እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ኣማዞን ንወርቂ ብጾታዊ ርክብ ዝላወጣ ደቂኣንስትዮ
ዳያነ ለይተ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ክትኸውን ፈጺማ ሓሲባቶ ኣይትፈልጥን። እንተኾነ ኣብ መበል 17 ዓመት ዕድሚኣ በዓል ቤታ ብወቕዒ ልቢ ስለ ዝሞተ ንስርዓተ ቀብሩ መፈጸሚ ዝኸውን ገንዘብ ስለዘይነበራ ተገዲዳ ክትኣትዎ ከምዝኸኣለት ትዝክር።
ኣብ ብራዚል እቲ ንሳ እትነብረሉ ዓዲ፡ ማእኸል ዘይሕጋዊ ንግዲ ዕደና ወርቂ ስለዝኾነ፡ ሓንቲ መሓዝኣ ኣብ ኣማዞን ምስ ዓደንቲ ወርቂ ጾታዊ ርክብ ሰሪሓ ገንዘብ ክትእክብ ከምእትኽእል ኣማኺራታ።
"እተን [ኣብኡ ዝሰርሓ] ደቂ ኣንስትዮ ተዋሪደንን ተጸፊዔንን እየን ዝነብራ" ትብል ዳያነ።
"ኣብ መደቀሲየይ ደቂሰ ከለኹ ሓደ ወዲ ብመስኮት ዘሊሉ ኣብ ርእሰይ ሽጉጥ ዓሚሩለይ። እንተኸፊሎም ነተን ደቂ ኣንስትዮ ክውንንወን ይደልዩ" ክትብል እቲ ስራሕ ክንደየናይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ተረድእ።
ዳያነ ንበዓል ቤታ መፈጸሚ ስርዓተ ቀብሪ ዝኸውን ገንዘብ ኣኪባ ተመሊሳ። ጓል 18 ዓመት ምስኮነት ድማ ናይ መጀመርታ ውላዳ ረኺባ።
ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ከም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ በብእዋኑ ናብቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ተመላሊሳ ከም ኣሰላፊት መግቢ፡ ሓጻቢት ሽሓነ፡ ሰራሕተኛ ባርን ጾታዊ ርክብን ኮይና ክትሰርሕ ጸኒሓ።
ሕጂ ክተመሓድሮ ዝግብኣ ሸውዓተ ዝኣባላት ዝሓዘ ስድራቤት ኣለዋ።
"ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ይገብርኦ 'የን ኣይብልን። እንተኾነ ዳርጋ እተን ኣብኡ ዘለዋ ፍርቀን ግን ጾታዊ ርክብ እየን ዝሰርሓ። ስለዚ ንቡር'ዩ ዝመስል። ብሓቂ ኣይግድሰናን እዩ" ዝበለት ድማ ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባን ኣብ 24 ዓመታ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ዝኾነትን ናታልያ ካቫልካንተ እያ።
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ወናኒ ባር ምስ ተመርዓወት ድማ ኣካያዲት ናይ ሓደ ስራሕቲ ፋይቶነት ዝካየደሉ ገዛ ኮይና።
ኣብ ቀረባ ግዜ ግን ኣብታ ከተማ ንዝርከባ ደቂ ሓፍታ ክትከናኸን ብምሕሳብ ነቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ስራሕ ኣቋሪጻቶ።
ኣብቲ ጫካታት ዝበዝሖን ዕደና ዝካየደሉን ዓዲ ህይወት ኣዝያ መራር እያ። እተን ዓድታት መብዛሕትአን ብሓመድ ዝተሰርሐ መገዲ፡ ባራትን ቤተክርስትያንን ጥራይ ዝሓቖፋ እየን።
እቶም ዓደንቲ ንባዕሎም ብዕንጨይትን ቴንዳታትን ኣብ ዝተሰርሑ ዳሳት፡ ብተመንን ካልኦት ሓደገኛ እንስሳትን ተኸቢቦም፤ ጀነሬተር ምስ ተዓጽወ ድማ ኣብ ፍጹም ጸልማት ይነብሩ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ ክነብራ ኣለወን።
