኣቕሪቡ ጸኒሑ።
ጾታ መሰረት ዝገበረ ሓለዋ፡ ነተን ደቀንስትዮ ኰይነን ዝተፈጥራ ጥራይ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ ብምባል ድማ ክምጕት ጸኒሑ።
ዳኛ ሎርድ ሆጅ፡ እቲ ውሳነ ከም ዓወት ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ክረአ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ እቲ ሕጊ ሕጂ'ውን ልውጠ-ጾታ ንዝገበሩ ወይ 'ትራንስጀንደር' ንዝዀኑ ሰባት ኣድልዎ ከይበጽሖም ክከላኸል ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።
መንግስቲ ስኮትላንድ ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ጾታኦም ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት (GRC) ዘለዎም 'ትራንስጀንደር' ሰባት፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ተመሳሳሊ ጾታ መሰረት ዝገበረ ሓለዋ ዝረኽባ ብተፈጥሮ ደቀንስትዮ ዝዀና ሰባት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም ብምባል ይምጕት።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ግብራዊ ዝኸውን ሕጊ ማዕርነት 2010 ብግቡእ ትርጕም ክህቦ ተሓቲቱ።
ሎርድ ሆጅ፡ እቲ መሰረታዊ ሕቶ "ጓል ኣንስተይቲ"ን "ጾታ"ን ዝብሉ ቃላት ኣብቲ ሕጊ ብኸመይ ይግለጹ ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ።
ንሱ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ቤት ፍርዲ ብምሉእ ድምጺ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብ ሕጊ ማዕርነት 2010 ዝሰፈሩ ጓለንስተይቲን ጾታን ዝብሉ ቃላት፡ ባዮሎጂያዊ ጓለንስተይቲን ባዮሎጂያዊ ጾታን ዘመልክቱ እዮም፡" ብምባል፡ እዚ ግን ሕብረተሰብ ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጕጅለ ዘመዝገቦ ዓወት ገይሩ ከይወስዶ ምዒዱ።
ወሲኹ ድማ እቲ ሕጊ ልውጠ-ጾታ ንዝገበሩ፡ "ብመገዲ እቲ ዝተሓለወ ባህሪ ዳግመ-ምምዳብ ጾታ ኣቢሉ ግዳይ ኣድልዎ ከይኰኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ቀጥታዊን ዘይቀጥታዊ ኣድልዎን ምግፋዕን ሓለዋ ክረኽቡ ዘፍቅድ ምዃኑ" ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ ጕዳይ ኣንጻር መንግስቲ ስኮትላንድ ክሲ ዘቕረቡ ጐስጐስቲ፡ ካብቲ ቤት ፍርዲ ክወጽኡ ከለዉ፡ ንሓድሕዶም ተሓቛቚፎም፡ ሓያሎ ካብኣቶም ድማ ንብዓት እናነብዑ ተራእዮም።
ሕጊ ማዕርነት፡ "ጾታ"ን "ዳግመ ምምዳብ ጾታን" ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ባህርያት መሰረት ብምግባር ካብ ዝፍጸም ኣድልዎ ሓለዋ ይህብ።
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ለንደን ዝርከቡ ዳያኑ፡ እቲ ሕጊ፡ "ጾታ" ክብል እንከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ክውስኑ - ተፈጥሮኣዊ ጾታ ዶ ከምቲ ብሕጊ ኣፍልጦ 2004 ዝተገልጸ ሕጋዊ፡ "ሰርቲፊኬት ዘለዎ" ጾታ ዝብል ክውስኑ'ዮም ተሓቲቶም።
መንግስቲ ስኮትላንድ፡ እቲ ኣብ 2004 ዝወጽአ ሕጊ፡ ሰርተፊኬት ኣፍልጦ ጾታ (GRC) ምርካብ "ንዅሉ ዕላማታት" ጾታ ምቕያር ማለት ምዃኑ ተማጒቱ።
ጕጅለ ንደቀንስትዮ ስኮትላንድ፡ ጾታ "ዘይልወጥ ስነ-ህይወታዊ ኵነታት" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣይን ሰበይትን ንዝብሉ ቃላት "ሓበራዊ መረዳድኢ" ትርጕም ክወሃቦም ተማጒታ።
ቀዳማይ ምኒስተር ጆን ስዊኒ መንግስቲ ስኮትላንድ ነቲ ፍርዲ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ "እቲ ብይን ኣብ መንጐ ክልተ ኣብ ዌስትምኒስተር ዝሓለፉ ኣገደስቲ ሕግታት ንጹርነት ይህብ፡" ክብል ጽሒፉ።
"ሕጂ ኣብ ትርጕም ናይቲ ብይን ከነተኵር ኢና፡" ብምባል፡ "መሰል ኵሉ ምሕላው ትዅረት ተግባራትና ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።
ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወጻኢ፡ ሓባራዊት መስራቲት 'ፎር ዉመን ስኮትላንድ' ዝዀነት ሱዛን ስሚዝ፡ "ሎሚ እቶም ዳያኑ ነቲ ወትሩ ደቀንስትዮ ብባዮሎጂያዊ ጾታአን እየን ዝሕለዋ ብምባል ክንማጐተሉ ዝመጻእና ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።
"ጾታ ሓቀኛ ኰይኑ፡ ደቀንስትዮ ሕጂ ንደቀንስትዮ ኣብ ዝተመደበ ኣገልግሎታትን ቦታታትን ውሕስነት ክስምዐን ይኽእል'ዩ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ነዚ ውሳነ ብምውሳኑ ኣዚና ነመስግን።"
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ "እዚ ውሳነ ንደቀንስትዮን ከም ሆስፒታላት፡ መዕቈቢ ቦታታትን ስፖርታዊ ክለባትን ዝኣመሰሉ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ንጹርነትን ምትእምማንን ዘምጽእ'ዩ፡" ኢሉ።
"ናይ ንጽል ጾታ ዝዀኑ ሰባት ዝዀኑ ቦታታት ብሕጊ ዝተሓለዉ ኰይኖም፡ ወትሩ በዚ መንግስቲ ክሕለዉ እዮም።"
መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባዴኖች፡ ነቲ ብይን "ንዅለን እተን ርኡይ ዝዀነ ነገር ብምግላጸን ውልቃዊ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ወይ ስራሕ ዝሰኣና ደቀንስትዮ ዓወት'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
ኣጀማምራ እዚ ጕዳይ እንታይ'ዩ?
