እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ጽንተት እሾክ ባሕሪ እንታይ ሓደጋ የስዕብ ይኸውን?
ዝተፈለለየ ውቑብ ሕብሪ ዘለዎም ኮራላት: ንባሕሪ ገነት ካብ ዘምስልዎ ተፈጥሮ ኮይኑ፡ ልዕሊ መልክዖም ግን ነቶም ኣብ ማያዊ ኣካል ዝርከቡ ዓሳታት ዝርከብዎም ፍጥረታት ባሕሪ ህይወቶም ንክቅጽል ዘለዎም ተራ’ዩ ጎሊሑ ዝወጽእ።
ምኽንያቱ ቀንዲ መጽለልን መፋረይን እቶም ፍጥረታት ስለዝኾኑ።
ንኹሉ ክሊማዊ ለውጥታት እናተጻወሩ ከኣ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ።
ሕጂ ግን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ እሾኽ ባሕሪ ቁጽሮም እናነከየ ይመጽእ ስለዘሎን ብሰበባ እናተተከኡ ይመጽኡ ስለዘወሉን፡ ህላወ ኮራል ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ።
ከምቲ ኮራል ንዓሳታት ቀንዲ መዕቖቢኦምን መፋረይኦምን ዝኾነ፡ እሾክ ባሕሪ ከኣ ቀንዲ ዋሕስ ቀጻልነት ከራል’ዩ።
ኩሉ እዚ ተደማሚሩ ምንቁልቋል እዚ ውቑብ ኮራል ኣብ ቱሪዝም እተን ንቀይሕ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከስዕብ ከምዝኽእል ተመራመርቲ የጠንቅቑ ኣለዉ።
እስራኤላውያን ተመራመርቲ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኢላት ኣብ ዝርከብ ክፋል ምዉት ባሕሪ ብብዝሒ ዝሞቱ እሾኽ ባሕሪ ክዕዘቡ ክኢሎም።
እሾኽ ባሕሪ እንስሳ ኮይኑ፡ ምሉእ ኣካላቱ ብእሾክ ዝተተተዐ’ዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ እሾኩ ክሳብ 50 ሴንቲ ሜተር ክነውሕ ይኽእል’ዩ።
ኣብ ኮራል ብምጥባቕ ከኣ ንህላወ ኮራል ኣብ ምውሓስ ዓቢ ተራ’ዩ ዝጻወት።
ሓደሽ ዝተገበረ መጽናዕቲ፤ እሾኽ ባሕሪ ኣብ ከባቢ ገማግም ዮርዳኖስ ብ90 ሚኢታዊት ክንኪ እንከሎ፡ ኣብ ገማግም ግብጺ ብብዝሒ ጠፊኡ፡ ኣብ ገማግም ስዑድያ ኣዝዩ ውሒዱ ከምዘሎ የመልክት።
እቲ ምኽንያት ኣብ ኩሉ ተመሳሳሊ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ማይ ብዝርከቡ ባልዓት ከምዝጠፍኡ ወይ ቁጽሮም ከምዝጎደሉ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ።
ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ተል ኣቪቭ መምህር ዝኾነ ዶክተር ዖምሪ ብሮንስተን ኣብ ኢዱ ክንዲ ኵዕሶ ባይታ ቴኒስ ዝኸውን ጸሊም ዝሞተ እሽኽ ባሕቲ ሒዚ “ነዞም እሾኽ ባሕሪ ዘጥፍኦም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ከኢልና ኣለና” ይብል።
እቲ ተመራማሪ ብምቅጻል ኣብ እግርን ኣብ ሕቖን እሾኽ ባሕሪ ብዙሓት ባልዓት ከምዝረኸቡ’ዩ ዝሕብር።
“እዞም ባልዕ ‘ኔክሮሲስ’ እዮም ዝብሃሉ፡ ኣብ ኣካላት እዞም እሽኽ ባሕሪ ብምልጋብ ክሳብ ኣዕጽምቲ እቲ እንስሳ ዝስበር ይበልዕዎም፡ ሓደ እሾኽ ባሕሪ እዞም ባልዕ እዚኦም ኣብ ኣካላቱ እንተበጺሖም ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክመውት ይኽእል” ይብል።
ሰበባ ባሕሪ ኣንጻር ከራል
ብጠለቕቲ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቶም ንእሾኾም ከም መከላኸሊ ዝጥቀምሉ እሾኽ ባሕሪ፡ በቲ ባልዕ ሕቖኦም ተሎኵሲሶም እሾኾም ምእዛዝ ስኢኖም ብዓሳታት እናተጠቕዑ እንከለዉ ዘርኢ’ዩ።
እዚ ንእሾኽ ባሕሪ ዘጥቕዕ ዘሎ ባልዕ ብዓሳታታትን ብሰብን ይላባዕ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ህላወ እሾኽ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ምእታዉ፡ እቲ ልዕሊ 5000 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ኮራል ንሓደጋ ብምቕላዕ ኣብ ስነ-ህይወት ባሕሪ ዓቢ ጽልዋ ዘምጽእ ከምዝኾነ’ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
እሾኽ ባሕሪ ኣብ ህላወ ኮራለ ብኽልተ መዳይ’ዩ ዝሕግዝ።
በቲ ኣሻኽ ኣካሉ ካልእ ተጓዳእቲ ኣካላት ናብ ኮራል ከይቀርቡ ብምክልኻልን እቲ ንህላወ ኮራል ሓደገኛ ዝኾነ ሰባባ ባሕሪ ብምብላዕን ንኮራል ዓቢ ውዕለት’ዩ ዘለዎም።