እቶም ዓደንቲ፡ "ወርቂ ረኺቦም ገንዘብ ምስሓዙ ናብቲ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዝርከባኦ ዓዲ ይመጽኡ" ትብል ናታሊያ።
ሓደ ሓደ ግዜ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻሞም ሻወር ክወስዱ ክተእምኖም ከምዘለካ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይዛረባ።
ብሕጊ ብራዚል ኣብ ስራሕ ፋይቶት ኮይንካ ህይወትካ ምምራሕ ዘይሕጋዊ እዩ። ናታልያ ግን ኮሚሽን ከምዘይትቕበልን ሰራሕተኛታት ባር ቆጺራ መደቀሲ ክፍልታት ኣካርያ ከምእትነብርን እያ ትዛረብ።
መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰሪሔን ገንዘብ ዝረኽባሉ ስራሕ እንተልዩ ከምዝሓታ እትገልጽ ናታልያ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ካብ ኢታይቱባ ሸውዓተ ሰዓታት ዝወስድ ጉዕዞ ተሳፊረን ንኽመጽኣ ገንዘብ ተለቅሐን።
ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ከምኡ ዝበለ ስራሕ ምቑጻር ምቾት ዝኸልኣ እንተኾይኑ ተሓቲታ "ሓድሓደ ግዜ ከምኡ ኢለ ይሓስብ'የ፤ ንገዛእ ርእሰይ ብእኡ'የ ሓሊፈ። ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ድማ እፈልጥ እየ ኢለ እሓስብ" ክትብል መልሲ ሂባ።
"እንተኾነ እተዕብዮ ቆልዓ ይህልወካ እሞ ተገዲድካ ትእትዎ'ዩ። ብዙሓት ካብተን ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈራ ሓደ ወይ ክልተ ቆልዑ ኣለወን። ስለዚ እንከይፈተና ንቕበሎ" ኢላ።
ናታልያ ቅድሚ ምምርዓዋ እውን እንተኾነ ብዙሕ ገንዘብ ረኺባትሉ ነይራ እያ።
ሕጂ ኣብ ኢታይቱባ ናይ ገዛእ ርእሳ ገዛ፡ ሞተር ብሽክለታን ሓድሓደ ግዜ ከም ካብ ብጾታዊ ርክብ ፈጺማ እትረኽቦ ዘይነዓቕ ወርቅን ዘለዋ ሰብ እያ።
ኣብ ናይ ሓደ ግዜ ስራሕ ጾታዊ ርክብ ክልተ ወይ ሰለስተ ግራም ትረኽበሉ ኮይና ዕላምኣ ተማሂራ ጠበቓ ወይ ኣርኪቴክቸር ምዃን እዩ።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢታይቱባ፡ በቲ ዝረኸብኦ ገንዘብ ተጠቒመን ንነብሰን ናብ ነጋዶ ከምዝቐየራ ትዛረብ። ከም ጓል ኣንስተይቲ ናብ'ቲ ዓመጽን ሕጊ ኣልቦን ዝበዝሖ ቦታታት ዕደና ወርቂ ምውፋር ግን ዓቢ ሓደጋ ኣለዎ።
እቲ ዕደና ወርቂ ኣብ ከባቢ ኣየር ዘስዕቦ ጉድኣት ኣጸቢቑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ከም ዓመጽ፡ ጾታዊ ምዝመዛን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዘጠቓልል እዩ ዝብሎ ክሳራታት ሰብኣዊ መሰል ግን ብዓቢኡ ዘይተጸብጸበ ከምዝኾነ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ሓደ ናይ ክቡራት ሓጺን ነጋዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ካብዞም ዕደናታት ዝወጽእ ዘይሕጋዊ ወርቂ፡ ቅድሚ ናብ ወጻኢ ምልኣኹ ካብ ፍቓድ ዘለዎ ሕብረት ስራሕ ዕደና ዝመጽእ ወርቂ ተባሂሉ ዳግማይ 'ሌብል' ከምዝግበር ገሊጹ።