ተሓላቒት መሰላት 'ትራንስ' ማጊ ቻፕማን፡ "እዚ ንሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ውሳነ'ዩ፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ሕብረተሰብና ኣዝዮም ዝተገለሉ ሰባት ድማ ከቢድ ማህረምቲ'ዩ፡" ኢላ
እቲ ሎሚ ዝተወሃበ ውሳነ፡ እቶም ልውጠ-ጾታ ዝገበሩ ሰባት ዝረኽቡዎ ዝነበረ ሓለዋታት ክጐድልን ንህይወቶም ዝጸሉን እዩ ብምባል "ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝመጽእ ከም ዘጨንቘም" ሓቢራ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስቶንዎል ሳይሞን ብሌክ፡ ብዛዕባ እቲ ብይን "ዓሚቕ ስክፍታ" ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ጕጅለ ንደቀንስትዮ ስኮትላንድ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ምስ መንግስቲ ስኮትላንድ እንተወጊኑ፡ ንጽል ጾታ ዘለዎም ሰባት ዝጥቀሙሎም ቦታታትን ኣገልግሎታትን - ከም ክፍልታት ሆስፒታል፡ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መዕቈቢታትን ደገፍ ዝረኽቡሎም ጕጅለታትን - ጽልዋ ክህልዎ'ዩ ብምባል ከጠንቅቕ ጸኒሑ።
ልውጠ-ጾታ ዝዀኑ ሰባት ድማ፡ እቲ ጕዳይ ነቲ ኣብቲ ዳግማይ ዝተመደበሎም ጾታኦም ኣድልዎ ከይበጽሖም ዝከላኸል ዝነበረ ድንጋገ ክብሕጕጐ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘም።
እዚ ጉዳይ፡ ትራንስጀንደር ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመት ኢስላ ብራይሰን ኣብ መጀመርታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ምእታዋ ዝነበረ ክትዕን፡ ንሓንቲ፡ ሓደ ትራንስጀንደር ዶክተር መቐየሪ ክፍሊ ደቀንስትዮ ክጥቀም የብሉን ኢላ ዝተቓወት ጓለንስተይቲ ነርስ ኤንኤችኤስ ፋይፊ ሓዊሱ፡ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ትራንስጀንደርን መሰላት ደቀንስትዮን ዝተኻየደ መጐት እዩ።
ኤንኤችኤስ ፋይፊ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ፍርዲ "ብጥንቃቐ ክሓስበሉ" ምዃኑ ገሊጹ።
እቶም ዳያኑ፡ ጾታ ኣብ ክንዲ "ብምስክር ወረቐት" ብባዮሎጂካዊ ወይ ብተፈጥሮ ክኸዉን ከም ዘለዎ እዮም ደጊፎም።
እቲ ሕጋዊ ክርክር ኣብ 2018 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ባይቶ ስኮትላንድ ኣብ ቦርድታት መንግስታዊ ጽላት ጾታዊ ሚዛን ንምርግጋጽ ዝተዳለወ እማመ ምስ ኣጽደቐ እዩ ተላዒሉ።
ጕጅለ ንደቀንስትዮ ስኮትላንድ፡ ምኒስተራት ንጾታኦም ዝቐየሩ ሰባት ከም ኣካል ናይቲ ኣብቲ ሕጊ ዝተኻተታ ኣእትዮምዎም ክብላ ተቓዊመን።
እዚ ጕዳይ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ስኮትላንድ ብዙሕ ግዜ ከካትዕ ጸኒሑ።
ዳኛ ሌዲ ሃልዳን፡ ኣብ 2022 ትርጉም ጾታ "ኣብ ስነ-ህይወታዊ ወይ ናይ ልደት ጾታ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን" ኢላ።
ባይቶ ስኮትላንድ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ሓደ ሰብ ብሕጊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጾታኡ ንኽቕይር ዝቐለለ ዝገብሮ ጽገናታት ኣጽዲቑ።
እቲ ስጕምቲ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዓገተ ኰይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ብሚኒስተራት ሆሊሩድ ተቛሪጹ።