እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኖርወይ ዝወንጨፈታ ሮኬት ብኸመይ ንዩክለሳዊ ኲናት ክትውልዕ ተቓሪባ ነይራ?
ኖርወይ ብ25 ጥሪ 1995 'ኖርዘርን ላይትስ' (ኣሮራ) ንምጽናዕ ሮኬት ወንጪፋ። ሩስያ ግን ትኽ ኢሉ ናብ ሞስኮ ዘምርሐ ንዩክለሳዊ ሚሳይል ገይራ ብጌጋ ተረዲኣቶ።
ዓለም፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝኣክል ግዜ ኣብ ኣዕናዊ ኲናት ከይትወድቕ ሰግአት።
ሓደ ረቡዕ ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሩስያ ዝርከቡ ኦፕረይተራት ራዳር፡ ኣብ ስክሪናቶም ዘገርም ምልክት ተዓዘቡ። እታ ኣብ ኖርወይ ዝተወንጨፈት ሮኬት ብቕልጡፍ ትዓርግ ነበረት።
ናበይ ትኸይድ ነይራ፣ ሓደገኛ ድያኸ? ሰባት ዋላ ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ንዩክለሳዊ ወጥሪ ክለዓል ከም ዝኽእል ይኣምኑ ነይሮም።
ነቶም ሰማያት ዝከታተሉ፡ እቲ ዝርእዩዎ ዝነበሩ ነገር ሓቀኛ ሓደጋ ኰይኑ ተሰሚዑዎም። ሚሳይል ካብ ሳብማሪን ኣመሪካ እንተ ተተኲሱ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 15 ደቓይቕ ኣብ ሞስኮ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቲ መጠንቀቕታ፡ ብሰንሰለታዊ ትእዛዝ ናብ ፕረዚደንት ሩስያ ቦሪስ የልሲን ተላኢኹ።
የልሲን ንዩክለሳዊ ቦምባታት ንምውቃዕ ዘኽእል መስርሕ ከተግብር ዝተሓተ ቀዳማይ መራሒ ዓለም ኰይኑ። ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዘን፡ እተን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ሃገራት ተጻብኦ ዝዓግት ፖሊሲ ተኸቲለን እየን - ሓደ ኣካል ንዩክለሳዊ መጥቃዕቲ እንተ ፈጺሙ፡ እቲ ካልእ ወገን ብማዕረ ሓይሊ ምላሽ ክህብ ዝብል ሓሳብ ኣስፊረን።
ኣብታ ወጥሪ ዝመልኣ ህሞት፡ ቦሪስ የልሲንን ኣማኸርቱን ሕነ ክፈድዩ ድዮም ኣይክፈድዩን ቀልጢፎም ክውስኑ ነበሮም።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዘፍርሕ ዝነበረ ኵነታት ብዕንወት ኣይተዛዘመን። ዋላ'ኳ እቲ ወጥሪ እንተ ነበረ፡ መወዳእታ ግን ቀሊል ዜና ኰይኑ ሓለፈ።
ፖለቲከኛታት፡ ወተሃደራዊ መራሕትን ሪፖርተራትን ሓበሬታ ንምርካብ ንሓደ ሰዓት ኣብ ዝጓየይሉ ዝነበሩ እዋን፡ ዕዳጋታት ባጤራ ዓለም ሰንከልከል ኢሉ ነበረ።
ኣዳላዊ መደብ ቢቢሲ ኒውስናይት ጀረሚ ፓክስማን፡ "ቅድሚ [ካብዛ ዓለም] ምኻድና፡ ዋላ'ኳ ሓደ ማዕከን ዜና ሩስያ እንተ ጸብጸበ፡ ንዩክለሳዊ ኲናት ሎሚ ከም ዘይተጀመረ ከነስተብህል ይግባእ። ኣብ ሰዓት 13፡46፡ ትካል ኢንተርፋክስ ሞስኮ፡ ሩስያ ናብ ሃገራ ዝኣቱ ሚሳይል ከም ዘውደቐት ሓቢሩ። ሪፖርተራት፡ ኣርማጌዶን ብምስጋእ፡ ናብ ምኒስትሪ ምክልኻል ደዊሎም። ሓደ ኣፈኛ ብህድኣት፡ 'ዓባይ ብሪጣንያ ሚሳይል ናብ ሩስያ ከም ዘይተኰሰት ርግጸኛ እየ፡' ኢሉ። ወሃቢቓል ፔንታጎን ወሲኹ፡ 'እቲ ዘለና፡ ጸብጻባት [ናይ ሜድያ] ጥራይ እዩ፡' ክብል ሓቢሩ፡" ብምባል ጸብጺቡ።
