ኣሜሪካን መሻርኽታን ስለምንታይ'የን ንዒራቕ ወሪረን?

20 መጋቢት 2003 ሓይልታት ኣሜሪካን መሻርኽታን ንዒራቕ ወሪረን ንስርዓት ሳዳም ሑሴን ዓልየን።

ኣሜሪካ፡ ዒራቕ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ከም ዘለዋን፡ እዚ ንዓለምለኻዊ ሰላም ስግኣት ከም ዝዀነን እኳ እንተገለጸት፡ መብዛሕትአን ሃገራት ግን ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣይደገፋን።

ኣሜሪካ ስለ ምንታይ ንዒራቕ ክትወርር ደልያ?

ኣብ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ 1990-1991 ኣመሪካ ንወረርቲ ሓይልታት ዒራቕ ካብ ኩዌት ከውጽኡ ዘገደደ ንብዙሓት ሃገራት ዝሓቖፈ ጥምረት መሪሓ ነይራ።

ብድሕሪኡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዒራቕ ንኹሉ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋራታ (WMDs) ከተዕኑ ዝእዝዝ ውሳነ 687 ኣጽዲቑ - እዚ ንኑክሌራዊ፡ ባዮሎጂካውን ኬሚካላውን ኣጽዋርን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ንምግላጽ ዝተጠቐምሉ ቃል እዩ።

ኣብ 1998 ዒራቕ ምስ ተቖጻጸርቲ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ዝነበራ ምትሕብባር ደው ኣቢላቶ፤ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ድማ ብመጥቃዕቲ ኣየር ምላሽ ሂበን።

ኣልቃዒዳ ብ11 መስከረም 2001 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ንግዲ ዓለምን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ፔንታጎንን ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ቡሽ ንዒራቕ ንምውራር መደባት ክሕንጽጽ ጀሚሩ።

ፕረዚደንት ነበር ቡሽ፡ ሳዳም ምዕቃብን ምፍራይን ኣጽዋር ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ዒራቕ ኣካል እቲ ዓለምለኻዊ “ልፍንቲ ክፍኣት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ምስ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ምዃና ገሊጹ።

ኣብ ጥቅምቲ 2002 ድማ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ፍቓድ ሂቡ።

"ብዙሓት ሰባት ዋሽንግተን፡ ዒራቕ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ዘርኢ ርኡይ መርትዖ ከም ዘሎን፡ ሓቀኛ ስግኣት ከም ዘስዕብን ይኣምኑ ነይሮም" ትብል ዳይረክተር ኣብ ለንደን ዝርከብ ኣማኻሪ ጉዳያት ወጻኢ ፕሮግራም ኣሜሪካን ቻታም ሃውስን ዶክተር ለስሊ ቪንጃሙሪ።

ኣብ ለካቲት 2003፡ ናይ ሽዑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝነበረ ኮሊን ፓወል፡ ዒራቕ በቲ ሒዛቶ ዝነበረት ፕሮግራም ኣጽዋር ቅድሚ ሕጂ ዝተቐበለቶ ስምምዓት ትጥሕስ ኣላ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንኽውስድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ክህብ ሓቲቱ።

ይኹን እምበር እዚ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣየእመኖን።

መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ በዓል መዚ ጸዓትን ዝመጽኡ ተቖጻጸርቲ ኣጽዋር - ኣብ 2002 ናብ ዒራቕ ክኸዱ - ዝያዳ መጽናዕቲ ብምግባር መርትዖታት ኣጽዋር ኣጽዋር ክረኽቡ ይሓታ ነይረን።

ኣሜሪካ ግን እቶም ተቖጻጸርቲ ጸብጻብ ክሳብ ዘቕርቡ ከም ዘይትጽበ ብምግላጽ፡ ኣንጻር ዒራቕ "ልፍንቲ ፍቓደኛታት" ኣኪባ።

ነቲ ኲናት መን ደጊፉዎ?

ኣብቲ ልፍንቲ ካብ ዝነበራ 30 ሃገራት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ፖላንድን ኣብቲ ወራር ተሳቲፈን።

ዓባይ ብሪጣንያ 45 ሽሕ ሰራዊት፡ ኣውስትራልያ 2 ሽሕ ወተሃደራት፡ ፖላንድ ድማ 194 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሰዲደን።

ኩዌት እቲ ወራር ካብ ግዝኣታ ክብገስ ፈቒዳ።

ስጳኛን ኢጣልያን፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጥምረት ምስ ሓያሎ ካብተን ኣብ "ጉጅለ ቪልኒየስ" ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ብምዃን ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ሂበን።

እዚአን፡ ዒራቕ ፕሮግራም ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ከም ዝኣምናን ንውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ትጥሕስ ከም ዘላን ገሊጸን።