ሰለስተ ዓበይቲ ዓማዊል ወርቂ ብራዚል ዝበሃላ ሃገራት ካናዳ፡ ስዊዘርላንድን ዓባይ ብሪጣንያን እየን። ልዕሊ 90 ምኢታዊት ካብ ኩሉ ናብ ኤውሮጳ ዝለኣኽ ሰደድ ካብቲ ዘይሕጋዊ ዕደና ዝፍጸመሉ ከባቢታት ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብቲ ዕደና ወርቂ ዝካየደሉ ከባቢ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ልሙድ እዩ።
ሬሳ ጓል 26 ዓመት ራይኤለ ሳንቶስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቓ ዕደና ወርቂ ኣብ ትነብረሉ ዝነበረት ክፍሊ ተረኺቡ።
ዓባይ ሓፍታ ራይላን፡ ሓደ ሰብኣይ ንጾታዊ ርክብ ዝኸውን ገንዘብ ኣቕሪቡ ፍቓዳ ሓቲቱ ምስኣበየቶ ክሳዕ ህይወታ ትሓልፍ ቀጥቂጡ ከምዝቐተላ ገሊጻ።
"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ይሞታ። ኣብ ዕደና እየ ተወሊደ ዓብየ፤ ሕጂ ግን ኣብዚ ዝዓበኽሉ ናይ ዕደና ቦታ ምንባር ፈሪሐ ኣለኹ" ትብል ራይላን።
ምስ ቅትለት እታ መንእሰይ ብዝተኣሳሰር ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ፍርዲ ኣይረኸበን። ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።
እቲ ብዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ብራዚል ዝተሸፈነ መሬት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ክሳብ 2023 ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ናብ 220 ሽሕ ሄክታር በጺሑ'ሎ፤ እዚ ድማ ካብ ለንደን ዝሰፍሐ'ዩ።
ኣብዚ ከባቢ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ይሰርሓ? ክንደይ ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ከምዘለዉ ዝፈልጥ የለን። መንግስቲ ብራዚል ካብ 80 ሽሕ ክሳብ 800 ሽሕ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዕደናታት ንምዕጻውን ነጋዶ ነቲ ዘፍርይዎ ወርቂ ከይገዝእዎን ስጉምትታት ወሲዱ እኳ እንተነበረ፡ ልዑል ዋጋ ወርቂ ግን ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዕድሎም ንኽፍትኑ ይድርኾም ኣሎ።
ዳያነ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓደጋታትን ኣብ ኣካላታ ዝሓድጎ ዘሎ በሰላታትን፡ ስራሕ ከተቋርጽ ትደሊ። እንተኾነ ግን ነቲ 'ናይ መወዳእታ መገሻይ'ዩ' ኢላ ተስፋ ዝገበረትሉ ጉዕዞ መደብ ገይራ ትጽበ ኣላ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ወርሒ እኹል ኣታዊ ምስረኸበት ናብ ዓዳ ተመሊሳ ቤት ቁርሲ ክትከፍት'ዩ ሓሳባ። እንተኾነ ክትዕወት ከም ዘይትኽእል ኣቐዲማ ትግንዘቦ ነገር'ዩ።
ንብሕታ ኣብ እትኾነሉ እዋን፡ ኣብቲ ጫካ እንዳተጉዓዘት ብዛዕባ ደቃ'ያ እትጭነቕ።
"ዝሓሸ ነገር ክሳዕ ዝረክብ ክጽዕር'የ። ምኽንያቱ ሓደ መዓልቲ ደቀይ 'ኣዴና ንዓና ክትብል ተስፋ እንከይቆረጸት ብዙሕ ነገር ኣሕሊፋ' ኢሎም ክዛረቡ ስለዝደሊ" ኢላ።