ሰባት እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክፈልጡ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እቲ ምድንጋር ንተወሳኺ ሰዓት ቀጸለ። ሰዓት 14፡52 GMT እቶም ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ቅልውላው ዝፈልጡ ዳግማይ ከስተንፍሱ ክኢሎም። ኢንተርፋክስ ነቲ ዝፈነወቶ ሓበሬታ መአረምታ ገበረትሉ። ዋላ'ኳ ስርዓተ ምክልኻል ሩስያ ዝተወንጨፈ ሚሳይል እንተ ኣለለየ፡ እቲ ሮኬት ግን ኣብ መሬት ከም ዝዓለበ ሓበረት።
ድሒሩ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ምክልኻል ኖርወይ፡ እቲ ምውንጫፍ ሮኬት ንሰላማዊ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ምዃኑ ኣረጋገጸ። እታ ሮኬት ብዛዕባ ሰሜናዊ መብራህቲ (aurora borealis) ንምፍላጥ ዝዓለመት እያ ነይራ። ካብ ጠፈር ኣየር ሩስያ ርሒቓ ድማ ኣብ ጥቓ ስፒትዝበርገን ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ዓለበት።
እቲ ዜና ሓሶት ምዃኑ ምስ ተፈለጠ፡ ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰበስልጣን ሩስያ ንኢንተርፋክስ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ እቲ ምውንጫፍ ሮኬት ዓቕሚ ራዳራት ሩስያ ንምግምጋም ዝዓለመ ድዩ ነይሩ ኣይኰነን ንምፍላጥ ግዜ ከም ዘድሊ ተዛረቡ።
ሩስያ፡ ሓደ ማትያስ ራስት ዝተባህለ ወዲ ምዕራብ ጀርመን መንእሰይ ብ1987 ንእሽቶ ነፋሪት ኣብሪሩ ኣብ ኣፋፌት ክረምሊን ድሕሪ ምብጽሑ ብዛዕባ ምክልኻል ኣየራ ጥንቅቕቲ እያ ዝነበረት። ዋላ'ኳ ዝሑል ኲናት ኣብቂዑ እንተ ነበረ፡ ገለ ሰበስልጣን ሩስያ ግን ገና ብዛዕባ ስግኣታት ንዩክለስ ይሓስቡ ነበሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኣኼባ ዝነበረ ኖርወጃዊ ስነፍልጠተኛ ኮልብዮርን ኣዶልፍሰን፡ ነቲ ሓበሬታ ምስ ሰምዖ ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ ይዛረብ። ቅድሚ ሰሙን፡ ኖርወይ ብዛዕባ ውጥን እትውንጭፎ ንሞስኮ ሓቢራታ ነይራ።
ኣዶልፍሰን፡ ሩስያውያን ዝሃቡዎ ግብረመልሲ፡ ኣውሮራ ሮኬት ክሳዕ ኣስታት 908 ማይልስ ክትድይብ ናይ ፈለማ ከም ዝነበረ፣ ከምኡ'ውን ብ14 ታሕሳስ ናብ ኵለን ዝምልከተን ሃገራት መጠንቀቕታ ተላኢኹ'ኳ እንተ ነበረ፡ ናብቶም ቀንዲ ዝምልከቶም ኣካላት ግን ክበጽሕ ከም ዘይከኣለ ይገልጽ። እዚ ድማ ሓንቲ ዝሓለፈት መልእኽቲ ብኸመይ ሓደገኛ ሳዕቤን ከተምጽእ ከም እትኽእል ዘርኣየ ነይሩ።
