እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩን መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞምን ኣፍሪቃዊ ትካል ጥርዓን ኣቕሪቡ
ኣህጉራዊ ትካል ፋይናንስ - ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብታ ኣህጉር ንዝካየዱ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዝድግፍ ባንኪ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺኡ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ካብ ሕጊ ወጻእ” ተኣሲሮም ኣካላዊ መጥቃዕቲ በጺሕዎም ኢሉ።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ብዘይ ወግዓዊ መብርሂ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ኣካላዊ መጥቃዕቲ በጺሕዎምን ንሰዓታት ተኣሲሮምን" ክብል ኣረዲኡ’ሎ ኣብ መግለጺኡ።
እቶም ሰራሕተኛታት ብ20 ጥቅምቲ 2016 ኣ.ግ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኮይኖም እቲ ጉዳይ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ምሕባሩ ግን ብቕልጡፍ ከምዝተፈትሑ ገሊጹ።
እቶም ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ድሕሪ ምፍትሖም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ፍጻመ ብዝርዝር ክምርምሮ ቃል ከምዝኣተወ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ’ሎ።
"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ምስ ፈለጠ ስጉምቲ ብምውሳድ እቶም ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ብምእዛዙን እቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ክምርመር ምዃኑ ቃል ብምእታዉን ሕጉሳት ኢና" ይብል።
እቲ ባንኪ ብዛዕባ መንነት፣ ሓላፍነት ስራሕን ኩነታት እቲ ፍጻመን ኣብቲ ዝዘርግሖ መግለጺ ዝበሎ ነገር የለን።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ነቲ ፍጻመ ምግሃስ ዲፕሎማስያዊ መሰላት ክብል ብምግላጽ ነቲ ማእሰርቲ ብዝምልከት ናብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጥርዓን ብወግዒ ተቐቢሉ ቅንዕናን ተሓታትነትን ብዝተመልኦ ኣገባብ "ኣብ ልዕሊ’ቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ዕምቆት ዘለዎም ምፅራይ ብምግባር ናብ ቅድሚ ሕጊ ከም ዝቐርቡ ኣረጋጊጹለይ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ባንኪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ወይ ንስራሕ ናብታ ሃገር ዝኸዱ ሰራሕተኛታቱ፡ ብመሰረት ውዕል ቪየናን እቲ ባንኪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበፅሖ ስምምዕን ምሉእ መሰሎምን ዲፕሎማስያዊ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎምን ከምዝሕሎ ካብ መንግስቲ መረጋገፂ ተዋሂብዎ’ሎ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ፅቡቕ ርክብ ዓቢ ዋጋ ከምዝህቦ ብምግላጽ ነቲ ፍፃመ ድማ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
እቲ ባንኪ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2016 ኣ.ግ ኣብ ኢትዮጵያ ቀረብ ጸዓት ንምምሕያሽ 100 ሚልዮን ዶላር በጀት ከምዘጽደቐ ዝዝከር እዩ።