ተጋሩ ስደተኛታት ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ጉድኣት ኣብፂሑ?

ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓያሎ ስደተኛታት ብዘይ መፅለሊ ከም ዝተረፉ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ኩሉ ዝነበሮም ንብረት ከም ዝሰኣኑ ምክትል ኣማሓዳርን ማሕበራዊ ጉዳይን መዓስከር ኡምራኩባ መምህር ኣሉላ ገብረጀወርግስ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣብቲ መዓስከር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመ ዝዝከር ኰይኑ፡ 01 ታሕሳስ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብዝተኸሰተ ባርዕ 67 መጽለሊ ብምዕናዉ 175 ስደተኛታት ብዘይመፅለሊ ተሪፎም ነይሮም።

እቲ ብሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ፍሉይ መፀውዒኡ ‘ዞን ሰለስተ’ ኣብ ዝብሃል ክፋል እቲ መዓስከር ዘጋጠመ ሓዊ ድማ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ከምዝተኸሰተ መምህር ኣሉላ ተዛሪቡ።

“ኣብ ልዕሊ ህይወት ዝበፅሐ ጉድኣት የለን። ንብረት ብዝምልከት ግን ክዳውንቱ ኮነ ዶክመንቱ ከውፅእ ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ሰብ የለን” ኢሉ።

በቲ ባርዕ 51 ካብ ቴንዳን ዕንፀይትን ዝተሰርሑ ዳሳት ምሉእ ብምሉእ ዝዓነዉ ኮይኖም፤ ኣብቶም ጊዚያዊ መዕቖቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ 130 ሰባት ብዘይ መፅለሊ ተሪፎም ኣለዉ።

ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ዝበፅሕዎ ቪድዮታት እውን እቶም ብጊዚያውነት ዝተሃነፁ መንበሪ ስደተኛታት ብሓዊ ዓንዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ንብረትን ኣእካልን ናብ ሃሙኹሽቲ ተቐይሩ የርእዩ።

መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ ዛጊድ ብንፁር ከምዘይፍለጥን ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብን ዝሓበረ ምክትል ኣማሓዳርን ማሕበራዊ ጉዳይን መዓስከር ኡምራኩባ መምህር ኣሉላ፡ ኣቀማምጣ ናይቶም መፅለሊ ግን ከም ምኽንያት ተቓላዕነት ኣቐሚጡ።

“ንነብረሉ ዘለና ገዛውቲ ምችው ኣይኮነን። ንሓድሕዱ ዝተለጋገበ እዩ። ካብ ሓደ ገዛ እዩ እቲ ሓዊ ተበጊሱ” ክብል ኣረዲኡ።

ነበርቲ እቶም ብቴንዳን ዕንፀይትን ዝተሃነፁ ጊዚያዊ መፅለሊ፡ ንመስርሒ ዳሳት ክብሉ ኣርዮም ዘምፅእዎም ሳዕርን ገረብን ምስቲ መግቢ ንምብሳል ኮነ ንኻልእ ኣገልግሎት ዝነድድ ሓዊ ተደሚሮም ብተደጋጋሚ ንዘጋጥም ባርዕ መንቀሊ ይኾኑ ከምዘለዉ ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብ መዓስከር ኦምራኩባ ዝርከቡ ዝበሎም ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ብሰንኪ’ቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ ክብል ተዛሪቡ።

ፀብፃብ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር - ከምዘመልክቶ ብ28 ለካቲት 2022 ዝተመዝገበ ቁፅሪ ነበርቲ እቲ መዓስከር 19,189 ነይሩ።

ድሕሪ ባርዕ ዘሎ ኩነታት?

ብድሕሪ እቲ ሓደጋ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኩነታት ከምዝተዓዘበን ጊዚያዊ መፅለሊ ቴንዳታት ከምዝተኸለን መምህር ኣሉላ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ዩ.ኤን. ኤች.ሲ.ኣር ስደተኛታት ንግዚኡ ናብ ዝተዳለወ ቦታ እናመፅኡ ክምገቡ ይገበር ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ግን ቀዋሚ ዝኾነ መንበሪ ገዛ፣ ንብረትን ካልእ ነገርን ኣይተውሃቦምን። እተን ዝነደዳ ገዛውቲ ኣፅንዕወን ኢሎምና ቆፂርና ነጊርናዮም” ይብል።

ስደተኛታት ድሕሪ’ቲ ባርዕ ብግዚያውነት ኣብ ዝተተኸሉ ቴንዳታት ይሓድሩ’ኳ እንተሃለዉ፡ ዛጊድ ግን ዝድቅሱሎም ፍርናሻት ኮነ ዝኽደንዎም ኣልባሳት ከምዘይተወሃቦም ወሲኹ ገሊፁ።

“ዝነደዱ ገዛውቲ ዝነበሩሉ ቦታ ተጸሪጉ ኣብ ዝተዳለወ ዳስ እዮም ክምለሱ ተጌሩ ዘሎ። [ኣብ ዘይነደደ ክፋል እቲ መዓስከር] ቤተሰብ ዘለዎም ናብኦም ከይዶም ተፀጊዖም ኣለዉ። ዝተረፉ ግን ኣብቲ ዝተዳለወ ዳስ ይሓድሩ ኣለዉ” ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት ኣረዲኡ።

ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት እውን ነቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ዳህሲሶምዎ ከምዝኸዱ ተፈሊጡ’ሎ።