እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶርያ፡ ቢቢሲ 'ወገናውን ዘይቅኑዕን'ዩ' ኢላ ኣብ ሃገራ ከይሰርሕ ከልኪላ
መንግስቲ ሶርያ ቢቢሲ “ወገናውን ዘይቅኑዕን” ሓበሬታ’ዩ ዘመሓላልፍ ብምባል ኣብታ ሃገር ከይሰርሕ ከልኪሉ።
ንጋዜጠኛታት ፍቓድ ስራሕ ዝህብ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር፡ ቢቢሲ “ሞያዊ መለክዒታት” ዘማልአ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ስራሕ ፍቓድ ከምዝኸልከሎ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቢቢሲ ዝተዘርግሐ ዛንታ፡ ንግዲ ካፕታጎን ዝተባህለ ዓይነት ዕጸፋርስ ምስ ስድራቤት ፕረዚደንት ሶርያ በሻር ኣል ኣሳድ ከምዘተኣሳሰሮ ይሕብር።
ቢቢሲ፡ ዘይሻራውን ነጻን ስራሕ ከምዝሰርሕ ብምሕባር ንክስን ክልከላን መንግስቲ ሶርያ መልሲ ሂብሉ።
ወሃቢ ቃል ቢቢሲ፡ “ናብቲ ሓቂ ንምብጻሕ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕን ጽላትን ፖለቲካ እታ ሃገር ዝርከቡ ብዙሓት ሰብመዚ ኢና ኣዘራሪብና” ኢሉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተሓተመ ጽሑፍ፡ እቲ ብቢቢሲ ዓረብ ዝተገበረ ምርምራዊ ስራሕ፡ ውጽኢቱ ኣብ መንጐ ንግዲ ዕጸፋርስ ካፕታጎን፡ ስድራ በሻር ኣል ኣሳድን ምትእስሳር ከምዘሎ’ዩ ዘርኢ።
ካፕታጎን ሓደ ካብ ቀንዲ ኣወለፍቲ ዕጸፋርስ ኰይኑ፡ መንግስቲ ሶርያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ንግዲ እቲ ዕጸፋርስ ዝዀነ ኢድ ከምዘይብሉ ምግላጹ ይዝከር።
እንተዀነ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ሶርያ ነቲ ዕጸፋርስ ኣብ ምፍራይን ናብ ደገ ኣብ ምስዳድን ኢድ ከምዘለዎ ብምግላጽ ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይዚ ንግዲ ድማ ስድራቤት መራሒ ሶርያ በሻር ኣል ኣሳድ ምዃኖም ምግላጸን ዝዝከር’ዩ።
መንግስቲ ሶርያ ንቢቢሲ ፍቓድ ስራሕ ዝኸልከሉ ምኽንያት እቲ ጸብጻብ ናይ ካፕታጎን ምዃኑ ኣይገለጸን።
እንተዀነ ኣብ ሶርያ ኣብ 2011 ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጀርመር ቢቢሲ ‘ኮነ ኢሉ ብዕላማ ስኑዓት ሓበሬታት” ክዝርገሕ ጸኒሑ’ዩ ኢሉ።
መንግስቲ ሶርያ ኣብ መግጺኡ ንቢቢሲ ልዕሊ ክልተ ግዜ ከምዘጠንቀቐ ብምግላጽ “እንተኾነ ግብረሽበራውያን ዝሃብዎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ዘይቅኑዓት ሓበሬታት ምዝርጋሕ ኣየቋረጸን” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ቢቢሲ ብወገኑ፡ “ነቶም ኣብ ዓረባውያን ሃገራት ዘለዉ ተኸታተልትና ዘይሻራዊ ዜናታት ምቕራብ ኣይከነቋርጾን ኢና” ኢሉ።
ኣብታ ኣብ ሓባሪ ደረጃ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ካብ 180 ሃገራት መበል 175 ተሰሪዓ ዘላ ሶርያ፡ ንጋዜጠኛታት ፍቓድ ስራሕ ምኽላእ ሳሕቲ ዝርአ ክስተት’ዩ።