እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊት-ኣውስትራልያዊት ኣብ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ትሳተፍ ኣላ
ንኣውስትራልያ ብምውካል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ዝተጓዕዘት ኤርትራዊት-ኣውስትራልያዊት ኣብ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኣልሳቤጥ ዳግማዊት ትሳተፍ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየት ሳባ ኣብራሃም፡ ሓንቲ ካብ ፍሉጣት ዜጋታት ኣውስትልያ ኮይና፡ ንስደተኛታት ብፍላይ ድማ ንደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምድጋፍ እትነጥፍ'ያ።
ሳባ፡ ንኣውስትራልያ ወኪሎም ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ክሳተፉ ካብ ዝተሓርዩ 10 "ተራ ኣውስትራልያውያን" ዝተባህሉ ንሕብረተሰብ ብዘለዎም ኣበርክቶ፡ ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ወልቀሰባት ሓንቲ ኮይና፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ ብሓንቲ ነፋሪት ከምዝተጓዕዘት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ንቤተሰብ ንግስቲን ህዝቢ ብሪጣንያን "ጽንዓት ይሃብኩም" ዝበለት፡ ሳባ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝነበራ ኣድናቖት ገሊጻ።
"ሓቂ ዘረባ ከምተቓላሲት ዝነበርኩ ናታ ደጋፊት እንተዘይነበርኩ፡ ናብ ኣውስትልያ ምስ መጻእኩ ግን፡ እቲ ናታ ተርእዮ ናይ ምምራሕ ብቕዓት፡ ንንግስነታዊ ስርዓትን ደሞክስያዊ ስርዓትን ምምዕርራይን ሚዛንን ሓልያ" ትኸይድ ምንባራ ከምእትንእድ ትዛረብ።
"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ንውጹዓት፡ ብፍላይ ንወጽዓታት ናይ'ቶም 'ኣቦርጅንስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ደቂ-ባት ኣውስትራልያውያን "ተቐቢላ፡ ናብ ኣውስትራልያ ዙረት ኣብ እተካይደሉ ምስኣቶም ክትገብሮ እትፍትን ርክባት፡ ከምኡ'ውን ምስቲ መሰረታት ህዝቢ ዝነበራ ኣቀራርባ ካብቲ ዝምስጠኒ ዝነበረ'ዩ"።
ፍልጥቲ ተሓላቒት መሰላት ኣቦርጅናውያን ዝኾነት፡ ዶ/ር ሚርያም-ሮዝ ኡንጉንመር ባውማን'ውን፡ ካብቶም 10 ብምዃን ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፋ'ላ።
ኣውስትራልያ፡ ንኽብሪ ንግስቲ ናይታ ሃገር'ውን ዝኾነት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት 10 መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ'ላ።
ነቲ ኣፍልጦ ምርካበይ "ክኣምኖ ኣይክልኩን" ዝበለት ሳባ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ዘሕዝን ኣጋጣሚ (ስነስርዓት ቀብሪ) እንተኾነ እቲ ዕድል ምርካባ ክብሪ ከምዝስምዓ ገሊጻ።
"ሓቂ ዘረባ፡ ክኣምን ኣይክኣልኩን፡ መጀመርታ ከምዚ ሓሶት ምድንጋር'ዩ መሲሉኒ ነይሩ፡ ግን ደጋጊሞ ደዊሎም ሓቂ ምስኮነ ብጣዕሚ ገሪሙኒ፡ ክብሪ ተሰሚዑኒ''።
እቲ ንግስነታዊ ቤተሰብ፡ ንከማና ዝኣመሰሉ ተራ ሰባት ንሕብረተሰብ ለውጢ ንምምጻእ ንገብሮ ጻዕሪ ኣፍልጦ ምሃቦምን፡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኴንና ኣብዚ ዓለምለኻዊ ስነስርዓት ቀብሪ ክንርከብ ምኽኣልና፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ እቶም 10 ሰባት፡ ሓበን ይስምዓኒ" ትብል ሳባ።
ሳባን ብጾታን፡ ኣብቲ መራሕቲ ዓለም፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ብሪጣንያን ዕድመ ዝተገብረሎም ወልቀሰባትን ጥራይ ዝሳተፍዎ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ዌስትሚኒስተር ኣቢ ዝግበር ስነስርዓት ክሳተፉ'ዮም ተዓዲሞም።
ድሕሪ'ቲ ብዙሕ ሰዓታት ዝወሰደ በረራ ብዓርቢ ናብ ለንደን ድሕሪ ምእታዋ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ወግዓዊ ኣኼባታትን ጽንብላትን ክትሳተፍ ቀንያ'ላ።
ሳባ፡ ነቲ ኣፍልጦ ምርካባ፡ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን ስሒባ'ላ።
ኣብ 2022፡ ነቲ ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት "ብሉጽ ኣውስትራልያዊ" ዝተሓጸየትን፡ ኣቐዲማ "ጅግና ዞባ" (ሎካል ሄሮ) ክፍለሃገር ኲንስላንድ ዝኾነት እያ።
ግርማዊት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ መበል 96 ዕድሚአንን ኣብ መበል 70 ዓመት ንግስነትንን እየን ዓሪፈን።
ስነስርዓት ቀብረንን ድማ ሎሚ ሰኑይ 19 መስከረም ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተረኽብሉ ብውግዒ ክፍጸም እዩ።