ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ግዝያዊ እገዳ ቪዛ ኣንቢሩ

ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ግዝያዊ እገዳ ቪዛ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ።

ሎሚ 29 ሚያዝያ 2024 ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ፡ እቶም ብመሰረት ሕጊ’ቲ ሕብረት ንኢትዮጵያውያን ቪዛ ንምሃብ ዝውዕሉ ዝነበሩ ኣገባባት ከምዝተኣገዱ የመልክት።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢትዮጵያውያን ብዘቕረብዎ መርትዖ መሰረት ቪዛ ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ነቶም ቅድመ-ኵነት ከሓድጋ (waiving requirements) ኣይክእላን እየን።

ኢትዮጵያውያን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ናብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክኣትዉን ክወጹን ዘኽእሎም ብዙሕ መእተዊ ቪዛ (multiple entry) ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።

ናይ ዲፕሎማሰኛታትን ኣገልግሎትን ፓስፖርት ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ብነጻ ቪዛ ኣይወሃቦምን።

ኢትዮጵያውያን ቪዛ ንኽረኽቡ ዝጸበዩሉ ግዜ ካብ 15 ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ 45 ክብርኽ ከምዝተገብረ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ምኽንያት ናይቲ ውሳነ፡ እቲ ቤት ምኽሪ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ዜጋታቱ ዳግማይ ንምቕባል ዝገበሮ ምትሕብባር ትሑት ምዃኑ ስለዝተገንዘበ" ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ወሲኹ ድማ "ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ዜጋታቱ ንኽምለሱ ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን" ይብል።

ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ መገሻ ሰነዳት ኣብ ምቕራብን ስደተኛታት ብፍቓድ ይኹን ብዘይ ፍቓድ ኣብ ምምላስን "እኹል ምትሕብባር ከምዘይገበረት" እውን ይሕብር።

ኢትዮጵያ ኣብ ምቕባል ስደተኛታት እተርእዮ "ምትሕብባር" ዳግማይ ክምርምሮ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን፡ ብመሰረት ሕጊ ቪዛ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት ስደተኛታት ዳግማይ ኣብ ምቕባል ዘለወን ምትሕብባር ከምዝግምግም ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢትዮጵያ ስደተኛታታ ንኽትቅበል ንዘቕረብኦ ሕቶ ዝረኸብኦ ምላሽ "ብዙሕ ስለዘይዀነ" እቲ ምትሕብባር "ትሑት" ኢሉ ዝደምደመሉ ምኽንያት ድማ ኣብሪሁ።

እቲ ኮሚሽን ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ግዝያዊ እኳ እንተዀነ፡ ናይ ግዜ ገደብ ከምዘይተቐመጠ እውን ኣስሚሩ ኣሎ።