ኣብዚ ወርሒ ዝጅምራ፡ ክረኣያ ዝግባአን 10 ብሉጻት ፊልምታት

ምንጪ ስእሊ, Ollie Upton/HBO
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝጅምራ ፊልምታት ቲቪ፡ ‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’ ሓዊሱ ክረኣያ ዝግባአን 10 ብሉጻት ፊልም ተመሪጸን ኣለዋ።
1. ‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’
‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ፡ ጋዜጠኛታት ቲቪን ኣድነቕቲ እቲ ፊልምን ብማዕረ ዝሓትዎ ሕቶ ነይሩ፣ ኣብ ቀጻሊ ከም ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ ዕውት ዝኸውን መደብ እንታይ እዩ? ኢሎም ከስተንትኑ ጸኒሖም እዮም። ዓቢይ ኣህጉራዊ ዓወት ዘለዎ፡ ቀጻሊ ቅያዊ ፋንታዝያዊ ዛንታ፡ ሰሙናዊ ልቢ ተዓዘብቲ ብዘንጠልጥል ህሞታት ዝፈጥር መደብ ቲቪ? መልሱ ክኸውን ዝኽእል ተወሳኺ ‘ጌም ኦቭ ትሮንስ’ ምፍራይ እዩ።
ኣብ ጆርጅ ኣርኣር ማርቲን ‘ፋየር ኤንድ ብላድ’ ትብል መጽሓፍ ዝተመርኮሰ ‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’ ቅድሚ ናይ ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ 200 ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ ዘሎ እዋን ብዛዕባ ዝነበሩ ብሩር ጸጕሪ ዘለዎም ሓለውቲ ገበል ዝዀኑ ስድራቤት ታርጋሪየን ዘዘንቱ መደብ ቲቪ እዩ። እቲ መደብ ከም እኒ ፓዲ ኮንሲዲን፡ ማት ስሚዝ፡ ኤማ ዳርሲ፡ ስቲቭ ቱሳንት፡ ኦሊቭያ ኩክ፡ ራይስ ኢፋንስ ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ኣሳቲፉ እዩ።
ጆርጅ ኣርኣር ማርቲን ንዘ ሆሊዉድ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡"ሓያል'ዩ፡ ምስ ኣእምሮ ዘይኮነስ ምስ ዓሚቝ ውሽጣዊ ስምዒታት ዝተኣሳሰር እዩ፡ ‘ዳርክ’ (ሕመቕ/ኣሉታዊ/ክፍኣት) ኣለዎ፡ ከም ናይ ሸክስፒር ትራጀዲ'ዩ" ክብል ይገልጾ። ካብ ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ ብዝሓሸ ኣብ ስክሪን ዝፍጸም መጠን ጾታዊ ርክብ ክቕንስ ተገይሩ እዩ። ዋላ'ኳገና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እንተሃለወ፡ ብዝንዕቕ ወይ ብዘኽብር መገዲ ዘይኮነስ "ብጥንቃቐ” ከምዝቐረበ እቶም ኣሰናዳእቲ ይገልጹ።
‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’ ንፈለማ እዋን ኣብ 21 ነሓሰ ብHBOን ብHBO MAXን ኣብ 22 ነሓሰ ድማ ብSKY AND SNOW ክቐርብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Lewis Storey/Getty Images
2. ‘ወልካም ቱ ሬክስሃም’
ኣብ 2020 ኣብ ዌልስ ኣብ ትርከብ ሬክስሃም ትበሃል ንእሽቶ ከተማ ዘይተሓስበ ነገር ኣጋጢሙ፤ ራያን ረይኖልድስን ሮብ ማክኤልሄኒን ዝበሃሉ ክልተ ዓበይቲ ተዋሳእቲ ሆሊዉድ፡ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሬክስሃም ዓዲጎምዋ። ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሬክስሃም ኣብ ዌልስ ቀዳመይቲ ኣብ ዓለም ድማ ሳልሰይቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ፕሮፌሽናል ክለብ ኩዕሶ እግሪ ኰይና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናሽናል ሊግ ዝበሃል ዝተሓተ ሓሙሻይ ደረጃ ውድድር እያ ትጻወት። ከም ኣድነቕቲ ‘ቴድ ላሶ’ ዝኣመሰሉ ዕውት መደባት ቲቪ ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን፡ ሓቀኛ ህይወት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ንምንጋር ካብዚ ዝሓሸ ግዜ የለን። ከም ‘ቴድ ላሶ’ ምናባዊ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘይኮኑስ ሓቀኛ ህይወት፡ ናይ ብሓቂ ተስፋታትን ናይ ብሓቂ ገንዘብን ኵሉ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ዘርኢ ምዃኑ ብሉጽ ይገበሮ።
‘ወልካም ቱ ሬክስሃም’ ኣብ 24 ነሓሰ ኣብ ኣሜሪካ ብFXን Huluን ከምኡ’ውን ኣብ 25 ነሓሰ ኣብ ብሪጣንያ ብDISNEY+ ክፍኖ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Netflix
3. ‘ዘ ሳንድማን’
ኔል ጋይማን ዝጸሓፋን ዝበለጸ መሸጣ ዘለዋን ንቕያ ዝዀነት ልብ-ወለድ ‘ዘ ሳንድማን’፡ ንነዊሕ ግዜ ብፊልም ክትስራሕ ከምዘይትኽእል ተገይራ ትሕሰብ ነይራ። ውሕሉል ልምዲ ዘለዎም ሰባት እንተፈተኑ'ውን ክሳብ ሕጂ ዕውት ዝዀነ የለን። ጋይማን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "3000 ገጻት ዘለዎ ዛንታ፡ ኣብ ናይ ክልተ ሰዓት ፊልም ከቕርቡ ይጽዕሩ ነይሮም" ኢሉ። ዝተሓላለኸ ዛንታ’ዩ። ቶም ስቱሪጅ ከም እቲ ‘ድሪም’ ወይ ‘ሞርፊስ’ (ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ሕልሚ) ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ‘ሳንድማን’ ኰይኑ ይዕየ። ‘ሳንድማን’፡ ንሓደ ዘመን ምሩኽ ኰይኑ ድሕሪ ምንባር፡ ንዝሓለፉ ጌጋታት ንምቕናዕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ብዙሓት ዓለማት ክጓዓዝ ኣለዎ። ኔትፍሊክስ ካብዚ ከም ግዌን ዶሊን ክሪስቲ፡ ጄና ኮልማን፡ ቦይድ ሆልብሩክ፡ ስቲቨን ፍራይን ፓተን ኦስዋልትን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዝሳተፉሉ መደብ ቲቪ ልዑል እቶት ከምዝረክብ ይግመት።
‘ዘ ሳንድማን’ ኣብ 5 ነሓሰ ብNETFLIX ክፍኖ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Marvel Studios
4. ‘ሺ ሃልክ: ኣቶርኒ ኣት ሎው’
ናይ DISNEY+'s ተኸታታሊ መደብ ቲቪ፡ ምስ ልዕለ-ጀጋኑ ‘ሺ ሃልክ፡ ኣቶርኒ ኣት ሎው’ ዘላሊ ፊልም እዩ። ታቲያና ማስላኒ ከም እታ ልዕሊ ሰብኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሕጋዊ ጉዳያት ትነጥፍ ጠበቓ ጀኒፈር ዋልተርስ ኰይና ትዓዪ። ኣብዚ ጉዳያት እዚ ፍሉይ ክእለት ኣለዋ፡ ምኽንያቱ ብጌጋ ብደም ወዲ ሓውቦኣ ብሩስ ባነር ስለ ዝተበከለት፡ ናብ ልዕሊ ክልተ ሜትሮ ሰብነት ዘለዋ ‘ሃልክ’ ክትቅየር ትኽእል እያ። ኣብዚ ኣስታት 30 ዝዀኑ ጠበቓታት ምስ መዓልታዊ ክውንነት ፍቕርን ህይወትን ፈተውትን ዝቃለሱሉን ልዕለ-ጀጋኑ ዝኾኑሉን መደብ ቲቪ፡ ብዙሕ ሰሓቕ ተጸበዩ። ከም ቲም ሮት፡ በነዲክት ዎንግ፡ ጃሚላ ጃሚልን ጆን ባስን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ተሳቲፎምዎ እዮም።
