እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ትግራይ፡ 65 ሚእታዊት ግንባራት ለቒቘም
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቕውራጽ ተጻብኦታትን፡ ትግባረ ስምምዕን መሰረት ብምግባር፡ ሓይልታት ትግራይ ግብራዊ ስጕምቲታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ 65 ሚእታዊት ካብ ሓይልታቶም ነቲ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ቀንዲ ግንባራት ከም ዝለቐቝ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 3 ታሕሳስ ብመገዲ ተሌቪዥን እቲ ክልል ገሊጹ።
እቲ ብዝሑ ዘይተገለጸ ሰራዊት ካብቲ ዝጸንሖ ግንባራት ደቡብ፡ ማይቅነጣል፡ ዛላምበሳ፡ ነበለት፡ ጨርጨር፡ ኩኩፍቶ፡ ሕጉምብርዳ፡ በሪ ተኽላይን ኣበርገለን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ክወጽእ ከም ዝጀመረ፡ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቐዲመን ገሊጸን ምንባረን’ውን ኣይርሳዕን።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንዘላቒ ሰላም ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣብ ዩትዩብ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ'ውን፡ ሰራዊት ህወሓት ብመሰረት ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ከበደቲ ብረታታቶም ከረክቡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ክዋግኡ ከም ዝጸንሑን፡ ብሰንኩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከም ዝሞቱን ግዳያት ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝዀኑን ይፍለጥ።
ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ሓይልታት ናብ ዝተመደበሎም ቦታ ይግዕዙ ከም ዘለው ሓቢሩ።
እንተዀነ ግን፡ ብመሰረት መግለጺ ጀነራል ታደሰ፡ ብሰንኪ ‘ሰላም ዘይደልዩ ሓይልታት’ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣታት፡ ብምሉኦም ሓይልታት ትግራይ ከምዘይለቍ ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ስግኣት ድማ ንሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ዘመልክት ምዃኑ ይፍለጥ።
በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ እዞም ሓይልታት ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኦም፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቈም ከምዘይፈትሑ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
እቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ወተሃደራት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን፡ ቅትለትን ግህሰት ሲቪላውያንን ቀጺሎም ከምዘለዉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ምግላጾም ይዝከር።