እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብሞባይል ባንኪን ዝተታለለት መንእሰይ ህይወታ ኣጥፊኣ
ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ኣብ ሓደ መሸጢ ሞባይል ተቖጺራ እትሰርሕ ዝነበረት ጓል 21 ዓመት መንእሰይ፡ ብሞባይል ባንኪንግ ድሕሪ ምትላላ ህይወታ ኣጥፊኣ።
እታ መቅደስ መኮነን ዝተባህለት መንእሰይ፡ ኣርባዕተ ሞባይል ስልኪ ብ69 ሽሕ ብር ክትሸይጥ ምስተሰማምዐት እቶም ዓደግቲ መሲሎም ዝቐረብዋ ክልተ ውልቀሰባት ክፍሊት ብሞባይል ባንኪንግ ከምዝፈጸሙ ዘርእይ ናይ ሓሶት ሓፂር መልእኽቲ ብምርኣይ ከም ዘታለልዋ ፖሊስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ሚድያ ዝኾነ ምክትል ኮማንደር ታጁ ነጋሽ፡ እቲ ገበን ነቲ ሕጋዊ ብሞባይል ዝፍፀም ኣገባብ ምትሕልላፍ ገንዘብ ብምምሳል ከምዝተፈጸመ ኣብሪሁ።
"እቶም ክልተ ውልቀሰባት ነቲ ገንዘብ ዘሰጋግሩሉ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ ሓቲቶም ምስ ነገረቶም፡ ነቲ ገንዘብ ናብ ካልእ ቁጽሪ ሕሳብ ብምስግጋር እቲ ክፍሊት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ መልእኽቲ ባንክ ኣርእዮም እዮም ኣታሊሎምዋ” ኢሉ።
እታ ውልቀሰብ ናይ ባንክ መልእኽቲ እትቕበለላ ሞባይላ ምስኣ ብዘይምንባራ እቶም ዓደግቲ ነቲ ክፍሊት ከምዝፈጸሙ ብምእማን እያ ኣርባዕተ ሞባይላት ሂባቶም።
ፀኒሓ እቲ ገንዘብ ከምዝኣተወ ንምርግጋፅ ናብ ባንኪ ምስከደት ናብቲ ዝተጠቐሰ ኣካውንት ዝተፈጸመ ክፍሊት ከምዘየለ ምስተነገራ በቶም ሰባት ከምዝተታለለት ክትግንዘብ ምኽኣላ ምክትል ኮማንደር ታጁ ነጋሽ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት “ኣብቲ ተቐጺራ ትሰርሓሉ ድኳን እምነት ከም ዘጉደለት ኮይኑ ስለ እተሰምዓ ካብ ጭንቂ ብዝብገስ ነብሰ ቕትለት ንምፍፃም መድሓኒት ከምዝሰተየት” ፖሊስ ይሕብር።
ሽዑ ነቲ ተግባር ምስፈጸመት ኣባላት ስድራኣን ጎረባብታን ንሕክምና ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል እንተወሰድዋ’ውን ዝበጽሓ ጉድኣት ከቢድ ብምንባሩ ብህይወት ክትተርፍ ኣይከኣለትን።
ፖሊስ ነቶም ክልተ ጥርጡራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘየእተዎምን ንምሓዞም ጽዑቕ ምክትታል ይግበር ከምዘሎን እቲ ኮማንደር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ሞባይል ባንኪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ዓማዊል ብምትላል ዝፍጸሙ ገበናዊ ተግባራት እውን እናወሰኹ ከምዝመጽኡ ፖሊስ ገሊጹ’ሎ።
ፖሊስ ከምዝሕብሮ፡ ሰባት ብሞባይል ባንኪንግ ካብ ዝታለሉሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ነቲ ቴክኖሎጂ ከመይ ከም ዝጥቀሙሉ ብግቡእ ስለዘይፈልጡ እዩ።
ተጠቀምቲ ገንዘብ ክሰጋገረሎም እንከሎ እቲ መጠን ገንዘብ ከምዝበፅሖም ብናቶም መንገዲ ከረጋግጹ ከምዘለዎም ምኽትል ኮማንደር ታጁ ምዒዱ።