ዶክተር ዖምሪ ብሮንስተን “ሰበባ ባሕርን ኮራልን ተጻረርቲ’ዮም” ብምባል፡ እሾኽ ባሕሪ ብምጥፍኡ፡ ሰበባ ባሕሪ ክስዕርር ከምዝኽእል ይገልጽ።
“ሰበባ ባሕሪ ልዕሊ ኮራል ከጉላዕልዑ’ዮም፡ ኮራል ክዓብዩ እንከለዉ ቀስ ኢሎም’ዮም ዝዓብዩ ኣብ ሓደ ዓመት ከኣ 1 ሴንቲ ሜትሮ’ዮም ዝውስኹ፡ ሰበባ ባሕሪ ግን ኣብ ሓደ መዓልቲ 1 ሴንቲ ሜትሮ ይውስኽ” ብምባል የረድእ።
ዶክተር ዖምሪ ብሮንስተን፡ ኣብ ግብጺ ካብ ወሽመጥ-ኣቓባ ንደቡብ 80 ኩሎሜተር ኣብ ዝርከብ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፡ ባዕሉ ብዝገበሮ ተፍትሽ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ምጽናት ናይ እሾኽ ባሕሪ ከምዝርኣየ’ዩ ዝሕብር።
“ሕጂ ናብቲ ቦታ ዋላ ሕደ ብህይወት ዘሎ እሾኽ ባሕሪ ኣይትረክብን ኢኻ፡ እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ” ይብል።
ዞባዊ ተርእዮ
ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ምርምር ዘካየደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስዊዝ ካናል ዝሰርሕ ዶክተር መሓሙድ ሃናፊ ብወገኑ፡ “ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ ካብ 20 ክሳብ 30 እሽኽ ባሕሪ ንረክብ ነይርና” ድሕሪ ምባል “ሕጂ ግን ብፍላይ እቶም ጸለምቲ ዓይነት እሾኽ ባሕሪ ካብ ሰሜን ሁርጌዳ ክሳብ ደቡብ ማርሳ ኣላም ፈቲሸ ዋላ ሓደ ክረክብ ኣይክኣልኩን” ኢሉ።
እቲ ተመራማሪ እቲ እሾኽ ባሕሪ ኣብ መላእ ቀይሕ ባሕሪ’ውን ይጠፍእ ከይህሉ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ንቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝውንና ሓንቲ ዝኾነት ሃገረ ዮርዳኖስ ኣብ 13 ንቅምሶ ዝሓረየቶ ቦታታት ተፍተሽ ከተካይድ እንከላ ስዑድያ’ውን ኣብ 113 ቦታታት ተፍትሽ ኣካይዳ ኣላ፡ ውጽኢት ተፍተሽን ግን ገና ኣየፍለጣን፡ ክልቲኤን ሃገራት ዝህብኦ ውጽኢት እሾኽ ባሕሪ ኣብ መለእ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ሰፊሕ ስእሊ ክህብ ከምዝኽል’ዩ ተገሚቱ ዘሎ።
እቲ ምጽናት እሾኽ ባሕሪ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ክስተት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፉ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኣብ ገማግም ዖማን’ውን ከምዝተረኣየ ተሓቢሩ።
ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ገማግም ሶማልያ’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።
ተመራመርቲ፡ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ሃገራት ካሪብያን ናይ ባሕሪ ባልዕ ን99 ሚኢታዊት እሾኽ ባሕሪ ስለዘጽነቶም፡ ኮራል ሪፍ ናይቲ ከባቢ ምሉእ ንምሉእ ብሰበባ ባሕሪ ስለዝተሸፈነ ህይወታዊ ብዙሑነት እቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ብምግላጽ ሕጂ ከኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተመሳሳሊ ክስተት ከየጋጥም’ዮም ስግኣቶም ዝገልጹ ዘለዉ።
ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝርከቡ ተመራመርቲ እሾኽ ባሕሪ ኣመልኪቶም ንዓሰርተታት ዓመታት’ዮም ምርምር ከካይዱ ጸኒሖም።
ዶክተር ዖምሪ ብሮንስተን፡ ሃገራት ብሓባር ሓደ ዓይነት ስጉምቲ እንተዘይወሲደን፤ ምጽናት እሾኽ ባሕሪ፡ ምጽናት ኮራል ኣስዒቡ፡ ሰባብ ባሕሪ ከምዝስዕርር ስለዝገበር ንኹሎም ፍጡራት ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ባሕሪ ጨው ጥራይ ዝርከቦ ኮይኑ ከይተርፍ ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ።
እቲ ተመራማሪ፡ ምጽናት እሾኽ ባሕሪ፡ ኣብ ኮራል ቅልጡፍ ሳዕቤን ዘይከርኢ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ በዚ ክዘናጋዕ ከምዘይብሉ’ዩ ዝሕብር።