ሩስያ-ሰሜን ኮርያ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ድሕሪ 24 ዓመታት ፒዮንግያንግ ኣትዩ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሰሜን ኮርያ ሃገሩ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ንዘላ ኵናት "ብጽኑዕ ትድግፍ" ምዃና ንኢዱ።

ፑቲን ነዚ ዝገለጸ ኣብ ድሮ ናብታ ሃገር ዘካይዶ ምብጻሕ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንምርኻብ ሎሚ ሰሉስ ናብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርያ ኣትዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ኮስሞድሮም ቮስቶክኒ ተራኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ እዚ ግን ፑቲን ድሕሪ 2000 ናብ ፒዮንግያንግ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ዑደት’ዩ።

ፑቲን ኣብቲ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝተዘርግሐ ደብዳቤ፡ ምስ ፒዮንግያንግ "ምዕራባውያን ዘይቆጻጸርዎ" ስርዓታት ንግድን ጸጥታን ክሃንጽ ቃል ኣትዩ።

ክልቲአን ሃገራት ነቲ ድልየት ምዕራባውያን ኢሉ ዝገለጾ፡ "ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ፍትሒ ዝተመርኮሰ ብዝሓ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ንምትካል ንዝካየድ ጻዕሪ ምዕንቃፍ ምቅዋመን ክቕጽላ እየን” ኢሉ።

ኣመሪካ፡ "ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና" ከምዘሻቐላ ገሊጻ።

ክረምሊን ነቲ ፍጻመ “ምሕዝነታዊ መንግስታዊ ዑደት” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ፡ ሚስተር ፑቲንን ሚስተር ኪምን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ሓዊሱ ናይ ሽርክነት ስምምዕ ክፍርሙ ከምዝኽእሉን ንማዕከናት ዜና ሓባራዊ መግለጺ ክህቡ ምዃኖምን ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣቃሊሐን።

ኣብ ኣደባባይ ኪም ኢል ሱንግ፡ ሰልፊ ክካየድ ትጽቢት ዝተገበረ ኮይኑ፡ ሚስተር ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮርያ እታ እንኮ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፒዮንግያንግ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ስላሴ ክበጽሕን እውን ትጽቢት’ሎ።

ሚስተር ፑቲን ኣብቲ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2019 ኣብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝገበሮ መንግስታዊ ዑደት ዝዓረፈሉ ኣብ ፒዮንግያንግ ዝርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ ኩምሱሳን ከዕርፍ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሚስተር ፑቲን ምስ ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻሉ ኣንድሬይ ቤሎሶቭ ሎሚ ናብ ፒዮንግያንግ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሌክሳንደር ኖቫክን እውን ኣካል ናይቲ ልኡኽ እዮም።

ሚስተር ኪም ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሩስያ ዝግበር ዝምድና "ናብ ዘይብተኽ ወተሃደራዊ ብጻይነት ከምዝማዕበለ" ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ሚስተር ፑቲን ምስ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምክያድ "ተኽእሎታት" ከምዝረኣየ ክገልጽ እንከሎ ሚስተር ኪም ድማ ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዓወት ክጎናጸፍ ሰናይ ትምኒት ገሊጽሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ፡ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ኣይኮናን ተሻቒልና። እቲ ዘሻቕለና ዘሎ፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ሓላፊ ፕሮግራም ጃፓንን ኮርያን ጆን ኒልሰን-ራይት ሚስተር ፑቲን፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ንምምካት ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት መሻርኽቲ ሩስያ ምስ ዝነበራ ሃገራት ዝምድናኡ የሐይል ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚስተር ፑቲን፡ ኣብ 2000 ፕረዚደንት ኮይኑ ምስተመረጸ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ኣቦ ሚስተር ኪም ኪም ጆንግ ኢል ተራኺቡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።