‘ሺ ሃልክ: ኣቶርኒ ኣት ሎው’ 17 ነሓሰ ብDISNEY+ ክፍኖ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Apple TV+
5. ‘ባድ ሲስተርስ’
ሕቡራት ጕጅለ ኣሓት ንሓድሕደን ንምዕቋብ ክሳዕ ክንደይ ይኸዳ? ኣብዛ ሓዳስ ‘ዳርክ’ ኮሜዲ ፊልም እተን ኣሓት ብሓቂ ርሑቕ እየን ዝጓዓዛ። ሳሮን ሆርጋን፡ ምስ ኣን-ማሪ ዳፍ፡ ኢቫ በርቲስል፡ ሳራ ግሪንን ኢቭ ሄውሰንን፡ ብሚስጢር ናይ ዝሞተ ናይ ሓዲአን ሰብኣይ ናይ ህይወት መድሕን ብምትላል ምርመራ ዝግበረለን ሓሙሽተ ኣሓት ኰይና ይዋስኣ። ኣብታ መፋለጢ ፊልም (ትረይለር)፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዓመጽ ክገብር፡ ከምኡ’ውን እተን ጕጅለ ኣሓት ብኸመይ ከምዘልግስኦ ውዲት ክገብራ ይረኣያ። ካብቲ መደብ ሰሓቕ፡ ንብዓትን ኣብ ቃንዛ ዘሎ ዘይንቕነቕ ኣረኣእያን ተጸበዩ።
እተን ቀዳሞት ክልተ ክፋላት ኣብ 19 ነሓሰ ብAPPLE TV+ ክፍነዋ እተን ዝተረፋ ድማ ሰሙናዊ ክስዕባ እየን።

ምንጪ ስእሊ, Apple TV+
6. ‘ፋይቭ ደይስ ኣት ሜሞሪያል’
ቅድሚ 17 ዓመት፡ ህቦብላ ካትሪና ንኒው ኦርሊንስ ኣዕንይዋ። ሓደ ካብ ሆስፒታላት እታ ከተማ ዝዀነ ሜሞሪያል ሜዲካል ሰንተር በቲ ህቦብላ ኣዝዩ ተሃስዩ። ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሓኻይምን ነርሳትን ገለ ዘሕዝን ውሳነታት ክወስዱ ተገዲዶም። ፋይቭ ደይስ ኣት ሜሞሪያል ሸሪ ፊንክ ኣብ ዝጸሓፈታ መጽሓፍ ዝተመርኮሰት ኰይና፡ ንሳ ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ታሪኽ ኣብ መጋዚን ኒውዮርክ ታይምስ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ሽልማት ፑልቲዘር ተዓዊታትሉ እያ። እቲ መደብ ኣብ ቅድሚት ግንባር እቲ ህቦብላ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዝወሰድዎ ውሳኔታትን ሳዕቤኑን የዘንቱ። እዚ ብተዓዋቲ ኦስካር ጆን ሪድሊን ብካርልተን ኪዩዝን ዝተዳለወ ተኸታታሊት ፊልም ዝዋስኡ ከም ቬራ ፋርሚጋ፡ ኮርኔልየስ ስሚዝ ጁንየርን ቼሪ ጆንስን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዘሳተፈ እዩ።
እተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፋላት ኣብ 12 ነሓሰ ብAPPLE TV+ እተን ዝተረፋ ድማ ብድሕሪኡ ሰሙናዊ ክፍነዋ እየን።

ምንጪ ስእሊ, Quim Vives/Netflix
7. ‘ዘ ገርል ኢን ዘ ሚረር’
ኣብ ስጳኛ ‘ኣልማ’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ‘ዘ ገርል ኢን ዘ ሚረር’፡ ብቛንቋ ስጳኛ ዝተሰርሐት ፍልይቲ ልዕለ ባህርያዊት ፊልም እያ። ኣልማ፡ ድሕሪ እቲ ዳርጋ ኵሎም መማህርታ ዝቐተለ ሓደጋ ኣውቶቡስ ኣብ ሆስፒታል ትበራበር። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ይዅን ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኻ ዋላ ሓንቲ ኣይትዝክርን እያ። ህይወታ ከመይ ከምዝነበረ እናስተንተነት ክትመጽእ እንከላ ተመኵሮታታ ጐድናዊ ሳዕቤን ሕውየት ድዮም ወይስ ካልእ ዘፍርሕ ነገር ክህልዎም ይኽአል? ብሰርጅዮ ጂ ሳንቸዝ ዝተሰርሐት እዛ ፊልም፡ ከም ሚረያ ኦሪዮል፡ ኣሌክስ ቪላዛን ፖል ሞነን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዘሳተፈት እያ።
ኣብ 19 ነሓሰ ብNETFLIX ክትፍኖ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Simon Ridgway/HBO
