ሩስያ፡ ስለ ምንታይ'ያ ንመሃዝቲ ዝተራቐቐ ሚሳይላት ብ 'ኽሕደት ሃገር' ትኸስስ ዘላ?

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ካብ ፍጥነት ድምጺ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝውንጨፍ ወተሃደራዊ ብረት ክትሰርሕ ከምእትኽእል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ይስማዕ’ዩ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሩስያ ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ጸብለል ንኽትብል ብሞይኦም ክሰርሑ ዝጽንሑ ሩስያውያን ተመራመርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑ ተራእዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ዝተኣስሩ ተመራመርቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ኰይኖም፡ ሓደ ካብኦም ብሕማም መንሽሮ ሓሚሙ ተመግዲሩ እንከሎ፡ ካብ ዓራቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተወስደ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝሞተ ይርከቦም።

ካባልእ ወዲ 68 ዓመት ቨላዲስላቭ ጋልኪን ዝተባህለ ተመራማሪ ኣብ ሚያዝያ 2023’ዩ ገጾም ብማስክ ዝተሸፈኑ ሰብ ብረት ናብ ገዛኡ መጺኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮሞ።

ብዓልቲ ቤት ጋክኪን፡ ብትካል ጸጥታ ሩስያ [ኤፍኤስቢ] ብዛዕባ ማእሰርቲ ብዓል ቤታ ከይትዛረብ ከምዘጠንቀቕዋ’ያ ትገልጽ።

ሩስያ፡ ብኽሕደት ሃገር ዝኸሰሰቶም፡ ካብ 2015 ኣትሒዞም ኣብ ምስራሕ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ተዋፊሮም ዝጸንሑ 12 ተመራመርቲ ኣሲራ ኣላ። እቲ ክሲ ከኣ ንሃገራት ወጻኢ ሃገራዊ ምስጢር ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ዝብል ይርከቦ።

መስርሕ ፍርዲ እዞም ተመራመርቲ ኣብ ዕጹው መጋባእያ እዩ ተኻይዱ። መንግስቲ ሩስያ "እቲ ክሶም ከቢድ’ዩ" ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

ካብ ደምፂ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ዝውንጨፍ ሚሳኤል

እዚ ሃይፐርሶኒክ እናተባህለ ዝፅዋዕ ዓይነት ሚሳይል፡ ካብ ፍጥነት ድምጺ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝጉዓዝ ኮይኑ ኣብ ሰማይ እናተወንጨፈ እንከሎ ኣንፈት ክቕይር ዝኽእል ኣዝዩ ምዕቡል ወተሃደራዊ መሳርሒ'ዩ።

ኣብቲ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኵናት ክልተ ዓይነት ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ተጠቒማ ኣላ።

እንተዀነ ሩስያ፡ ኣብ ምምዕባል ሃይፐርሶኒክ ክሰርሑ ዝጸንሑ ተመራመርታ’ያ ትኣስር ዘላ።

ጋልኪን ኣብ ሚያዝያ ምስ ተኣሰረ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ምስ ጋልኪን ኣብ ብዙሕ ምርምራት ክሰርሕ ዝጸንሐ መላፍንቱ ቫለረይ ዝቨጊስቲቭ’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ብመንግስቲ ሩስያ ትውነን ማዕከን ዜና ታስ፡ ቫለረይ ዝቨጊስቲቭ በቲ ኣብ 2021 ኣብ ናይ ኢራን መጽሄት ዝጸሓፎ ጽሑፍ ተኣሲሩ ክኸውን ከምዝኽእል’ያ ገሊጻ።

ኣብታ መጽሄት ቫለረይ ዝቨጊስቲቭ ብዛዕባ ፍጥነት ዘለዎም ወተሃደራውያን ብረታት ኣብ ዝምልከት ብኸመይ ክስራሕ ከምዝኽእል’ዩ ምረምራዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ።

ብዙሓት ሩስያውያን ተመራመርቲ ክእሰሩ ምስ ጀመሩ፡ ሰራሕተኛታት Institute of Theoretical and Applied Mechanics (ITAM) ነቶም ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ንሃገሮም ወትሩ እሙናት ምንባሮም ገሊጹ።

እቲ ናብ ካልእ ሃገራት ኣሕሊፎም ሂቦሞ ዝተባህሉ ምስጢር፡ ብተደጋጋሚ ተመርሚሩስ ዝኾነ ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ምስጢር ከምዘየለ’ዩ ITAM ዝሕብር።

ትካል ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ሩስያ፡ እቶም ተመራመርቲ ብሃገራዊ ክሕደት ከኽስሶም ዝኽእል ነገር ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ሩስያ ግን ተመራመርቲ ምእሳር ሎሚ ኣይኰነን ጀሚርዎ፥

ኣብ 2016 ንወዲ 83 ዓመት ቭላድሚር ላፕጊን ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምእሳር ኣብ 2020 ፊቲሕዎ።

ቭላድሚር ላፕጊን ኣብ ትካል ጠፈር ሩስያ ን46 ዓመት ዝሰርሐ ምኩር ተመራማሪ’ዩ።

ቭላድሚር ላፕጊን ሓደ ኣገዳሲ ሰነድ ናብ ቻይና ሰዲዱ ተባሂሉ’ዩ ተኣሲሩ ነይሩ፡ ኣንተኾነ ኣብ መወዳእታ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይተረኸቦ’ዩም መቕርቡ ዝሕብሩ።

ቭላድሚር ላፕጊን ድሕሪ ምፍትሑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ መንግስቲ ሩስያ ዋላ ነቲ ኣብ መጽሄታት ዝወጽአ ቅሉዕ ጽሑፋት’ዩ ብጥርጣረ ዝርእዮ ኢሉ።

እቲ ካልእ ብመንግስቲ ሩስያ ኣብ 2022 ዝተኣሰረ ተመራማሪ ኣብ ድሚትሪ ኮልከር ኮይኑ ኣብ ለዘር ፊዚክስ ዝሰርሕ ዝነበረ’ዩ።

ክእሰር እንከሎ መንሽሮ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል’ዩ ነይሩ።

ወዲ 54 ዓመት ድሚትሪ ኮልከር ድሕሪ ማእሰርቱ ድሕሪ ክልተ መዓልታት’ዩ ሞይቱ።

ምእሳር እዞም ተመራመርቲ ብብዙሓት ሩስያውያን ተቃውሞታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጻ ዝበሎም መንግስቲ ሩስያ ዝኣሰሮም ተመራመርቲ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ’ዩ።

ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ነቶ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ተመራመርቲ ዝገብሮ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ክኹንንዎ ይርኣዮ ኣለዋ።

ካልኦት ብመንግስቲ ሩስያ ተኣሲሮም ዘለዉ ተመራመርቲ ወዲ 57 ዓመት ዳይረክተር ITAM ኣብ 2022

ፍርዲ ይጽበ ኣሎ፡ ዳይረክተር ኢንስትትዩት ምርምር ፔተርስበርግ ኣሌክሳንደር ኩራኖቭ ኣቭ 2021 ተኣሲሩ

ኣብ 2024 ንሸውዓተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣበን 2020 ንሸውዓት ዓመትት ክእሰር ዝተፈረደ ሮማን ካቮሌኦቭ ኣብ 2022 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ዝሞተ ይርከቦም።