እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሞት ብምቕጻዕ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ኣየኖት እየን?
ኣብ ዓለም፡ ዝተፈላለየ ገበናት ፈጺሞም ፍርዲ ሞት ዝወሃቦም ሰባት ብዙሓት ከም ዝዀኑ ዝግመት እኳ እንተዀነ፡ ተግባራውነቱ ግን ሃገራት ብዘለወን ንኣፈጻጽማ እቲ ብይን ዝምልከት ዝተፈላለየ ድንጋገታን መስርሑን፡ ብኡ መንጽር ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣይፍጸምን፡ ኣብ ገሊኡ ይደናጐ፣ ምሕረት ይወሃብ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ገበነኛ ብሕልፈት ዝቕጽዓሉ ኵነታት ይርአ እዩ።
ምስኡ ተተሓሒዙ፡ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ሞት ዝተዋህቦ ገበነኛ ብኸመይ መቕጻዕቱ ይቕበል ዝብል ዛዕባ'ውን ምስ ኵነታትን ሕጋጋትን እተን ሃገራት ዝርአ እዩ። እዚ ይዅን ግን፡ ገበነኛታት ብዘይምሕረት ብቕጽበትን ብብዝሒን ዝቐጽዓ ሃገራት ኣለዋ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነዚ ኣመልኪቱ፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሒዙ ዓመታዊ ዝህቦ ጸብጻብ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ኢራንን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዓመተ 2023 ገበነኛታት ንዝተባህሉ ሰባት ብሞት ብምቕጻዕ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስርዓ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።
ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ተግባራዊ ዝገብራኦ መቕጻዕቲ ሞት ኣዝዩ ብምውሳኹ፡ ኣብ 2023 ዝተመዝገቡ ኣሃዛት ካብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ዝለዓለ ከም ዝዀነ ኣምነስቲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ 16 ሃገራት 1153 ሰባት ብሞት ተቐጺዖም።
ካብዚኦም እቶም 74 ሚእታዊት ኣብ ኢራን፡ እቶም 15 ሚእታዊት ድማ ኣብ ስዑድ ዓረብ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ካብታ በብዓመቱ ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ብሞት እትቐጽዕ ቻይና ሓበሬታ ምርካብ ስለ ዘይተኻእለ፡ እታ ሃገር ኣብዚ ሪፖርት ኣይሰፈረትን።
ኣምነስቲ፡ “ብሰንኪ ሃገራዊ ምስጢር፡ ናይታ በብዓመቱ ብሞት ትቐጽዕ ሃገር ብኣሽሓት ዝግመት ሞት ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ክሰፍር ኣይተኽኣለን” ይብል።
ብዘይካ ቻይና፡ ውሑዳት ንዘይበሃሉ ሰባት ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሰሜን ኮርያን ቬትናምን እውን፡ ሓበሬታ ምእካብ ኣይተኻእለን።
ከም ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኢራን ምስ ሓሽሽ ብዝዛመድ ገበናት፡ እንተወሓደ 853 ሰባት ብሞት ቀጺዓ እያ።
ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ “ሰብመዚ ኢራን፡ ንህይወት ሰብ ክንድ ፍረ ዝኣክል ሻቕሎት እንከየርኣዩ ብገበን መዐወኒ ሓሽሽ መቕጻዕቲ ሞት ተግባራዊ ገይሮም” ኢሉ።
ብኣንጻሩ ፓኪስታን፡ ምስ ሓሽሽ ብዝዛመድ ገበነኛታት ዝተበሃሉ ሰባት ፍርዲ ሞት ከይብየኖም ምምሕያሽ ሕጊ ገይራ።
ማሌዥያ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ መቕጻዕቲ ሞት ተግባራዊ ከይከውን ኣዚዛ።
ኣብ 2022 መቕጻዕቲ ሞት ተግባራዊ ኣብ ዝገበራ ሃገራት ቤላሩስ፡ ጃፓን፡ ሚያንማርን ደቡብ ሱዳንን ኣብ 2023 ግን ተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ኣይተፈጸመን።
ኣምነስቲ፡ ስልጡናት ካብ ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ፡ መቕጻዕቲ ሞት ተፈጻሚ ኣብ ዝዀነላ ኣሜሪካ ዘሎ ኣሃዝ እውን ተዓዚቡ እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ 24 ሰባት ብሞት ተቐጺዖም። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ብሞት ዝተቐጽዑ ኣሜሪካውያን 18 ነይሮም።