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ዒራቕ እንታይ ክስታት ኣቕሪበን?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኮሊን ፓወል ኣብ 2003 ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ዒራቕ ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ንምፍራይ ዘገልግል "ተንቀሳቓሲ ቤተፈተነ” ኣለዋ ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ብዛዕባ ኣጽዋር ዒራቕ ዝሕብር መርትዖ"... ክንድኡ ጽኑዕ ዘይመስል" ምንባሩ ኣብ 2004 ተኣሚኑ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሚሳይላት ዒራቕ፡ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ንዝርከቡ ዕላማታት ዓባይ ብሪጣንያ ንምውቃዕ ኣብ ውሽጢ 45 ደቓይቕ ክዳለዉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ናይ ስለያ ጸብጻብ ወግዓዊ ገይሩ።

ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቶኒ ብሌር፡ ሳዳም ሑሴን ምፍራይ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ይቕጽል ምህላዉ "ካብ ጥርጣረ ንላዕሊ" እዩ ኢሉ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣጽዋር ዒራቕ ቀዳማይ ኢድ ኣፍልጦ ኣለና ኣብ ዝበሉ ክልተ ካብታ ሃገር ዝሃደሙ - ራፊድ ኣሕመድ ኣልዋን ኣልጀናቢ ዝተባህለ መሃንድስ ኬሚካልን ሜጀር መሓመድ ሓሪት ዝተባህለ ናይ ስለያ መኮነንን - ዝሃቡወን ሓበሬታ እየን ምርኩስ ገይረን።

ክልቲኦም ውልቀሰባት ድሒሮም፡ እተን መላፍንቲ ሃገራት ንሳዳም ወሪሮም ካብ ስልጣኑ ከውርዱዎ ስለ ዝደለዩ ስኑዕ መርትዖኦም ከም ዘቕረቡ ተኣሚኖም።

ነቲ ኲናት ኣይንድግፍን ዝበላኸ?

ጎረባብቲ ሃገራት ኣሜሪካ ዝኾና ካናዳን ሜክሲኮን ነቲ ወራር ኣይደገፍኦን።

ኣብ ኤውሮጳ ወሰንቲ መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ጀርመንን ፈረንሳን እውን ነቲ ኲናት ምድጋፍ ኣብየን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዶሚኒክ ደ ቪለፒን፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው "እቲ ዝኸፍአ ፍታሕ" ክኸውን'ዩ ምባሉ ይፍለጥ።

ኣባል ኔቶን ጎረቤት ዒራቕን ዝኾነት ቱርኪ ኣሜሪካን መሻርኽታን መዓስከራት ኣየር ቱርኪ ክጥቀማሉ ኣይፍቐደትን።

ኣብ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ 1990-91 ኣንጻር ዒራቕ ኰይነን ንኣሜሪካ ዝደገፋ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝበላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ 2003 ኣሜሪካ ንዒራቕ ክትወርር እንከላ ግን ኣይደገፋን።

"ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እቲ ውጥን ጽላለ ኰይኑ’ዩ ተራእዩወን” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን SOAS ክኢላ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ፕሮፌሰር ጊልበርት ኣችካር።

"ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሳዳም ኢራን ንዒራቕ ከይትቈጻጸራ ስክፍታ ነይርወን።"

ኣብቲ ውግእ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ብ20 መጋቢት 2003 ከባቢ 295,000 ወተሃደራት ኣመሪካን መሻርኽታን ዒራቕ ምስ ኩዌት ብእትዳወበሉ ዶብ ሰጊሮም ብምእታው ወራር ተጀሚሩ።

ኣብ ሰሜና ክፋል እታ ሃገር፡ 70 ሽሕ ኣባላት ምልሻ ፐሽመርጋ ኩርዳውያን ኣንጻር ሓይልታት ዒራቕ ተዋጊኦም።

ክሳዕ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሰራዊት ዒራቕ ተሳዒሩ እቲ ስርዓት ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ሳዳም ሑሴን ድሒሩ ተታሒዙ፡ ተፈሪዱን ተቐቲሉን።

ይኹን እምበር ኣብ ዒራቕ ዝዀነ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ኣይተረኽበን።

ኣብ 2004 ድማ እታ ሃገር ብናዕቢ ዕጡቓት ጉጅለታት ተዋሒጣ። ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ኣብ መንጎ ሱኒን ሺዓ ኣስላምን ውድባት ዒራቕ ኲናት ሓድሕድ ተላዒሉ።

ወተሃደራት ኣሜሪካ ከኣ ኣብ 2011 ካብ ዒራቕ ወጺኦም።

ኣብ ዒራቕ ካብ 2003 ክሳብ 2011 ኣብ ዘሎ ግዜ ብሰንኪ ምስ ኲናት ዝተኣሳሰረ 461 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ኲናት ድማ 3 ትሪልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝወድአን ይግመት።

ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዶክተር ካሪን ፎን ሂፐል "ኣሜሪካ ካብዚ ኲናት ብዙሕ ተኣማንነት ስኢና እያ። ድሕሪ ዕስራ ዓመት'ውን ሎሚ ሰባት ስለ ምንታይ ኢና ንስለያ ኣሜሪካ ንኣምን? ክብሉ ኢኻ ትሰምዕ” ትብል።