እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ሽም ዝጥቀመሉ ‘ኔትዎርክ ዋይፋይ’ ዝተኣስረ ተመሃራይ
ኣብ ሞስኮ ሓደ ተመሃራይ ሽም እቲ ዝጥቀመሉ ኔትዎርክ ዋይፋይ ንዩክረይን ብዝድግፍ መሪሕ ቃል ብምግባሩ ንዓሰርተ መዓልቲታት ክእሰር ተፈሪዱ።
እቲ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ስቴት ሞስኮ፡ ነቲ ዋይፋይ "ስላቫ ዩክረይን" ማለት እውን "ዓወት ንዩክረይን!" ዝብል መፀውዒ እዩ ሂብዎ።
ቤት ፍርዲ ሞስኮ፡ ብሓሙስ እቲ ተመሃራይ "ምልክታት ኣኽረርቲ ጉጅለታት" ብምርኣይ ገበነኛ እዩ ኢሉዎ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ እትፍጽም ኣትሒዙ፡ ነቲ ወራር ብምንቃፍ ወይ ንዩክረይን ብምድጋፍ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብማእሰርቲ ወይ ብኻልእ መገዲ ክቕጽዑ ተገይሩ'ዩ።
እቲ ተምሃራይ ብረቡዕ ንግሆ ሓደ ኣባል ፖሊስ ስያመ ናይቲ ‘ዋይፋይ ኔትወርክ’ ንሰበስልጣን ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ መርመርቲ ኣብ ውሽጢ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ መንበሪ ክፍሊ እቲ ተመሃራይ ተፍትሽ ብምክያድ፡ ውልቃዊ ኮምፒዩተርን ዋይፋይ ራውተርን [መጥቀሚ ዋይፋይ] ወሲዶም።
ቤት ፍርዲ፡ እቲ ተመሃራይ ነቲ ‘ስላቫ ዩክረይን!’ ዝብል መሪሕ ቃል ናብ ብዙሓት ተጠቀምቲ እቲ ዋይፋይ ክበጽሕ ገይሩ'ዩ ክብል ይኸስስ።
"ስላቫ ዩክረይን" መለዓዓሊ ቃል ደገፍቲ ዩክረይን ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ብ24 ለካቲት 2022 ሩስያ ዝጀመረቶ ወራር ብቐጻሊ ይስማዕ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ንመንግስቲ ዩክሬይን ስርዓት "ኒዮ-ናዚ" ዝብል መሰረት ኣልቦ መግለፂታት ዝሃበ ዀይኑ፡ እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝፈፀሞ ወራር ንምምኽናይ ተጠቒሙሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንዝኽሪ ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተ መራሒ ቓዋሚ ሰልፊ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዕምባባታት ኣንቢሮም ጥራይ ብምባሎም ኣማኢት ሰባት ተኣሲሮም ነይሮም።
ካልእ ተሪፉ፡ ነቲ ወራር ሩስያ፡ "ኲናት" ክበሃል እኳ ኣይፍቀድን - "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ዝብል ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዝሓለፈ ዓመት እቲ "ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ" ዝበሎ ድንጋገ፡ ነቲ ኲናት ዝቃወሙ ሰባት ኣፎም ንክሕዙ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ'ዩ ዝብሎ ሕጊ፡ ልዕሊ 21 ሽሕ "ጸረ-ኲናት" ዝዀኑ ሰባት ዒላማ ኰይኖም'ዮም ይብል።