ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ኣብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ቓዛ ተቐቲሉ

ብናይ እስራኤል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ዝተቐትለ ካሜራማን ኣልጀዚራ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተፈጺሙ።

ሳመር ኣቡዳቃ፡ ብዓርቢ ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ መሳርሕቱ ዋኤል ኣል-ዳህዱህ ቆሲሉ።

ኣልጀዚራ፡ እተ ኸቢድ ደብዳብ ሓገዝቲ ሓካይም ናብኡ ከይበጽሑ ስለዝዓገቶም፡ ኣቡዳቃ ደም ወዲኡ ከምዝሞተ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ቀጠር ዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከምዝወሰዶ ገሊጹ።

ኣልጀዚራ ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ብትዊተር ዝፍለጥ ዝነበረት ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንሞት ኣቡዳቃ "ቅትለት" ክብል እዩ ፀዊዕዎ።

ናብ’ቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘእተዎ ሕጋዊ ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝሰርሑ ካልኦት ሰራሕተኛታቱ ዝተፈፀመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዘጠቓልል ገሊጹ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ 1996 ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ኣቡዳቃ ኣብ ስራሕ ዝሞተ መበል 13 ጋዜጠኛ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቀዲሙ ብእስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ሓያሎ ኣባላት ስድራቤቱ ዝሰኣነ ዳህዱህ ካብቲ መጥቃዕቲ ድሒኑ።

ዳህዱህ ኣብ ቀብሪ ናይዚ መሳርሕቱ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣብቓዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ብሞያዊ ብቕዓትን ቅንዕናን ግቡእና ክንፍጽም ኢና" ኢሉ።

ዋላ'ኳ መጥቃዕቲ እስራኤል እንተበዝሐ፡ ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንዓለም "ሰብኣውን ክቡርን መልእኽቲ" ተሰኪሞም ይኸዱ ከምዘለዉን ስርሖም ከምዝቕጸሉን ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ ዳህዱህ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽሙ ብሽራፕነል ተሃሪሙ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ናስር ብእግሩ ክኸይድ ክኢሉ።

ኣልጀዚራ፡ እቲ ካሜራማን "ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ደምዩ ከምዝሞተ" ብምግላጽ፡ እስራኤል ንጋዜጠኛታታን ስድራቤቶምን ዒላማ ብምግባራ ተሓታቲት ከምዝገበረት ገሊጻ።

ኣቡዳቃ ኣብ ሰነ 2004 ናብ ኣልጀዚራ ዝተጸንበረ ኮይኑ፡ ከም ካሜራማንን ኤዲተርን ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

እቲ ኣቦ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን፡ ኣብ ከተማ ኣባሳን ኣል-ካቢራ ኣብ ጥቓ ካን ዩኒስ ይነብር ነይሩ።

ኣካያዲ ኣሰናዳኢ ኣልጀዚራ መሓመድ ሞዋድ፡ ኣቡዳቃ "ንፉዕ ሞያዊ ግን ከኣ ሓይሊ ስእላዊ ዛንታ ምዝንታው ዝርዳእ" ክብል ገሊጽዎ።

"ንሓቅን ዛንታን ዘለዎ ነቕ ዘይብል ተወፋይነት ኣብ ጋንታና ዘይርሳዕ ኣሰር ገዲፉ ሓሊፉ'ዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ተዛሪቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ግጭት እስራኤልን ቃዛን ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 64 ጋዜጠኛታት - መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን - ተቐቲሎም።

ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዜና ዝሰርሑ ሓያሎ ኣማኢት ጋዜጠኛታት ዝውክል ማሕበር ፕረስ ወፃኢ (ኤፍፒኤ) ኣብ ግጭት እስራኤልን-ቃዛን ዝተቐትለ ናይ መጀመርታ ኣባሉ ምዃኑ ብምግላጽ ብሞት እቲ ካሜራማን ከምዘሕዘነ ገሊፁ።