እስራኤል፡ ብሓማስ ንዝቐረበ ቅድመ ኵነት ተዅሲ ደው ንምባል ብትሪ ነጺጋቶ

ምንጪ ስእሊ, Israeli government
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታያሁ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ብሓማስ ንዝቐረበ ቅድመ ኵነት፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ‘ምሉእ ዓወት’ ክንጐናጸፍ ኢና ብምባል ብትሪ ነጺግዎ።
ሓማስ ነቲ ብእስራኤል፡ ኣሜሪካ፡ ቐጠርን ግብጽን ተነዲፉ ንዝቐረበ ሓሳብ ድሕሪ ምጽናዕ’ዩ፡ ነቲ ኣብ ቃዛ ተዅሲ ደው ንምባል ዝቐረበ ሓሳብ ክቕበሎ እንተዀይኑ ክማልኡ ኣለዎም ዝበሎም ቅድመ ኵነት ኣቕሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስቲ ጕጅለ ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ከምዘይዛተ ብምግላጽ ነቲ ብሓማስ ዝቐረበ ቅድመ ኵነት ‘ግርምቢጥ’ ብምባል ገሊጽዎ።
እንተዀነ ንሓማስን ንእስራኤል ኣብ ገለ ነጥብታት ንምስምማዕ ዝርርባት ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
በንያሚን ነታንያሁ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ብዘይካ ምሉእ ዓወት ካልእ ዝዀነ መፍትሒ የለን” ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ “ሓማስ እንተሰሪሩ ካልኣይ ጽንተት ንኽፍጽም ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ ክኸውን” ኢሉ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓማስ ዝዀነ ሳሚ ኣቡ ዝሁሪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መልሲ ነታንያሁ፡ “ፖለቲካዊ ዓዶኽዶኽ’ዩ” ብምባል መሊስሉ።
ሓደ በዓል መዚ ግብጺ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ብግብጽን ብቐጠርን ዝምራሕ ሓድሽ መስርሕ ሽምግልና ሎሚ ሓሙስ ኣብ ግብጺ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።
ግብጺ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓደ ስምምዕ ንኽበጽሑ ኣድላዪ ዝዀነ ተዓጻጻፍነት ከርእዩ ጸዊዓ ኣላ።
ነታንያሁ፡ ቐጠር ነቲ ሓማስ ዘቕረቦ ቅድመ ኵነት ‘ብእወታ’ ምግላጻ ዘለዎ ቍጠዐ ብምግላጽ፡ ንመልሲ ቐጠር “ዓጀውጀው’ዩ” ኢልዎ።

ሮይተርስ ንዝተዓዘቦ ብሓማስ ዝቐረበ ቅድመ ኵነት ብኸምዚ ተጸሚቝ ኣሎ፤
- ቀዳመይ እብረ: ን45 መዓልታት ተዅሲ ደው ክብል፡ ኣብዚ 45 መዓልታት ብሓማስ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 19 ዝዀነን ከምኡ ከኣ ዓበይቲ ኰይኖም ጥዕና ዘይብሎም ክፍትሑ፣ እስራኤል ከኣ ኣሲራቶም ዘላ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ክትፈትሕ። እስራኤል ካብ ሒዛቶ ዘላ ሰብ ብብዝሒ ዝነብሮ ክፋል ቓዛ ክትወጽእ ዳግመ ህንጸት ሆስፒታላትን መዓስከር ስደተኛታትን ክጅምር።
- ካልኣይ እብረ: እስራኤል ጠቕሊላ ካብ ቓዛ ምስ ወጽአት ዝተረፉ ብሓማስ ዝተተሓዙ ክፍትሑ እስራኤል ከኣ ፍሊስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ።
- ሳልሳይ እብረ: ክልቲኦም ወገናት ሬሳታትን ኣስክሬናትን ክለዋወጡ።
እቲ ብሓማስ ዝቐረበ ቅድመ ኵነት ብተወሳኺ ናብ ቓዛ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ክውሰኽ ይጽውዕ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ብምቕታል ኣስታት 250 ሰባት ጅሆ ድሕሪ ምሓዙን እዩ ኲናት ቓዛ ተወሊዑ።
ካብቲ ዕለት ኣትሒዞም ልዕሊ 27 ሽሕን 700 ሰባት ኣብ ቓዛ ከምዝተቐተሉ ይንገር፣ ብዘይካ’ዚ ብውሕዱ 65 ሽሕ ሰባት ተወጊኦም ከምዘለዉ ይግለጽ።
ኣብ መወዳእታ ሕዳር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 105 እስራኤላውያንን ወጻእተኛታትን ነጻ ክወጽኡ እንከለዉ ከም መባድልቲ፡ እስራኤል 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ነጻ ከምዝሰደደት ይዝከር።
በንያሚን ነታንያሁ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰራዊት እስራኤል ናብታ ኣብ ደቡብ ቓዛ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ንኸጥቅዕ ንኽዳሎ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
ከተማ ራፋሕ ካብ ሰሜን ቓዛ ዝሃደሙ ዓሰርታታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ዝርከብዋ ከተማ’ያ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እቲ ኲናት ናብ ራፋሕ እንተኣስፋሕፊሑ ነቲ ኣብ ቓዛ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከዕርጎ ከምዝኽእል ስክፍታኡ ገሊጹ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