ዘመን ንዩክለር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ናይ ሓደጋ ጻውዒታት ተራእዮም እዮም። ካብቲ ብ1962 ዘጓነፈ ቅልውላው ሚሳይል ኩባ ወጻኢ ብዙሓት ከም ዘጓነፉ ይፍለጥ። ኣብ 1958 ሓንቲ ነፋሪት ብኣጋጣሚ ናብ ቀጽሪ ሓንቲ ስድራቤት ንዩክለሳዊ ቦምብ ኣውዲቓ (ናይ ነገር ዕድል ኰይኑ ደርሁ ናይታ ስድራቤት ጥራሕ እየን ሞይተን)።
ኣብ 1966 ክልተ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቍሸት ስጳኛ ተሓምሺሸን፤ እታ ሓንቲ ኣርባዕተ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝሓዘት ነይራ። ኣብ 2010 ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ምስ 50 ሚሳይላት ንሓጺር እዋን ርክብ ስለ ዝተበትኮ፡ ነቲ ባዕሉ (ብኣውቶማቲክ) ዘወንጭፍ ኣገባብ ደው ንምባል ኣጸጋሚ ኰይኑ ነይሩ።
ሓደገኛ ህሞት
ሓያሎ ሩስያውያን ነቲ ቦሪስ የልሲን ነቲ ናይ ንዩክለር ሳጹን (ቦርሳ) ተጠቒመላ ዝብል ኣበሃህላኡ ብጥርጣረ ይርእይዎ። የልሲን ንጽባሒቱ ንኢንተርፋክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ትማሊ ብርግጽ ንመጀመርታ ግዜ እታ ኵሉ ግዜ ምሳይ ዝስከማ መጠወቒ ዘለዋ 'ጸላም' ቦርሳይ ተጠቒመላ እየ፡" ኢሉ።
ገለኦም ሰባት ንምእማኑ ዘጸግም ሓደገኛ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ሓደ ብዓል ስልጣን ሲኣይኤ ነበር፡ ኣብ ዘመነ ንዩክለር እቲ እንኮ ሓደገኛ ህሞት ኢሉ ይገልጾ።
ካልኦት ድማ ክሳዕ ክንድኡ ሓደገኛ ዘይምዃኑ ይምጕቱ። ተመራማሪ ምፍታሕ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ፓቨል ፖድቪግ፡ ነቲ ፍጻመ፡ ካብ ዓሰርተ ሓደገኛታት ዝበሃሉ መበል ሳልሳይ ከም ዝሰርዖ ይገልጽ።
ቭላድሚር ድቮርኪን ዝተባህለ ሩስያዊ ክኢላ ንዩክለር፡ እቲ ናይ ኖርወይ መጠንቀቕታ፡ ፈጺሙ ሓደጋ ከም ዘየስዕብ ይሕብር። ኣብ 1998 ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ናይ መጠንቀቕታ ስርዓት ዋላ ዓቢይ ስግኣት እንተ ኣርኣየ፡ ዝዀነ ሰብ - ዋላ'ውን ዝተጨነቐ መራሒ - ነቲ መጠወቒ ኣይጸቕጦን'ዩ ክብል ገሊጹ።
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ናይቲ ፍጻመ፡ ራድዮ ቢቢሲ ሩስያ ነቲ መጠንቀቕታ ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ከም ዘጓነፈን ዳግማይ ክኸውን ከም ዘይብሉን ገሊጻ። ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኖርወጃውያን ንቡር ተግባራት ከም ዝገበሩን ኣብ ልዕሊኦም ዝዀነ ተሪር ስምዒት ክህሉ ከም ዘይብሉን ገሊጹ። ዋላ'ኳ ሓደጋ እንተ ተወገደ፡ ዘይጐድእ ናይ ኵነታት ኣየር ሮኬት ክሳብ ክንድ'ዚ ስንባደ ምፍጣሩ ግን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ሓቢሩ።