ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሕጂ'ውን ይወዳደር

ፕረዚደንት ኦቢያንግ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ኣብ ዓለም፡ ንዝበዝሐ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣብ ዘኽእሎ መረጻ ተሳቲፉ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምስታፍ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ተመዝጊቡ ነይሩ።

ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ቴዎዶር ኦቢያንግ ንጉዌማ ምባሶንግ፡ ነታ ሃገር ን43 ዓመታት እኳ እንተመርሓ፡ ሕጂ’ውን ስልጣኑ ንምሕዳግ ድልየት ኣየርኣየን።

ስርዓት እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ በደል ምፍጻምን ኣሰሮም ምጥፋእን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰስ።

ኣብቲ መረጻ፡ ገለ ሕጹያት ተቓወምቲ ሰልፊታት ዝሳተፉ እንተዀኑ’ውን፡ ክዕወቱ’ዮም ዝብል ትጽቢት ግን የለን።

ኢኳቶሪያል ጊኒ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ሃገር ኰይና፡ ኣገደስቲ መንግስታዊ ሓላፍነታት ብስድራ እቲ ፕረዚደንት ዝተትሓዙ ብምዃኖም፡ ኣብታ ሃገር ጽኑዕ ልዕልነት ክሃንጽ ክኢሉ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣከዳድናኡ ብምጽብባቕ’ውን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣዝዩ ዝተደላደለ ህይወት እዩ ዝመርሕ።

ሰብ መዚ ብሪጣንያ፡ ልዑል ዋጋ ከም ዘውጽእ ዝንገረሉ ብክቡራት መዓድናት ዝማዕረገ ጓንቲ ማይክል ጃክሰን ከም ዝዓደገ ይዛረቡ።

ነቲ መረጻ ኣመልኪታ ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዝሃበት ፕሮፌሰር ኣና ሎሺያ ሳ፡ “እቲ መረጻ ናይ ይምሰል’ዩ” ኢላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዝበን፡ ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ኣፍሪቃን ስርዓታት ምልኪን መጽናዕቲ እተካይድ ፕሮፌሰር ኣና፡ ዝልወጥ ነገር ኣይህሉን እዩ። ኦቢያንግ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ከም ዝምረጽ ፍሉጥ’ዩ” ኢላ ነይራ።

ኣብታ ሃገር፡ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ምግባር ፍቑድ ኣይኰነን። ናጻ ፕረስ ዝበሃል ኣይፍለጥን፤ ኵሎም ማዕከናት መራኸቢ ብመንግስቲ ወይ ብደገፍቲ መንግስቲ ዝውነኑ እዮም።

ፕረዚደንት ኦቢያንግ፡ ብ1979 [ኣ. ኣ] ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ገለ ለውጥታት እኳ እንተገበረ፡ ሃብቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእቲዩዎ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብርክት ዝበሉ ዕልዋታት ተፈቲኖም’ዮም።

ሕጊ መረጻ እታ ሃገር፡ “ኦቢያንግ ፈጺሙ ንኸይስዓር ንምግባር ተባሂሉ ዝተቐረጸ’ዩ” ክትብል ፕሮፌሰር ኣና ትዛረብ።

ኣብቲ ብ2002 ዝተኻየደ መረጻ፡ ተቓወምቲ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ምትላልን ተፈጺሙ’ዩ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ካብቲ መረጻ ከግልሉ እንከለው፡ እቲ ፕረዚደንት 97 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ከም ዝተዓወተ ተኣዊጁ።

ብ2009 ከምኡ’ውን ብ2016 ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ብምርካብ ተዓዊቱ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ኦቢያንግ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝሰገረ ብብልሽውና’ውን ይኽሰስ’ዩ።

ወዱ ቴዎዶር፡ ሃብቲ ህዝቢ ንውልቃዊ መነባብሮኡ ብምጥቃም ብዝብል ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ፍርዲ ተዋሂቡዎ ነይሩ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሃብቱ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ።

ንሶም ግን፡ እቲ ዝቐርበሎም ክስታት ይነጽጕዎ።

ኣብ ብሪጣንያ፡ እገዳ ሕጊ ጸረ ብልሽውና ዝተነብረሉ ምኽትል ፕረዚደንት ዝዀኑ ወዱ፡ ስልጣን ኣቦኡ ክወርስ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።