ምንቅጥቃጥ መሬት ቱርኪ፡ ካብ ክልተ ከባቢታት ወጻእ ስራሕቲ ህይወት ምድሓን ደው ኢሉ

ቱርኪ፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣጋጢሙ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቐተለ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምፍርስራስ ዝተደብዩ ሰባት ንምርካብ ክተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕሪታት ምድሓን ህይወት ካብ ክልተ ግዝኣታት ወጻእ ደው ከም ዘበለቶ ትካል ምክልኻል ሓደጋ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ግዝኣታት ካህራማንማራስን ሃታይን ግን ኣለሻ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ።

ብካልእ ዜና ኣብ ቱርኪ በጺሑ ዘሎ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምእትህብ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ማእከል እቲ 6 ለካቲት ዘጋጠመ 7̇.8 ሬክተር ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ካህራማንማራስ እዩ ነይሩ።

ዛጊድ ኣብ ደቡብ ምብራቓዊ ቱርክን ሰሜናዊ ሶርያን ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ቱርኪ 345 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ዝዓነዉ ኰይኖም፡ ዛጊድ ሃለዋቶም ዘይተፈለጡ ብዙሓት ሰባት ብምህላዎም፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።

ሶርያን ቱርክን ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ ኣይገለጻን።

ሓላፊ ትካል ምክልኻል ሓደጋ ቱርኪ የኑስ ሰዘር “ኣብ ብዙሓት ግዝኣታትና፡ ኣለሻን ጻዕርታት ህይወት ምድሓንን ተዛዚሞም ኣለዉ” ኢሉ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ኣብ 40 ህንጻታት ኣለሻ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ክሳብ ትማሊ ምሸት ኣጋግዘ ግን እቲ ቁጽሪ ክቕንስ ትጽቢት ከም ዝግበር ተዛሪቡ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ 13 መዓልቲ፡ ብዓርቢ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ብውሑድ 3 ሰባት ካብ ፍርስራስ ኣውጺኦም እዮም።

ኣንቶኒ ብሊንከን ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኣብ ቱርኪ ንምብጻሕ ውጥን ዝነበሮ ኰይኑ፡ ኣብ ጎኒ እታ ሃገር ደው ከም ዝብሉ ንምርኣይ ኣብዚ እዋን ተጓዒዙ ኣሎ።

እቲ በዓል መዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋን እዩ ኣብ ቱርኪ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ቀልጢፉ ከም ዝለኣኽ ዝገለጸ ብሊንከን፡ ናብ ሶርያ ግን ሓገዝ ምልኣኽ “ኣዝዩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ” ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶሃን ሰኑይ ዝራኸበ ኰይኑ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ከይኰና ቱርኪ ዘቕረበቶ ተቓውሞ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣልዒሎም ክመይየጡ እዮም።