100 ሽሕ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ዝደረኸ ግጭት ሶማሊላንድ መንቀሊኡ እንታይ እዩ?

ሶማልያ ድሕሪ ውድቀት ምምሕዳር ዚያድ ባረ ብኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተሸመመትሉ እዋን፡ ብኣንጻሩ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ህዱእ ኵነታት ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ኣብዚ እዋን’ዚ ብግጭት ትናጋዕ ኣላ።

ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዘይረኸበት፡ ግን ብርእሳ እትመሓደር ሶማሊላንድ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቀረባ ዝተወልዐ ግጭት 200 ዜጋታታ ክትስእን እንከላ ብውሕዱ 100 ሽሕ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ኣለዉ።

እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዶሎ ዝተበሃለ ከባቢ ከምዝሰፈሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ድርቂ ዝተሃሰየ ምዃኑ ንናብራ እቶም ስደተኛታት ኣኽቢድዎ’ሎ።

ተመዛበልቲ ኣብ ትሕቲ ህንጻታትን ኣብ ጐደናታትን ይዕቆቡ ከምዘለዉ፡ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብቶም ስደተኛታት ንምብጻሕ ንኽልተ መዓልታት ብመኪና ክጓዓዙ ኣለዎም።

መበገሲ ናይቲ ግጭት?

ንሰላም ናይታ ካብ ካልእ ከባቢታት ሶማልያ ብዝሓሸ ኣብ ሰላማዊ ኵነታት ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ዝዘረገ ግጭት፡ ኣብታ ኣካታዒት ዝዀነት ግዝኣት ላስ ኣኖደ እዩ ተበጊሱ።

እታ ግዝኣት ቀንዲ መስመር ንግዲ ኰይና፡ ሶማሊላንድን ብኸፊል ርእሰ-ምምሕዳር እትመሓደር ጐረቤታ ፑንትላንድን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ብዋንነት ይካትዓላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ላስ ኣኖድ ዞባ ሱል ዝርከቡ መራሕቲ ቀቢላ፡ ንፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ከምዝድግፉ ብምሕባር ሰበስልጣን ሶማሊላንድ ሰራዊቶም ካብቲ ከባቢ ክስሕቡ ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።

ብዘይካ ዞባ ሱል ኣብ ካልኦት ክልተ ግዝኣታት ዝርከቡ ሽማግለታት እውን ናብ ሶማልያ ክጽንበሩ ከምዝደልዩ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሮም ብ 29 ጥሪ 2015[ግእዝ] ሓድሽ ግጭት ዝተበገሰ።

ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ንሶማልያ እሙናት ዝኾኑ ቀቢላዊ ሓይልታት ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ግጭት ተቐይሩ ድማ፡ ብውሑዱ ህይወት 200 ሰባት ጠፊኡ።

ሶማሊላንድ ንዞባ ሱል ኣብ 2008 [ኣ.ኣ] ካብ ፑንትላንድ ካብ እትወስዳ ጀሚራ ከተመሓድራ ጸኒሓ እያ።

እዚ ድማ ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ውግእ ኣስዒቡ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ሰበስልጣን ሶማሊላንድ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ከተማ ላስኖድ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ቅትለት፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ተሓታትነት ስጕምቲ ዘይምውሳዶም ንህዝብን መራሕቲ ቀቢላታትን ኣቘጢዑ ነይሩ።

መበገሲ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ድማ ኣብ ላስ ኣኖድ ዝተኣከቡ መራሕቲ ቀቢላታት ንምምሕዳር ሶማሊላንድ ከምዘይቕበሉ ብምግላጽ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ክመሓደር ከምዘለዎ ብምእዋጆምን እዩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን መራሕቲ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ኣብ ላስ ኣኖድ ዘሎ ግጭት ክፍታሕን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ ዓዶም ክምለሱን ሓቲቱ’ሎ።

ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ከምዘይትደራደር ብትሪ ዘፍለጠት ሶማሊላንድ፡ ዞባታት ላስ ኣኖድ፡ ሱልን ሳናናን ኣካል መሬት እታ ሃገር ምዃነን ትገልጽ።

ሰበስልጣን ሶማሊላንድ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሒደት መዓልታት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝገበሩ’ኳ እንተገለጹ፡ ድሕሪ መዓልታት ግን ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ከሲሶም።

ሶማልያ ነዚ ክሲ ቀጥታዊ መልሲ ኣይሃበትሉን።

ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ክመሓደሩ ዝደልዩ መራሕቲ ዞባ ሱል ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ክካየድ ይጽውዑ ኣለዉ።

ሰራዊት ሶማሊላንድ ሕጂ’ውን ናብታ ከተማ ይኣቱን ይወጽእን ከምዘሎ ብምሕባር ንቐዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ድሉው ኣይኮነን ክብሉ ከሲሶም።

ኣብ ላስ ኣኖድ ዝተራእየ ግጭት ነቲ ዞባታት ንነዊሕ እዋናት ከልዕልኦ ዝፀንሐ ሕቶ ርእሰ-ምሕደራ ክበራበር ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ይግለፅ።

መንግስቲ ሶማሊላንድ ኣብዚ ሓያል ወጥሪ ዝደገሰሉ እዋን ምስቶም ክንነፀል ንደልይ ኢና ዝብሉ ኣካላት ምዝርራብ እዩ ዘድልይ ይብል ኣሎ።

ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ዝካየድ ዝርርብ እንተተጀሚሩ ድማ ነገራት ክሃድኡ ክገብር ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ቁሩብ ብዛዕባ ሶማሊላንድ

ሶማሊላንድ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ።

ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር ስያድ ባሬ ኣብ 1991 ናጽነታ ኣዊጃ።

ብማሕበረሰብ ዓለም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተተት ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተዋህባን።

ኣብቲ ቅልውላው ዝበዝሖ ዞባ ከም ተስፋ ህድኣት እትቑፀር ሶማሊላንድ ወላ’ውን ኣፍልጦ እንተዘይረኸበት ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ፡ ፓስፖርትን መንግስታዊ ምምሕዳርን ኣለዋ።

ሰበ-ስልጣና ሶማሊላንድ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይምርካባ ፖለቲካዊ እዩ ክብሉ ይስምዑ።

ሶማልያ ብወገና ንጉዳይ ሶማሊላንድ ከም ሕቶ ምግንጻል እያ ትርእዮ። ከም ሃገር እውን ኣፍልጦ ኣይሃበታን።