8. ‘ኢንዳስትሪ’
‘ኢንዳስትሪ’ ካልኣይ ተኸታታሊት ፊልም ሒዛ ዝመጸት ድራማ እያ። ቝጠባ ጽቡቕ ኣሎ። እቲ ለበዳ ኣጋጢሙ እዩ፡ እቶም ናብ ትካላቶም ተመሊሶም ክሰርሑ ዝተገደዱ ሰራሕተኛታት፡ ስግኣት ውህደት እቲ ትካል የፍርሖም ስለዘሎ፡ ንሓለፍቶም ዓቕሞም ከመስክሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እቶም ተመረቕቲ ዝያዳ ተመኵሮ ስለዘለዎም፡ ጌጋ እንተፈጺሞም ዝሕብኡሉ ቦታ ኣይረኽቡን።
እቶም ኣርባዕተ ማእከላይ ገጸባህሪታት ተመሊሶም እዮም። ኣብዚ ማይሃላ ሄሮልድ፡ ማሪሳ ኣቤላ፡ ሃሪ ላውተይ፡ ዴቪድ ጆንሰን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዘሳተፈት ‘ኢንዳስትሪ’ ዝያዳ ትርኢት ስርቂ፡ ዝያዳ ልዑል ድራማ፡ ዝያዳ ኣኽብሮትን ርእሰ-ኣስተንትኖን ከምኡ’ውን ዝያዳ ሚስጢርን ተጸበዩ።
‘ኢንዳስትሪ’ ንፈለማ እዋን ኣብ 1 ነሓሰ ብHBOን HBO MAXን ኣብ ኣሜሪካ ክትቀርብ እንከላ፡ ኣብዚ ቀውዒ ድማ ብBBC ONE ብiPLAYERን ኣብ ብሪጣንያ ክትፍኖ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Netflix
9. ‘ሞ’
ስታንድ-ኣፕ ኮሜድያን ሞ ዓምር፡ ከም ሓደ ኣብ ቴክሳስ ዝዓበየ ፍልስጤማዊ ስደተኛ፡ መንነቱ ዝገልጽ ኮሜዲ ንነዊሕ እዋን ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ። ሕጂ ድማ ብዛዕባኡ ሓውሲ-ኣውቶባዮግራፊያዊ ተኸታታሊ ኮሜዲ ሰሪሑ ኣሎ።
ንሱ ነቲ ኣብ ሂዩስተን ቴክሳስ ናብራ እናተላመደ ከም ስደተኛ ዜግነት ኣሜሪካ ንምርካብን ክልተ ዝተፈላለየ ባህሊ ንምትዕራቕን ዝጽዕርን ዘሎ ሞ ናጃር ኰይኑ ይዋሳእ። ዓምር ንዘ ደይሊ ቢስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣዝዩ ኣብ ህይወተይ ዝተመርኮሰ'ዩ" ይብል። "ብመሰረቱ ን25 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ጸኒሑ ክሳብ ሕጂ ዜግነት ብዛዕባ ዘይረኸበ ስደተኛ ዘዘንቱ'ዩ።"
ተሬዛ ሩይዝ፡ ዑመር ኤልባን ፋራ ብሲሶን እውን ተሳቲፎምሉ እዮም።
‘ሞ’ ካብ 4 ነሓሰ ብNETFLIX ክፍኖ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Axelle/Bauer-Griffin/FilmMagic/Getty Images
10. ‘ዘ ፔሸንት’
‘ዚ ኣሜሪካንስ’ ዝብል ናእዳ ዝረኸበ መደብ ዘዳለዉ ጆ ዋይስበርግን ጆኤል ፊልድስን ሕጂ ድማ ‘ዘ ፔሸንት’ ትብል ሓዳስ ልቢ ተንጠልጥል ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍልይቲ ተኸታታሊት ፊልም ሒዞም ደበኽ ኢሎም ኣለዉ። ኣብዛ 10 ክፋላት ዝሓዘት ፊልም፡ ስቲቭ ካረል ነቲ ብሓደ ሕሙም ዝጥለፍ ኣላን ስትራውስ ወኪሉ ይዋሳእ። እቲ ሕሙም ሳም ፎርትነር (ዶምሃል ግሊሰን ዝዋስኦ) ነቲ ናይ ቅትለት ዝንባለታቱ ሕክምና ዝሓትት ተኸታታሊ ቀታሊ ምዃኑ ይገልጽ።
30 ደቒቕ ንውሓት ኣብ ዘለዎም ክፋላት ‘ዘ ፔሸንት’፡ ኣላን ንሳም ግዴታኡ ንኽርድኦ ክሕግዞ ከሎ፡ ንነብሱ ከረድኣ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ብተግባር ዝተሰነየ ፍናን ተጸበዩ።
እተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፋላት ኣብ 30 ነሓሰ ኣብ ኣሜሪካ ብFXን ብHULU ክፍነዋ እየን፤ እተን ዝተረፋ ድማ ድሕሪኡ ሰሙናዊ ክቐርባ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







