ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት ካብ ፍርስራስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብህይወት ዝተረኽባ ኣንስቲ

ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ህጻናትን ብህይወት ተረኺቦም።

ኣብ ቱርኪ ከተማ ካህራማንማራስ፡ ጓል 42 ዓመት መሊከ ኢማሞግሉን ጓል 74 ዓመት ሴሚለ ከክን ብህይወት ዘድሓና ኣንሽቲ ኰይነን፡ ካብቲ ሓደጋ ዝበጽሖ ቦታ ተጎቲተን ወጺአን።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ኣቓልቦኦም ናብ ምጽራይ በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነዋ ከተማታት ኣብ ዘቕንዑሉ ዘለዉ እዋን እየን ተረኺበን።

ኣብ ሶርያን ቱርኪን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ይነብሩን ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮምን ኣሎ።

ከንቲባ ከተማ ዳሪካ ሙዛፈር ቢይክ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርገሖ ቪድዮ ናይቲ ምድሓን ህይወት፡ ወይዘሮ ኬከክ ኣብ ኣምቡላንስ ኣብ እትኣትወሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ብዕልልታን ጣቒዕትን ተቐቢሎም ክሓቑፉዋ ዘርኢ እዩ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ነታ ጓል 42 ዓመት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነት ወ/ሮ ኢማሞግሉ ምስ ረኸብዋ፡ "ኣዝያ ትገርም" ክብሉ ከም ዝገልጽዋ ሓቢረን።

ኣብ ኣንታክያ - ካልእ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝያ ዝተሃስየት ከተማ ቱርኪ - ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ሓንቲ ኣደን ክልተ ደቃን ካብቲ ፍርስራስ ብህይወት ከም ዝተረፋ ጸብጺበን።

እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ዓሰርተ መዓልቲ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝደሓኑ ሰባት ምርካብ እናኸበደ ይመጽእ ኣሎ።

ሕጂ ድምር ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 41 ሽሕ ሓሊፉ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ ቱርኪ ዝኣተዉ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንብረቶም ክሽክፉን ናብ ዓዶም ክምለሱን ክጅምሩ እንከለዉ፡ ደቂ ዓዲ ድማ ትኹረቶም ናብ ምጽራይ ፍርስራስ ኰይኑ ኣሎ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሕጂ ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ ክጅምሩ ኣለዎም።

መንግስቲ ቱርኪ፡ ሰብ መዚ እቲ ኩነታት ውሑስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጾም፡ እንተተኻኢሉ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣተባቢዑ።

ብዙሓት ግን ገዝኦም ስኢኖም ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብታ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብህይወት ዝደሓናላ ካህራማንማራስ፡ ልዕሊ 1000 ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ስታድዩም ተኣኪቦም ይርከቡ።

ኣብ ሶርያ፡ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት፡ ብሰንኪ እቲ ነታ ሃገር ዝኸፋፈለ ኲናት ሓድሕድ ተዓንቂፉ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጉዳያት ንመዓልታት ንሶርያ ሓገዝ ከምዘይገበረ ይገልጽ።

ብቱርኪ ኣቢሉ ካልኣይ መሳገሪ ዶብ ድሕሪ ምኽፋቱ ብርግጽ ሓገዝ’ኳ እንተበጽሐ፡ ረድኤት ዝህቡ ሰባት ፍርስራስ ንምእላይ ዘድሊ ከበድቲ ማሽነሪታት ከም ዘየቕረቡሎም ይዛረቡ።

"ከምዚ ዓይነት ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን። ኣብ ሓደ ቦታ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ማሕበረሰብ ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘይሓገዝሉ ኩነታት ተራእዩ ኣይፈልጥን" ይብል፡ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት ንሓይሊ ምድሓን ዋይት ሄልሜትስ ዝመርሕ ዘሎ ራእድ ሳልሕ።